Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Libyaውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሎሚ 17 መጋቢት ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዘጋብኦ ህጹጽ ኣኼባ ፡ ሲቪላዊ ህልቂት ደው ንምባል፡ ኣብ ሊብያ፡ ካብ በረራ ነጻ ዝኾነ ዞባ ክኽለል፡ ከምኡ ‘ውን ኩሉ ኣድላዪ ዘበለ ስጉምቲ ክውሰድ ውሳኔ ኣሕሊፉ።

Rightsስርዓት ህግደፍ ነቲ ንገለ እዋናት ኣዋዲቑዎ ዝጸንሐ 50 ሽሕ ናቕፋ ‘መቕጻዕቲ’ ካብ ኤርትራ ናብ ስደት ዘምለጡ ዜጋታት ብምቕጻል፡ ንወለዲ የሸገርን ይኣስርን ከምዘሎ ካብ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

12 ተወላዶ ሰቲሞን ሌ/ኮሎኔል ዑስማን ኣቡጠዊላ ዝተባህለ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት   ንኡስ ዞባ ተሰነይን ተኣሲሮም።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ቅነሓየላ፡ ዞባ ደቡብ፡ ካብ 55 ክሳብ 70 ኣብ ዝገማገም ክሊ ዕድመ ዝርከቡ 8 ሽማግለ-ዓዲ ከምዝኣሰረ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣማሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ካሕሳይ ገብሪሂወት፡ ብምኽንያት በዓል ፋሲካ ኣብ ዛግር ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጽምብል መደረ እናህበ ከሎ ክወድቕ፡ ኣብ ቴለቪዝን ኤርትራ ላይቭ ተራእዩ።

ኣብ ዓዲ ከፈለት ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዱባርባ፡ ናይ ኣርብዓ ሰባት ሬሳታት ብወ/ሮ ፋንታየ ፡ ብዓልቲ ቤት ነፍስሄር ደጃዝማች ተስፋይ በራኺ ብቡልዶዘር ተፋሒሩ ወጺኡ፡ ኣብቲ እቲ ሬሳታት ተቐቢሩሉ ዝነበረ ቦታ ድማ፡ ናይ ስድራቤተን ጋህሲ ኣስሪሔናሉ ኣለዋ። እቶም ዓዲ ድማ ነቲ ሬሳታት ኣብኡ ዝነበረ ኣብ መሸማዕ መሊኦም ፍታሕ እንተረኸቡ ኢሎም ፎቖዶ ቤት ፍርዲ ኮለል ይብሉ ኣለው። እዚ ጉዳይ ካብ ዝጅመር ክልተ ዓመትን ፈረቓን ኮይኑ’ሎ፡ ስጋዕ ሕጂ ግን ፍታሕ ኣይረኸበን ኣሎ። ምስ’ዚ ጉዳይ ዝተተሓዘ ድማ፡ ሓሙሽተ ደቂ ዓዲ ንሓደ ዓመት ብዘይ ክስን ፍርድን ተኣሲሮም ኣለው።

ካብ ዓድታቶም ብግዴታ ተመዛቢሎም ኣብ ዞባ ጋሽ ናይ ዝሰፈሩ ስድራቤታት ቆልዑ፡ ምቅይያር ክሊማ ብዘስዓቦ ዝተፈላለየ ሕማማት፡ ዓሶን ጥምየትን ተጠቒዖም ብብዝሒ ይሞቱ ከምዘለዉ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ስርዓት ህግደፍ ነዚ ዓድታት ዘብርስ ብታሕቲ ታሕቲ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ውጥን ህዝቢ ብጠለቡ ይትግብሮ ከምዘሎ ንምምሳል ይፍትን ኳ እንተሎ፡ ሰስብሑ መሬት ህዝቢ እናመንዘዐ፡ ህዝቢ ንዘፍረዮ ኣእካል ካብ ቆፎታቱን ብሎኮታት ከተማትትን እናመንዘዐ ብዓቢኡ ድማ ነቶም ከልምዑን ከፍርዩን ጉልበት ዘለዎም መንእሰያት ደቁ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጸሚዱ ስድራቤታት ብምልማስ እዩ ነቲ ህዝቢ ብጥምየትን ድኽነትን ናይ ምንብርካኽን ጽግዕተኛ መንግስቲ ናይ ምግባርን መደብ ተተሓሒዙዎ ጸኒሑ። ስለዚ ጠንቂ ናይዚ ምፍንቓል ‘ዚ ለውጢ ኩነታት ኣየር ዘይኮነ፡ ኣዕናዊ ፖሊሲ ናይቲ ስርዓት እዩ።

ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ መስርዕ ተቓውሞ ጸኒዖም ዘለዉ ጀጋኑ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ነቶም ገንዘብ ዘይከፈልኩም ተባሂሎም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ መንግስቲ ተቐይዶም ዝጸንሑ 618 ወለድን ስድራቤታትን ብሓይሊ ብረት ነጻ ከምዘምጽኡዎም ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።

EDFኣብቲ ብብሪጋደር ጀነራል ተኸለ ክፍላይ /ማንጁስ/ ዝምራሕ ብ ‘ምክትታል ዶባት’ ዝፍለጥ ዕማምን ስርሒታትን ዝካየደሉ ዞባ ጋሽ ባርካ፡ ዓስኪረን ዝርከባ ክልተ ቦጦሎኒታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ በቲ ኣብ ምምሕዳራዊ ዞባአን ዝግበር መንግስታዊ ምብስባስ ህዝብን እገዳ ምንቅስቓስ ንብረትን እኽልን ብምቅዋም፡ “ኣገልግሎትና ሓልዮት ህዝብና እምበር ኣንጻር ህዝብና ኣይኮነን” ብዝብል መንፈስ ነቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተዋህበን ግጉይ መምርሒ ነጺገንኣብ ጎኒ ህዝቢ ደው ከምዝበላ ምንጭታት ሓቢሮም።