Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ፈረንሳ ዝርከባ ክልተ ዓበይቲ ሰልፍታት፡ ንክልተ ኤርትራውያን ሲቪክ ማሕበራት ብዝገበራልና ዕድመ፡ ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብ ሰዓታት ቕድሚ ቐትርን ድሕሪ ቐትርን ጽቡቕ መንፈስ ናይ ምርድዳእ ዘለዎ ክልትኣዊ ርክባት ተኻይዱ።

ብመጀመርያ ማሕበርና ነቶም  ኣብ ዕለት 8 ወርሒ 4  ዝተገብረ ቁዱስ ሰለማዊ ሰልፍ ንዝታሰቱፉ ልዑል ምሥጋና ነክርብ :: እትምንታይሲ ዑዱማት ናይ ዝተፈላለየ ጸግዕን ኣታሕሳስባን ንጽጋም ብምቅማት  ነዚ  ካብ ሓልዮት ዝተበግሰ  ቢመንእሰያት  ዝተገብረ ዝኮነ ፀጊዕ ዘይሓዘ ሂወት ኣድሕን ዕለታዊ ዕዮም ግዝዊ ሽግሮም ወርቃዊ ግዝኦም  ፖልታካዊ እምነቶም ነቲ ዝተበገስናሉ ዕላማ ዕዉት ንምግባር ዝተሓበበሩ ዓቢ ምስጋና ነቀርብ::

genevaመርበብ ምትሕግጋዝ መንእሰያት ኤርትራውያን ስዊዘርላንድ

ኣብ ጉዕዞ ደሞክራሲያዊ ቃልሲ ኤርትራዉያን ዓመተ 2010 ብዙሓት ወሰንቲ መቐይሮታትን ሓደሽቲ ክስተታት ብምንጽብራቕ  ሓድሽ ምዕራፍ ኣመዝጊባ ዝተዛዘመት ታሪኻዊት ዓመት እያ ኔራ፡

epdpኣብ ዕለት 15 ሕዳር 2010  ዘውጻእናዮ ጋዜጣዊ መግለጺ እቶም ኣብ ውሽጢ ኮይና  ተቓውሞና ከነስምዕ  ዝጸናሕና ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለን ማእከላይ ባይቶን ሰ.ደ.ህ.ኤ ብትኹል ይኹን ብጋድም ከምዝተሰንጠቐ ገሊጽና ነይርና።

EPDPሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ብሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስን ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራን ካብ 29 ክሳብ 31ታሕሳስ 2009 ዓ.ም.ፈ ኣብ ፍራንክፈርት ዝተካየደ ናይ ምጽንባር ዋዕላ ዝተመስረተ ሰልፊ ምዃኑ ዝዝከር ኢዩ።

ብፈጻሚት ሽማግለ ሰ.ደ.ህ.ኤ ዝተወስደ ናይ “ኤ.ህ.ም” ምስጓግ ስጉምቲ ዝምልከት ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ  መስከረምነት ኣብ ዓንሰባ ኮምን ኣብ  ሓርነት ኦርግን ተዘርጊሑ ኣንቢብና።ትሕዝቶ ውሳኔን ባህሪ ናይቲ ዝወሰኖ ኣካልን ንግንዛበ ኣንባቢ ንገድፎ።

 ሃገራዊ  መትከላዊ  ሰልፊ  ኤርትራ: ኣብ  ዉሽጢ  ሓደ ዓመት  ኣካላቱ  ሰሪዑምስ  ኩሎም ኣብ ዉሽጢ ኤርትራን ኣብ ደገን ዘለዉ ዲሞክራስያዉያን  ኣካላት  ተወሃሂዱ ክሰርሕ  ወሲኑ፡፡

ብስሙራት ዜጋታት ንሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ፣ (Citizens United For Human Rights in Eritrea) ዝልለ ሲቪካዊ ማሕበርና ተመስሪቱ ምንቅስቓሱ ካብ ዝጅምር እንሆ ድሮ ካልአይ ዓመቱ አሕሊፉ።

ለውጢ ተበግሶ ብምውስ ድኣምበር፡ ብሰናይ ድሌት ጥራይ ክረጋገጽ ዝኽእል መስርሕ ኣይኮነን። ሓልዮት ህዝቢ ዝሕመረቱ፡ ስቅያትን ሓሳረ መከራን ወገኑ ዘሕመሞን ድቃስ ዝኸልኦን መንእሰይ፡  ብዕስራ ሰነ 2009 ኣብ ዋሸንግቶን ዲሲ ዝተገብረ ስላማዊ ሰልፊን ሲምፖዝዮምን ፈላሚ ኣኼብኡ ዘስላሰለ ምጥርናፍ መንእስያት፡ ንዝሓለፉ ሸዱሽተ ኣዋርሕ ብግዝያዊ መሪሕነትን፡ ብስም ዓለም-ለካዊ ምንቅስቃስ  መንእሰያት ኤርትር ንጥፈታቱ ከኻይድን ፡ ሓያሎ ሰርሓት  ክዓምም  ከምዝጸንሐ  ኩላትና  ንፍልጦ ሓቂ እዩ።  ማሕበርና ኣብ ፈላሚ ርክባቱ  ብዝወሰኖ መሰረት ካብ ዕለት 15 ጥሪ ክሳብ 17 ጥሪ 2010 “ጥርኑፍ መንእሰይ ተስፋ  ብሩህ መጻኢ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ንሰለስተ ምዓልታት ኣብ ከተማ ኣትላንታ ጆርጅያ ግባኤኡ ኣካይዱ።

