Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

gashኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሓሙስን ዓርብን ዕለት 8ን 9ን ሚያዝያ 2010 ኣብ ሃደምደም ፋንኮን ዝተባህለ ኣብ ጋሽ ባርካ ዝርከብ ቦታታት፡ ኣብ ናይ ወርቂ ምፍሓር ስርሓት ተዋፊሮም ዘለዉ ኤርትራውያን በስገዳድ ንምዕስካሮም ብወተሃደራት ስርዓት ኢሳያስ፡ ብዝተፈጸመ ማሀረምትን ምድፋእን ኣምባጓሮ ተፈጢሩ ካብ ወተሃደራት ስርዓት ኤርትራ ሓደ ወተሃደር ሞይቱ።

ኣማሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ካሕሳይ ገብሪሂወት፡ ብምኽንያት በዓል ፋሲካ ኣብ ዛግር ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጽምብል መደረ እናህበ ከሎ ክወድቕ፡ ኣብ ቴለቪዝን ኤርትራ ላይቭ ተራእዩ።

ካብ ዓድታቶም ብግዴታ ተመዛቢሎም ኣብ ዞባ ጋሽ ናይ ዝሰፈሩ ስድራቤታት ቆልዑ፡ ምቅይያር ክሊማ ብዘስዓቦ ዝተፈላለየ ሕማማት፡ ዓሶን ጥምየትን ተጠቒዖም ብብዝሒ ይሞቱ ከምዘለዉ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ስርዓት ህግደፍ ነዚ ዓድታት ዘብርስ ብታሕቲ ታሕቲ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ውጥን ህዝቢ ብጠለቡ ይትግብሮ ከምዘሎ ንምምሳል ይፍትን ኳ እንተሎ፡ ሰስብሑ መሬት ህዝቢ እናመንዘዐ፡ ህዝቢ ንዘፍረዮ ኣእካል ካብ ቆፎታቱን ብሎኮታት ከተማትትን እናመንዘዐ ብዓቢኡ ድማ ነቶም ከልምዑን ከፍርዩን ጉልበት ዘለዎም መንእሰያት ደቁ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጸሚዱ ስድራቤታት ብምልማስ እዩ ነቲ ህዝቢ ብጥምየትን ድኽነትን ናይ ምንብርካኽን ጽግዕተኛ መንግስቲ ናይ ምግባርን መደብ ተተሓሒዙዎ ጸኒሑ። ስለዚ ጠንቂ ናይዚ ምፍንቓል ‘ዚ ለውጢ ኩነታት ኣየር ዘይኮነ፡ ኣዕናዊ ፖሊሲ ናይቲ ስርዓት እዩ።

EDFኣብቲ ብብሪጋደር ጀነራል ተኸለ ክፍላይ /ማንጁስ/ ዝምራሕ ብ ‘ምክትታል ዶባት’ ዝፍለጥ ዕማምን ስርሒታትን ዝካየደሉ ዞባ ጋሽ ባርካ፡ ዓስኪረን ዝርከባ ክልተ ቦጦሎኒታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ በቲ ኣብ ምምሕዳራዊ ዞባአን ዝግበር መንግስታዊ ምብስባስ ህዝብን እገዳ ምንቅስቓስ ንብረትን እኽልን ብምቅዋም፡ “ኣገልግሎትና ሓልዮት ህዝብና እምበር ኣንጻር ህዝብና ኣይኮነን” ብዝብል መንፈስ ነቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተዋህበን ግጉይ መምርሒ ነጺገንኣብ ጎኒ ህዝቢ ደው ከምዝበላ ምንጭታት ሓቢሮም።