Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህግደፍ፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ኢዱ ብምእታው፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ማሕበረኮማት ኤርትራውውያን ዓምቢበን ንኤርትራዊ ማሕበረሰብ ግቡእ ኣገልግሎት ክይህባ ቀንዲ ዕንቅፋት ኮይኑ ከምዘሎ ኣብ ቶሮንቶ (ካናዳ) ዝነብሩ ኤርትራውያን ትማሊ  7 ግንቦት ‘ኤርትራ ብዓይኒ ህዝባ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል መደብ ገምጋም 20 ዓመታት ናጽነት ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዘካየዱዎ ሓባራዊ ዘተ ገሊጾም።

churchesመንግስቲ ህግደፍ ኣብ 2005 መዓልቲ ናጽነት 24 ግንቦት ንተዋህዶ ሃይማኖት ብኣዋጅ ናይ መንግስቲ ተደናጋጺትን መሳርሒትን ምዃና ካብ ዝእውጅ ንደሓር፡ ኣብታ ቤተክርስትያን ማእለያ ዘይብሉ ዕንወት ይፍጽም ኣሎ።

ኣብ ኤርትራ ዝርከባ ኩለን  ብሕታዊ ክሊኒካት ካብ ዝሓለፈ ረቡዕ 4 ሕዳር 2009 ኣትሒዘን ብትእዛዝ ስርዓት ህግደፍ ከምዝተዓዘዋ፡ ምጭታት ኣሰና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ እቲ ንህዝቢ ኣገልግሎት ጥዕና ከቕርባ ንዝጸንሓ ኣብ መላእ ኤርትራ ዝርከባ ክሊኒካት ንምዕጻው ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዝተላእከ መምርሒ ሰለስተ መስመር ብዝተጻሕፎ፡ ምኽንያት ዘይገልጽ ደብዳበ እዩ ናብተን ብሕታውያን ኣብያተ ክሊኒክ ተላኢኹ።