Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Germanyብዕለት 22 ጉንቦት መበል 19 መዓልቲ ናጽነት ሃገርና ኣብ ከተማ ከለን ብኽብ ዝበለ ድምቀት ተባዒሉ። እዛ ፍልይቲ ዕለት ኣብ ኣባላት ማሕበረሰብ ከለንን ከባቢኣን ዘለዋ ፍሉይ ሚዛን  ካብቲ ዘአርእይዎ ናይ ብሃንቀውታ ምጽብባይ፡ ምሽብሻብ ኣብ ምድላዋት፡ ኣብ ገጽ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ዝርኤ ናይ ፍሽኽታን ባህታን ሓጎስን ፡ ዘለዎ ፍቕሪ ኣብዛ ህያው ዕለት ብቀሊሉ ይንበብ ነይሩ።

demoንዕለት 13 ሚያዝያ 2010 ኣብ ከተማ ኦስሎ፣ ኖርወይ ሰዓት 3:00 ድ.ቀ. ብኤርትራውያን ዝካየድ፣ ንእገዳ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ገለ መራሕቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝኹንን፣ ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ምዃኑ፣ ኣብ መርበባት ኣንቢበ ነይረ:: ኣብዚ ዝተጠቅሰ ዕለትን ሰዓትን ድማ ነቲ ክዓዮ ንዝነበረኒ ናይ ውልቂ ስርሐይ ንግዝዪኡ ኣወንዚፈ፣ ነቲ ሰልፊ ክዕዘቦ ተንቀሳቀስኩ:: ውልቀ ዋኒነይ ገዲፈ፣ ሰላማዊ ሰልፊ ንኽከታተል ዝገደዱኒ ክልተ ውሽጣውያን ድርኺታት ነይሮምኒ::

Sene

ፍሉያት ዜማታት ንኽብሪ መስዋእቲ ጀጋኑ ዘሞግሱን ሕድሮም አብ ሽቱኡ ንምብጻሕ ፍናን ዝህቡን ዘበራትዑን ደርፍታት ተሰሚዑ፡ አቦ መነብር ሲቪካውያን ማሕበራት ኤርትራ አብ ጀርመን አቶ ተስፉ ብወገኑ፡ ነዚ ሰፍ ዘይብል ሕድሪ፡ እጃምና ከነሐይል ተላቢዩ፡፡ ብድሕሪኡ ትርጉም መስዋእትን፡ ህሉዊ ተበግሶታት ንምትግባር ሕድሪ ጀጋኑ ብስፍሕ ዝብለ ካብ አባላትት ቀሪቡ።

አብቲ ብዓል መብዛሕትኦም ካብታ መዳሕንቶም ዝተቐብረትላ ሃገሮም ኤርትራ ህዝቦምን ገዲፎም ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ዝተሰደዱ መንእሰያት ተረኺቦም ነጺ ጽምብል ብባህላዊን ዘመናዊን ደርፊታት ሓባራዊ ናይ ድራር ግብጃን ግብጃን ከምዝጸንበሉዎ ተሓቢሩ። 

ልዕሊ ኩሉ ብመጀመርያ ነቲ ዕቱብ ግብራዊ መልስኺ ካብ መዓሙቕ ልበይ ዝነቐለ ምስጋና ተቐበሊ። ማሕሙድ ሸሪፎ ጥራይ ዘይኮነስ ኣነ’ውን ከም ገዲም ተጋዳላይ ሓወቦኺ ኢየ። ስለዚ ካብቲ መልስኺ ብዙሕ ተማሂረ። ካልኦት ኣንበብቲ እውን ተማሂሮም ኣለዉ። ንስለ ናእዳን ምስጋናን ዘይኮነስ፣ ዝኣምነሉን ኣረጋጊጸ ዝህቦን መልሲ ከም ዝኾነ ከረጋግጸልኪ እፈቱ። ቀጺለ እውን ንትምህርቲ ክኾነና ገለ ካብ ተመክክሮታተይ ከንብር እፈቱ።