Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Eritbውልቀመላኺ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ነቲ ኣብ ቱኒዝያን ግብጽን ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት ፈጺሙ ከይቃላሕ ንሚኒስትሪ ዜና ተሪር ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

Hustonእቲ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ሰኑይ ነሓሰ 16፡ 2010 ዓ.ም. ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ ኣፋፌት ህንጻ ናይ ከንቲባ ኣኒስ ፓርከር፡ ዝርከብ ሲቲ ሃል ዝበሃል ቦታ እዩ ነይሩ።

“ንዲሞክራስያዊ ለውጥን መጻእን ኤርትራ ይኹን ዝኾነ ሃገራዊ ጉዳያት ዝምልከት ዋዕላታት፡ ንኤትኒካውን ፖለቲካውን ብዙሕነት ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ግምት ዘእተወ ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ ውጽኢታዊ ክኸውን ዝኽእል” ክብል ሓደ ናይ ፖለቲካ ተዓዛቢ ንመርበብ ሓበሬታ ኣሰና ሓቢሩ።

asterሓብታ ንእስርቲ ኣስቴር ዮውሃንስ (ብዓልቲ ቤቱ ንእሱር ጴጥሮስ ሰለሙን)፡ ወ/ት ሰናይት የውሃንስ ነቶም ኣብ ትሕቲ ኣሰቃቒ ኣብያተ ማእሰርቲ ህግደፍ ዝሳቐዩ ዘለዉ ኤርትራውያን ግዳያት ወኪላ፡ ኣብ ክንዳኦም ድምጺ ንምስማዕ ብልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተወዲቡ ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ቀንዲ ቤትጽሕፈት ኣብ ዝካየድ መኣዲ ዘተ ክትሳተፍ ምዃና ካብ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ዝረኸብናዮ ዜና ይሕብር።