Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

YemaneGBስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ወጻኢ ኣብ ዘካይዶ ፕሮፖጋንዳውን ሃሱሳውን ስርሓት መጋበርያ ንክኾኖ YPFDJ ብዝብል መጸውዒ ኣብ ወጻኢ ዝፈጠሮ ናይ መንእሰያት ውዳበ ስለዘይተዓወተሉ፡ እቲ ቀንዲ መልማሊኡ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ማንኪ ከይተረፈ ናይ ቅብጸት ምልክታት የርኢ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

እዚ ተርእዮ እዚ ካብ ኩሉ ኣካላት ህግደፍ እታ ዝደኸመት ህዋሱ እዝኑ ምዃና፡ ነቲ ድሮ እንፈልጦ ሓቂ መሊሱ የረጋግጸልና። መልሓሱ ሕማቕ እናተዛረበ፡ ኢዱ ሕማቕ እናገበረ፡ ኣእጋሩ ናብ ሕማቕ እናኸደ፡ ልቡ ሕማቕ እናሓሰበ፡ እዝኑ ግን ብዛዕብኡ ሕማቕ ክትሰምዕ ኣይትደልን። ሓቂ ከም መርዚ ቆጭቆጭ ‘ያ ተብሎ።