Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Dawit(ፍጻሜታት ከባቢ) – ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጉዳይ ጋዜጠኛ ኣቶ ዳዊት ኢሳቕ ኣብ መጽሔታት ኖርወይ ዓቢ ቴማ ኮይኑ ቀንዩ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ድማ፤ እቲ ተቓለስቲ ናይ ናጻ ሓሳብ ምግላጽ መሰል ተባሂሉ፣ ብሃገር ኖርወይ ዝምወል፣ ዓመታዊ ሽልማት ክቕበል ስለ ዝተሓርየ እዩ። ገለ ካብተን በቲ ጉዳይ ተገዲሰን ዝጸሓፋ ጋዜጣታት ድማ፣ ”ኣፍተንፖስተን” ዝተባህለት፣ ኣብ ትሕቲ ”ናይ ናጻ ሓሳብ ምግላጽ ሽልማት ንኤርትራዊ”፤ ”ዳግስ-ኣቪሰን” ዝተባህለት ድማ ኣብ ትሕቲ፣” እሱር ጋዜጠኛ ሽልማት ስዒሩ” ዝብል ኣርእስትታት፣ ብስእሊ ናይ ጋዜጠኛ ዳዊትን ስድርኡን ኣሰንየን ብሰፊሕ ጽሒፈን።