Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ሰያትል ሕቡራት መንገስታት ኣመሪካ ከም ወዋፈሪ ንጥፈታት ስርዓት ህግደፍ ዘገልግል ዝነበረ ብኣማኑኤል ዝተባህለ ኤርትራዊ ዝውነን ገዛ፡ ‘ከም ማእከል ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ስለዝተጠርጠረ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን FBI ማለት ወከልቲ ናይቲ ዝለዓለ ፈደራላዊ ጸጥታዊ መርማሪ ሓይሊ ፖሊስ ኣመሪካ ኣብቲ ገዛ ሃንደበት ተረኺቦም ብጽኑዕ ድሕሪ ምፍታሾም ፡ ዘድልዮም ሓበሬታን ጭብጥታትን ኣኪቦም፡ ኣብቲ ገዛ ንዝጸንሓኦም ኮምፒተራት ከምዝወሰዱወን ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

Girmayኣምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣመሪካ ዝነበረ ግርማይ ሳንቲም፡ ብመንግስቲ ኣመሪካ ድሕሪ ምስጓጉ ካብ ዋሺንግተን ዲሲ ክወጽእ ርዑኡ ጠቕሊሉ ተዳልዩ ከምዘሎ  እሙናት ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ከም ናይ ኮምፒተርን ኔትዎርክን ብዓል ሞያ ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ በረኸት ገብረብርሃን ዝተባህለ ክኢላ ንተወሳኺ ስልጠና ናብ እስራኤል ድሕሪ ምኻዱ ነቲ ስርዓት ከም ዝራሕርሖ ደንጕዩ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ።

ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሕንጸጽተባሂሉ ኣብ ኤርትራ ተላቢዑ ዝነበረ ወረ ሓሶት ምዃኑ ኣፈኛ ስርዓት ህግደፍ ዓሊ ዓብዱ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበረኦ ምልልስ ተኣሚኑ።

ኣብ 41 ብጽኑዕ ዝሕለዋ ዝነበራ ኮምፒተራት ተኸዚኑ ዝነበረ ኤለትሮኒካዊ ሰነዳት ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኤርትራ ብ25 ሰነ 2009 ብምሉኡ ተጓሕጕሑ ከምዝተወስደ ምንጭታት ሓቢሮም:: 

MCH

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኩወየት ዝነበረ ማሕሙድ ዑመር ጭሩም ንስርዓት ህግደፍ ብምርሕራሕ ምስ ስድራቤቱ ኣብ ካናዳ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ ከምዘሎ ብቐጥታ ዘዘራረቡዎ ምንጭታት ኣሰና ካብቲ ካናዳ ኣረጋጊጾም።

mesfn

ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ፡ ኣቦ ወንበሩ ዝነበረ መስፍን ሓጎስ ንዘቕረቦ ስልጣን ናይ ምልቃቕ ሕቶ ብምቕባል ንኣቶ ተስፋሚካኤል የውሃንስ ከም ኣቦ ወንበር ሰልፊ ከምዝተከኦ ሎሚ 9 ሚያዝያ 2009 ኣብ ዝለኣኾ ጋዜጣ መግለጺ ሓቢሩ።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዊዓ ኣሲሩዎም ዝነበረ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት መንግስቲ ብሓላፍነት ዝሰርሑ ዝነበሩ ናይ ፖለቲካ እሱራት ብ5 ጥሪ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ናብ ደሴት ዳህላክ ከምዘግዓዞም ኤሪትርያ ዎች ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሊጡ።

ኣብ ሞሎኽሶይቶ ተድኵኑ ዝነበረ መዓስከር ስለያ ሙሉእ ብሙሉእ ተደምሲሱ፥ -ሓይልታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ(ግሃድኤ)

በቲ መሳርሒ ህግደፍ ዝኾነ ሃማደኤ ጨንፈር ኤውሮጳ ተዳሊዩ ኣብ ከተማ ለንደን ኣብ ኣይሪሽ-ሰንተር
ንቐዳም 27 መስከረም 2008 ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ኣኼባ እቲ ንውልቀመላኺ ስርዓት ናይ ምግባርን ምግልጋልን
እኩይ ዕላምኡ ምስቲ ንምዕንባብ ሰላምን ዲሞክራስን ዘአንግድ መትከላት ኣይሪሽ-ሰንተር ስለዘይቃዶ ነቲ ማእከል
ከይጥቀመሉ ፍቓድ ተኸሊኡ።

barhኣባል መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ኣቶ መሓመድ ስዒድ ባርህ ብሕማም ነዊሕ ድሕሪ ምስቓይ ሎሚ 9 ሚያዝያ ኣብ ኣስመራ ከምዝዓረፈ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ኣፍሊጣ።

 

ኣብ ናይጀርያ ሓላፊ ቆንስላዊ ጉዳያት ኤርትራ ኮይኑ ዝዓዪ ዝነበረ ዘርአስላሰ ረድኢ ንውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብምቅዋም ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ 2008 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ።

eri USመንግስቲ ኣመሪካ፡ ከም መርኣያ ናይቲ እናኣንቆልቆለ ዝኸይድ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናኡ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ካሊፎርንያ ዝነበረ ቆንስላዊ ቤትጽሕፈት ኤርትራ ክዕጾ ከምዝኣዘዘ ቢቢሲ ሓቢሩ።

TVኣብ ኤሪ-ቲቪ ኤዲተር ኮይኑ ዝዓዪ ዝነበረ ጆኒ ሕሳቡ ናብ ኢትዮጵያ ከምልጥ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ደሃዩ ጠፊኡ ምህላዉ ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ዝተባህለ ንመሰል ናጽነት  ጋዜጠኛታት ዝጣበቕ ኣህጉራዊ ውድብ ሓቢሩ።