Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

isaiasፕረዚደንት ኢሳያስ (ፒኢኣ) ካብ ሜዳ ኣትሒዙ ሓሶት ብምድግጋምን ምድንጋርን  ጥራይ ከይኣክል ብሓሶት ሓደ ምስ ሓደ እንዳናቖተ ስልጣኑ ከምዘጣጠሐ፣ በቲ መንካዕ’ባ የሚን’ባ እንዳተባህሉ ዝጠፍኡ ዝነበሩ ውፉያት ተጋደልቲ ከነረጋግጽ ንኽእል። እንተኾነ መብዛሕተኦም ተጋደልትና ኣይስተውዓልዎን።

ኣነ ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ንኽጽሕፍ ዘገደደኒ ምኽንያት፡ ነታ፡ ብዶ/ር ዳኒኤል ረዘነ ተጻሒፋ፡ ኣብ ሬድዮ ድምጺ መሰልና፡ ብመሮን ኢስቲፋኖአስ ዝተነበበት፡ „ዘይጎነጻዊ ኣግባብ ቃልስን መኸተ ኣንጻር ኤርትራዊ ምልክን“፡ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘለት  ጽሕፍቲ፡ ምስ ሰማዕክዋ፡ እቲ ትሕዝቶ ናይዛ ጽሕፍቲ እዚኣ፡ ኣብ ነንሕድሕዱ ዝጋጮን ሓሳባት ምዃኑ ክግንዘብ ምስ ካኣልኩ እዩ።