ብዕለት 11.10.2009 ኣብ ከተማ ካርልስሩሀ ኣኼባ ኣካየድቲ ሽማግለታት ናይተን ኣባላት መርበብ በርገሳውያን ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳ ዝዀና ኤርትራዊያን በርገሳውያን ማሕበራት ኣብ ሃገር ጀርመን ተኻይዱ።

  ኤርትራ – ጭቆና፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፈጥር

ዑቕባ ንዝሓተቱ ኤርትራውያን ዘእንግዳ ሃገራት፡ ናብ ኤርትራ ክመልስኦም ኣይግባእን። 

ጋዜጣዊ መግለጺ Human Rights Watch ብዛዕባ ግህሰት መሰላት መንግስቲ ኤርትራ ለንዶን 16 ሚያዝያ 2009 – PDF

ለንደን፡ 16 ሚያዝያ 2009 – መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ዝፍጽሞ ዘሎ ናይ ሃውሪ ማእሰርትን ስቅያትን፡ ከምኡ' ውን ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ካብ ጽንኩር ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ሓሊፉ፡ ንብዙሓት ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ሃገሮም ራሕሪሖም ንኽስደዱ፡ ይገብር ከምዘሎ ህዩማን ራይትስ ዎች በዚ ሎሚ መዓልቲ ዘውጽኦ ጸብጻቡ ገሊጹ።

 

ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞ ዘሎ ደረት ዘይብሉ ሕሱም ግፍዒ ምስቲ ኣብ ሃገርና ጽተፈጸመ ተኸታታሊ መግዛእታዊ ገበን ክወዳደር ከሎ ፍጹም መዘና የብሉን። ነዚ ምልካዊ ምሕደራ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ዝበሃል ኣምር ትርጉም የብሉን።

ሃገርና ኤርትራ  ኣብዚ ዉሽጢ  ዓሰርተ ሸዉዓተ ዓመታት ዘስካሕክሕ ፋሽሽታዊ ምሕደራ ህግደፍ: ኣብ ኩሉ ኣካላት ሕብረተሰብና ዝወረደን ገና እዉን ዝወርድ ዘሎ መጠን ዘይብሉ በደላትን  ጭቆናን ጸብጺብካ ዝዉዳእ ኣይኮነን:: ነዚ ሕጂ ብሰንኪ ስርዓት ኢሰይያስ ኣፍወርቅን ሰዓብቱን: ሃገርናን ህዝብናን ካብ ደገን  ዉሽጥን ኣብ ዝኾነ እዋን ክነቱግ ብዝኽእል ሓደጋ  ክንቃላዕ ገሩና ዘሎ ስርዓት: ብኣጋኡ ምስዘስተባህሉሉ ኤርትራዉያን ባእታትን ሓይልታትን ቅልጡፍ ግብረ-መልሲ ብማሃብ ንለዉጥን ፍትሕን ደው ኣብ ምባል ስለዝደንጎና ምኻኑ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ኣብ ቅድሚ እዛ ሎሚ ማሃነና ጠፊእዋ ንኩሉ ዓይነት ሓደጋታት ተሳጢሓ ዘላ ሃገረ ኤርትራ ምስ ሕልንኡ ሙጉት ክገጥም ግቡእ እዩ::

ዕለት 16.11.2008 ኣብ ከተማ ካርልስሩሀ ናይተን ኣባላት መርበብ ኤርትራውያን በርገሳውያን ማሕበራት ኣብ ኤዉሮጳ ዝዀና ኣብ ሃገር ጀርመን ዝንቀሳቐሳ ማሕበራት ኣኼባ ተኻይዱ።

ዲሞክራውያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ’ (RSADO) ኣካል ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን እዩ። ስለዚ ድማ ንሕና፡ ንኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ነተን ሓቝፉወን ዘሎ ኣባላት ውድባትን ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ፡ ኣብቲ ድሮ ተሃዊኹ ዘሎ ዞባ ብቐሊሉ ካብ ምቍጽጻር ወጻኢ ክኸውን ዝኽእል ጎነጽ ክቝጠቡ ንጽውዕ።

ሻድሻይ ጉባኤ መርበብ ሲቪካውያን ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳ ካብ ዕለት 18 ክሳብ 20 04/ 2008 ኣብ
ዝነበረ ኣዋን እብ ከተማ ቱቢንገን ሃገር ጀርመን ተኻይዱ። ኣብቲ ጉባኤ ወከልቲ ናይተን ኣብ ሸሞንተ ሃገራት
ኤውሮጳ ዝመደበረን ኣባላት መርበብ ዝዀና 10 በርገሳውያን ማሕበራት ተሳቲፎም።

EDP logoኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ፡ ከም ፍልስፍና ሰልፎም፡ ጸገማት ክፍጠር ባህርያዊ ምኻኑ እንዳዘከሩ፡ ካብ ተዛቲኻን ተጸዋዊርካን፡ ንጸገማት ሰልፊ ፍታሕ ምርካብ ካልእ ኣማራጺ ክህሉ ከምዘየብሉ ኣብ መልእኽቶም ኣረጋጊጾም፡፡