Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

piaኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ኣንጻር ገበነኛታት፡ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ኣብ ዳርፉር ብዝፈጸሞ ገበናት ‘ኵናትን ጸረ ሰብኣውነትን ኣብ ፍርዲ ክቐርብ ናይ ማእሰርቲ ፍቓድ ከምዝሃበ ሎሚ 4 መጋቢት 2009 ኣብ ዘ ሄግ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

SLናይ ባይቶ ኣመሪካ (ሰነት) ኮሚተ ወጻኢ ዝምድናታት ጸብጻብ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብኣመሪካን መንግስቲ ሲሪላንካን ከም ‘ግብረሽበራዊ ውድብ’ ዝጥቀስ ‘ታሚል ታይገርስ’ ቀጥታዊ ወተሃደርዊ ሓገዝ ይገብር ከምዝነበረ ከምዘቃለዐ ኤሽያን ትሪቡን ዝተህለ መርበብ ሓበሬታ ይገልጽ።