Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Enough“ካልእ ድኣ እንተ ኣለካ ኣምጽእ እምበር፡ እዚ ሽጣራ እዝስ ቀደም ብገርሁ ኸሎ ህዝቢ፡ ተበሊዕዎ እዩ።” ዝብል ዘረባ፡ ነቲ ንኸታልል ኢሉ ዝብገስ ተቓውሚ እየ ዝብል ባእታ፡ ዘሰምብድ ክኽውን ይኽእል እዩ።

ስርዓት  ህግደፍ ካብ ነዊሕ ክደፍኣሉ ዝጸንሐን  ከም መሳርሒ ክግልገለሉ ዝኸረመን ብጉዳይ ሶማል ተሓላቒ ምምሳልን ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕ ድማ ንኢትዮጵያ ንምህዳድን  ሶማላዉያን ንዉሽጣዊ ጉዳዮም ባዕላቶም ክፈትሑ ኣብ ዘይክእልሉ ኣእትዩ ጎዛዝዩን ነቲ ሓደ ክፋል ብረት ኣዕጢቑ ነቲ ካልእ ብምልማስ ዘይርግእቲ ሶማል ንዘመናት ክርኢ ክፈላሰፍን ንፖለቲካዊ ሃዋህዉ ሃገርና ህጣሙ ከምዘጥፍእ ዝካአሎ ክገብርን ተራእዩ እዩ።