Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህግደፍ፡ ሃይማኖታዊ እምነቶም ምኽሓድ ንዝኣበዩ ሰለስተ ኣመንቲ ክርስትና ግዳይ ሞት ከምዝገበሮም፡ Christian Today ዝበሃል ማዕከን ሓበሬታ፡ International Christian Concern (ICC) ንዘቕረቦ ጸብጻብ ብምውካስ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና ኣፍሊጡ።

 ሃገርና ብደረጃ ዓለም ከይተረፈ ስምን ኣድናቖትን ዘትረፉ ብዙሓት ምሁራንን ለባማትን ኣለዉዋ። እንተኾነ፡ ምሁርን ለባምን ዝጽይኑ በሃማት ‘ውን ስለዘለዉዋ፡ እሞ ድማ ንግዚኡ ሰብ ጠበንጃ ኮይኖም ላዕለዋይ ኢድ ስለዝሓዙ፡ እቶም ፍቕርን ድሌትን ሃገር ዘለዎም ሰብ ብርዕን ሓንጎልን ደቂ ሃገር ንዓዶም ክገብሩላ ዕድል ኣይረኸቡን።