Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብ27 መስከረም ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣስናን ካልኦት መርበባትን፡ ሕጂውን መሪሕነት (ኪዳን) ሓደራ! ከይትህመሉ፡ ብምስምስ ዕርቂ ብዝብል ኣርእስቲ ዝወጸ ጽሑፍ ኣንቢብናዮ።

ውልቀ መላኺ ኩሉ ናይ ውልቀ ሰባት ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ስለዝኸልከለን፡ እቲ ሕጋዊ ፍቓድ ዘለዎ እውን እንተኾነ፡ ስማዊ ድኣ እምበር ብግቡእ ስለዘይሰርሕን  ናይ መንግስቲ ማሕለኻታት ስለዝበዝሖን፡ 90 ሚእታዊት ንኤርትራ ዝኣቱ እቕሑትን፡ እቲ ዝርካቡ ካብ ኤርትራ ዝወጽእ ሰደድን ኮንትሮባንዳ ኮይኑ ከምዘሎ እቶም ምንጭትት የርድኡ።