Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

placeholder

ሕጂ ህዝቢ ኤርትራ ትዕግስቱ ተወዲኡ፣ ጥራይ መድረኽ ዘቓልጥፈሉ ኢዩ ዝደሊ ዘሎ። ብሓቂ እዚ ብዘይካ ክሰርሕ እምበር፣ ሽመት ኣብ ኣእምሮኡ ዘይስቖሮ ህዝቢ ተላዒሉ ስለዘሎ ኣሰናኮም ዝህልዋ ተራ ዓቢ ከምዝኸውን በቲ ‘እተጽግበኒ ቅጫስ ኣብ መቕሎኣ እፈልጣ’ ዝብል ብሂል ሃገርና ክገልጽ እፈቱ። እንተዘይኮይኑ ህዝብና ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝርከብ ንምቅልጣፍ ናይዚ ጨኻኒ ስርዓት፣ ሓንትን ክልተን እምኒ ካብ ምድርባይ ድሕር ከምዘይንብል ብምሉእ ሕልና ከረጋግጽ እፈቱ።

ዮሃና ህዝቢ ኤርትራክቡር ህዝቢ ኤርትራ። ናጽነት ንስኻ ኢኻ ‘ሞ ብነብስኻ ተሓበን ! ርሑስ ኣውድኣመት ይግበረልካ ! ..ዝተቐየረ እንተተቐየረ፡ ርክብካ ምስዞም ጀጋኑ ቀዋሚ እዩ። እምነትካ ኣብኣቶም ጽኑዕ እዩ። ነባሪ ድማ ክኸውን ኣለዎ። ሰብ ጽቡቕ መብጽዓ ስለዝኾኑ ክብሮም ዓቅቦ። መሰረት ክብረትካ እዮም፡ ክዳን ክብረትካ ግን ንስኻ ኢኻ። ንስኻ ተድምቖ፡ ንስኻ ተህስሶ፡ ንስኻ ተሐድሶ።