Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ሽወደን ዝመደበሮም ሲቪላዊ ማሕበራትን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ግዱሳት ዜጋታትን ብዝቖመ ሽወደናዊ ኤርትራዊ ሓባራዊ ጽላል ብዝተባህለ ማሕበር  ዕስራ ዓመት ዘቁጸረ መሬታዊ ነጻነት ኤርትራ ነጻነት ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዘሕለፎ ዝጸነሐን ዘሎን 20ዓመታት ናይ ዉርደትን መከራን መዋእል ንምዝካር፡  ከምኡ እዉን ኣቓልቦ ሕዝብን መንግስትን ሽወደንን ብኡ ኣቢልካ እዉን ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ጎድኒ ሕዝቢ ኤርትራ ደዉ ብምባል ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ከዛይዱ ዝጽዉዕ ሰለማዊ ሰልፊ ብምድላዉ ብድሙቕ ኣገባብ ሎሚ 18 ግንቦት ኣማስይኡ ኣብ ኣፍደገ ሃገራዊ ባይቶ ሽወደን ተኻይዱ፡፡

ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ኤርትራዉያን ማሕበረሰብ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ጸቕጡ ከዛይድ ዝጽውዕ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብ ሽወደን ዝመደበሮም ሲቪላዊ ማሕበራትን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ግዱሳት ዜጋታትን ብዝቖመ ሽወደናዊ ኤርትራዊ ሓባራዊ ጽላል ብዝተባህለ ማሕበር  ዕስራ ዓመት ዘቁጸረ መሬታዊ ነጻነት ኤርትራ ነጻነት ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዘሕለፎ ዝጸነሐን

ስርዓት ህግደፍ፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ኢዱ ብምእታው፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ማሕበረኮማት ኤርትራውውያን ዓምቢበን ንኤርትራዊ ማሕበረሰብ ግቡእ ኣገልግሎት ክይህባ ቀንዲ ዕንቅፋት ኮይኑ ከምዘሎ ኣብ ቶሮንቶ (ካናዳ) ዝነብሩ ኤርትራውያን ትማሊ  7 ግንቦት ‘ኤርትራ ብዓይኒ ህዝባ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል መደብ ገምጋም 20 ዓመታት ናጽነት ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዘካየዱዎ ሓባራዊ ዘተ ገሊጾም።

Swedenኣብ ሽወደን ዝነብሩ ኤርትራዉያን ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ሃገሮም ራሕሪሖም ኣብ መገዲ ስደት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጅምላ ንዝጠፍኡ 400 ኤርትራዉያን ሎሚ ኣብ ርእሰ ከተማ ሃገረ ሽወደን ናይ ሽምዓ ምዉላዕ ስነ-ስርዓት ብምድላዉ ንግዳያት ዝኽሪ ጌሮምሎም ኣምስዮም፡፡

ኩሉ ኤርትራዊ ከም ዝዝክሮ 18 መስከረም 2001 ኣብ ሃገርና ኤርትራ መራሒ ጉጅለ ስርዓት ህ ግ ደ ፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ላዕለዎት ሰበስልጣን ናይ መንግስትን ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ወነንትን ኣሳናዳእቲ ናይ ብሕቲ ጋዘጣታትን ተመሃሮ ዩንቨርስትን ኣሲሩ ካባ ዲክታተርነት ዝኣወጀሉ ዕለትዩ;

Dr Bereketዶር በረኸት ሃብተስላሰ ኣብ ለንደን ምስ ዝነብሩ ግዱሳት ኤርትራውያን ተራኺቡ ኣብዚ ዓመት ‘ዚ ኣብ Red Sea Press ዝተሓትመት The Crown and The Pen ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፉ ኣላልዩ። ብዛዕባ ህሉው ፖለቲካዊ ቅልውላው ሃገርናን ኣፈታትሑኡን ‘ውን ምስቶም ኤርትራውያን ዜጋታት ተዛትዩ።

– ሓላፊ ጸጥታ ኤርትራ፡ ኣብርሃ ካሳ፡ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን “ገንዘቦም አምበር ንዓኣቶም ኣይደለናን” ይብል
– ስዉር ኣብያተ ማእሰርቲ ህግደፍ ኣብ ማእከል መንበሪ ኣባይቲ ህዝቢ የስፋሕፍሕ