Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

NDAኣምባሳደር ነበር ኣቶ ኣድሓኖም ገብረማርያምን ኣቶ በሺር እሽሓቕን ኣብ ሽወደን ክገብርዎ ዝጸንሑ ዲፕሎማስያዊ ርክባቶም ኣብ ምድምዳሙ ገጹ ይኸይድ ኣሎ። ኣቐድም ኣቢሉ ክሳብ ካብቲ ኣብ ሽወደን ዝመጽሉ ዕለት 7/10/2008 ክሳብ ዕለት 12/10/2008 ዝነበረ ውጽኢት ስርሓቶም ምስ ወከልቲ ሰልፍታት ሽወደንን መንግስትን፡ ምስ ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ኡፕሳላ ከምኡ’ውን ፍሉይ ርክብ ምስ ወከልትን ኣባላትን ኤርትራውያን ሲቪካዊ ማሕበራት ዝገበርዎ ርክብን መግለጽን ብዛዕባ ኤርትራዊ ደክራስያዊ ኪዳን ዝሕብር ሕጽር ዝበለ ጸብጻባት ተቓሊሑ ከም ዝነበረ ዝዝከር ኢዩ።

ኣምባሳደር ነበር ኣቶ ኣድሓኖም ገብረማርያምን፡ ኣቶ በሺር እሽሓቕን ኣብ ሽወደን ዝገብርዎ ዘለዉ ርክባት ምስ ኤርትራውያንን ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ኣባላት ባይቶ ሽወደንን ይቕጽል ኣሎ።