Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Daniel Habtezionደበሳይ ሃብተጼን ዝተባህለ ዓዲ ሰግዶ (ከባቢ ኣስመራ) ዝዓዱ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ካብ ኤርትራ ምስ ጠፍአ ስድራቤቱ ሃለዋቱ ጠፊኡና ተጨኒቕና ስለዘለና፡ ዝኾነ ሓበሬታ እንተልዩኩም ናብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ከተመሓላልፉልና ብትሕትና ንሓትት። ኣብ ሽመልባ ዝብል ጽንጽንታ ሰሚዕና ኳ እንተነበርና፡ መረጋገጺ ኣይረኸብናን።

Mihretab

ምሕረታኣብ ማሪቆስ ተስፋይ ዝተባህለ፡ ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቓልሲ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ዜጋ ድሕሪ ናጽነት 1991 ናብዚኣ ኣትዩ ከይተባህለ ደሃዩ ስለዝጠፍኣና ሃለዋቱ ዝፈልጥ ሰብ እንተሎ ክትተሓባበሩና ብትሕትና ንሓትት።

ብድሮ ናይቲ መሓመድ ሳልሕ መሓመድ ሓጎስ ዝተቐትለሉ ምሸት ምስኡ ዘምሰየ ተወልደ ዝተባህለ መንእሰይ፡ ኣብታ ምሸት
‘ቲኣ ተፈላልዮም ነናብ መካይኖም ክኸዱ ኸለዉ ተወልደ ሰለስተ ዝኾኑ ሰባት ብሓይሊ እናኣስገደዱ ናብ መኪና
ክሰቕሉዎ ስለዝረኣየ፡ ሽዑ ካብቲ ቦታ ተሰዊሩ፡ ግን ብዛዕባ’ቲ ዝረኣዮ ንዝምልከቶም ሰባት ይሕብር፡ እቶም ሓበሬታ
ዝረኸቡ ሰባት ከኣ ንፖሊስ የመልክቱ።