Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሰማእታትና ንመዓልቲ ነጻነት መሰረት ምኻኖም ኣብ ልቢ ህዝቦም ሰፊሩ ንሕልና ነፍሲወከፍ ስድራቤታት ዝቕስቅስ ትእምርቲ እዩ፡፡ ስፍሪ ዝፈሰሰ ደም ብኩቢክ ሜተር  ዓቐን ዝተኸስከሰ ኣዕጽምቲ እዉን ጸፍጺፍካ  ብትርብዒት ሜተር ዝስፈር ኣይኮነን። የግዳስ ስፍሪ-ኣልቦ ተባሂሉዩ ዝምዝገብ፡፡ንሕልናኦም ዝሸጡን ኣብ ልዕሊ መቓብሮም ናይ ባቢሎናዉያን ዳንኬራ ዘዘዉትሩን ግና እቲ ዒላ ደምን እቲ ጋህሲ ኣዕጽምትን ነተን ዝዘላ ኣእጋሮምን ዘጣቕዓ ኣእዳዎምን ክሸምም ሃህ ኢሉ ይጽበዮም ምህላዉ ዝተሰቆሮም ኣይመስልን፡፡