Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተመኩሮ ይምሃርካ ዳግማይ ድርዕቶ ከይድርዓካ ከም ዝበሃል፡ ዕውት ሃገራዊ ዋዕላ ካብ ዝመስከረልናን ዘረጋገጸልናን ተማሂርና ክንምህረሉ ንሓዋሩ እንቐስነሉ ባይታ ንምንጻፍ እቲ ክሳዕ ሕጂ ዝነበረ ምዕንቃፍ ዘኽትመሉ ኣብ ኢድና ስለ ዘሎ ካብዚ ዋዕላ ተበጊስና ናበይ ንምብጻሕን እንታይ ንምጥጣሕን መልሲ እንህበሉ ሰዓት ኣኺሉ እዩ፡፡

ብመጀመርያ ተጋዳላይ መሓመድ ስዒድ ባርህ ኣብ ዝሞተሉ መዓልቲ ነቲ መርድእ ተቐላጢፍኩም ምዝርጋሕኩም ምስጋና ይግብኣኩም። የግዳስ ዝወዓለ ይንገርካ እዩ ‘ሞ ከም’ቲ ዝበልኩሞ ወዲባርህ ብሕማም ዘይኮነ ብትእዛዝ ኢሳይያስ እዩ ጠፊኡ።