Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Fenqilኣብ ቀዳማይ ክፋል፡ ሃገርና ብስርዓት ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ካብ ዝተቛረነትሉ ግዜ ጀሚሩ ንዓመታት ዝተዋህለለ ግፍዒ መሊኡ ስለ ዝተደፍአ ብዓወት ስርሒት ፈንቅል ኣብ ምንታይ ደረጃ ከም ዝበጽሐ ዝገልጽ’ዩ።

atlantaኣብ ስደት ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ፡ ን24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብልዑል ሃገራዊ ወንን ናይ ቃልሲ መንፈስን ከምዝጸምበላ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝበጽሑና ጸብጻባት ኣመልኪቶም። ናይ ሎሚ ዘበን ጽምብል ናጽነት ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝፍለየሉ ምኽንያት፡ ነቲ ንህግደፍ ከም ኤርትራ፡ ንመዓልቲ ናጽነት ከኣ ከም ድግስ ህግደፍን ደገፍቱን ጥራይ ዝጽምብል ፈላላዪ ዳሳት ህግደፍ ብምብዳህ፡ ተቓወምቲ ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን ግዱሳት ሃገራውያንን ናይ ገዛእ ርእሶም ዳሳት-ነጻነት ብምትካል ነቲ ብመሪር ተጋድሎ ዝተረኽበ ናጽነት ኤርትራ ብውዕዉዕ መንፈስ ምጽንባሎም እዩ።

ኣብ ወጻኢ ሃገራት እትርከቡ ኤርትራዊያን ዜጋታት፡ ህላዌ ህዝብናን ሃገርናን ኤርትራ፡ ካብ ዝኸፍኤ ናብ ዝባኣሰ
ኩነታት ወዲቁ ይርከብ ከምዘሎ ብሩህ ኮይኑ፡  ኩነታት መነባብሮ ህዝብና ብፍላይ፡ ብቃላት ክትገልጾ ዘይክኣል፡ ኣብ
ታሪኽ መዋእል ኤርትራ ተሰሚዑን ተጌሩን ዘይፈልጥ ወዲቑ ይርከብ ከምዘሎ፡ ንኩሉ ኩነታት  ኤርትራን ህዝባን
ዝከታተል ብሩህ ሓቂ ኢዩ