Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Assennaብሰንበት ዕለት 17, 2011 ነበርቲ ከተማ ኣትላንታን ከባቢኣን ነቲ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኣብ ባሕሪ ሊብያ ዘጋጠመ ዘሕዝን ሓደጋ ንምዝካርን ጸሎቶም ንምብጻሕን ተኣኪቦም ኣምስዮም። እቲ መደብ ብግዱሳት ኤርትራውያን መንእሰያት ዝተዳለወ ኮይኑ፣ ክሳብ 300 ዝኸውን ህዝቢ ተሳቲፍዎ። ህዝቢ ዝኽረ ሰማእታት ድሕሪ ምግባሩ፣ ዝተፈላለየ ቃላት ብመራሕቲ ሃይማኖትን ተሳተፍትን ቀሪቡ። ኣብ መደምደምታ ድማ፣ ተሳተፍቲ ናይ ሽምዓ ሰልፊ ብምግባር ንግዳያት ዘኪሮም።

ክቡራት ኤርትራውያን ኣሓተይን የሕዋተይን፣

Lኦንዶሎሚ ምዓልቲ ኣብዚ ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ብዝወረዶም ኣደራዕ ባህጎምን ሕልሞምን ኮሊፎም፣ ካብታ ብዕድመ ንእስነቶም ዓንዲሮም ዘይጸገቡላ ሃገሮም ሃጽ ኢሎም ናብ ደይፈልጥዎ በረኻን ዓድን ንስደት ዝተቓልዑ መሳኪን ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣጋጢምዎም ዘሎ ናይ ሞት ሓደጋ ምኽንያት ብምግባር፣ ነዚ ቀጺለ ዘቕርቦ መደረ ከቕርብ ከለኹ ዓሙቕ ሓዘን ይስምዓኒ።

Boston11 ሚያዝያ፡2011   ኣገዳሲ ጻውዒት ኣኼባ ንኹሉ ኤርትራዊ፡ ምእንቲ ናይ ሕልና ዝኽሪ ኤርትራውያን ግዳያት ድርብ ጃምላዊ ሓደጋ ጥፍኣት

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ!!!

EPDPትማሊ ዓርቢ 31/12/2010 ዓ.ም. ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣዲስ ኣበባ (ኢትዮጽያ) ዝተሳተፍዎ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመትን ዝኽሪ ሓደ ዓመት ምጽንባራዊ ሓድነቱ ብኽብ ዝበለ ድምቀት ኣኽቢሩ ዊዒሉ፡

ሰነ 20 መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ትማሊ ቀዳም ኣብ ከተማ ሊድስ ተዘኪሩ ኣምስዩ። እቲ መደብ ብማሕበረ ኮም ኤርትራ ከተማ ሊድስ ዝተወደበ ኮይኑ ኣዳራሽ ብምክራይ ልዕሊ 300 ዝኾኑ ኤርትራውያን ተቀማጦ ከተማ ሊድስ ብእዋኑ ናብቲ ንመራኸቢ ዝተመደበ ቦታ ብምውሓዝ ሓቢሮም ንሰማእታቶም ብሕልና ዘኪሮም ኣምስዮም። እዚ ኣብ ከተማ ሊድስ ንመበል 4ይ ዓመቱ ተዘኪሩ ዝውዕል ዘሎ ክቡር ዕለት ከምቲ ልሙድ ሽምዓ ብምብራህ ንሕድርን ለበዋን ጀጋኑ ሰማእታት ዘንጸባርቕ መዝሙር ተዘሚሩ መደረታት ብዝተፈላለዩ ወልቀሰባት ድማ ተሰሚዑ። 

asterሓፍትና ኣስቴር ወልዱ ብዕለት 16-03-1964 ካብ ኣቦኣ ግራዝማች ወልዱ ህብትዝግን ኣዲኣ ወ/ሮ ተረዛ ተስፋማርያም ኣብ ከተማ ሰገነይቲ ተወልደት:: 8 የሕዋት ድማ ኣለዉዋ:: ከምቲ ንኹሉ ኤርትራዊ ቤተሰብ ዘጋጠሞ ኸኣ፡ ዝበዝሑ ገሊኦም ንሜዳ ገሊኦም ንስደት ፋሕፋሕ ኢሎም። ከምኡ እውን ናኣሽቱ ኮይኖም ዝተረፉ የሕዋት ነይሮም::

ኣንቱም ሰባት፣ ሰዊት ዕድሜኻ ኣብ በረኻን ስንጭሮን ኣሕሊፍካ፣ ህይወትካ ኣወፊኻ፣ ነጻነት ኣምጺእካስ፣ ኣብ ዝኣተኻዮ ዘይፍለጥ ሽታ ማይ ኮይንካ ሽርብ ክትብል። ሎሚ ይምለሱ ጽባሕ ይምለሱ፣ ኣብ እምባትካላዶ፣ ዒራዒሮዶ፣ ካርሸሊዶ፣ እከለ ተሰዊኡ እከለ ኣሎ እናበልካስ ዓመታት ክሓልፍ።