Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

UN Securityብመሰረት ናይቲ መጽናዕታዊ ጸብጻብ፡ ኤርትራ ኣብ ሶማሊያ ንእትገብሮ ምትእትታውን ምግሃስ ን፡ እንዳተጋህደ ኣብዝመጸሉ እዋን፡ ኤርትራ፡ ኮነ ኢላ ንእትገብሮ ምጥሓስ ሕጊ ንኽትሽፍን ንማሕበረሰብ ዓለም ብተደጋጋሚ ከተደናግርን ጉጉይ ሓበሬታ ኣብምሃብን፡ ተደጋጋሚ ፈተነታት ከምዝገበረት ይጠቅስ።

UNSCኣብቲ ዝሓለፈ ዝተተርጎመ ጽሑፍ ናይቲ ብ ሞኒተሪን’ ግሩፕ ዝፍለጥ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ንምግሃስ ነቲ ብ 751 /1992 ዝፍለጥ ወታሃደራዊ እገዳ (Arms Embargo)  ኣብ ሶማሊያ፡ ዝከታተል ናይ መጽናዕቲ ጉጅለ ዝወጸ ጸብጻብ፡ ኮለኔል ዩሱፍ ነጋሽ ወርቀ፡ ብፍልይቲ ነፋሪ ኣብ መቓድሾ ከምዝወረደን፡ ምስ ዝተፈላለዩ ኣኽረርቲ ጥሩፋት እስላማዊ ጉጅለታት ኣኼባታት ድሕሪ ምግባሩ፡ ብተዮታ ፒክ ኣፕ በርባዕተ ቦዲጋርድታት (Technicals) ተዓጂቡ ናብ ማሪር ጉር ዝተባህለ ቦታ፡ ምስ ሸኽ ሓስሰን መሓመድ ዳህር ኣወይስ ኣኼባ ክገብር ከምዝተበገሰ ርኢና ኔርና።

Un Monitoring Groupእዚ ጽሑፍ’ዚ ካብቲ ብ “Monitoring group and the Panel of Experts” ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ መጽናዕቲ ጉጅለ; ንምግሃስ ውሳኔ ባይቶ ጽጥታ ኣብ ልዕሊ ሶማሊያ፡ ነቲ ብቁጽሪ 751/1992 ዝፍለጥ ውሳኔ ዝከታተል ብባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ናይ መጽናዕቲ ጉጅለ፡ ወግዓዊ ዝገበሮ ጭብጥታት ምትእትታው ኤርትራ ኣብ ሶማሊያ መሰረት ዝገበር’ዩ ። ኣቕዲመ ግን ንዶ/ር ዳኒኤል ረዘነ ነቲ ዝገበሮ ጻዕሪ፡ ነዚ ሕጋዊ መርቶዖታት ናይ ባይቶ ጸጥታ ናብ ኣንበብቲ ስለ ዘብቀዖ ከየመስገንክዎ ክሓልፍ ኣይደልን። ካብዚ ቀጺለ እንበኣር ናብ ጽሑፈይ ክኣቱ።

ህዝቢ ኤርትራ ንነዊሕ ዓመታት መሪር ቃልሲ አሕሊፉ ደም ምሩጻት ደቁ ከፊሉ ኢዩ ነጻነቱ ዘውሐሰ፤ ህዝብና ቐሲኑ አብ ትሕቲ ግዝአት ሃገራዊ ቅዋም ብሕግን ፍትሕን ተመሐዲሩ ብሰላም ክነብር፤ ሃገርና ድማ ምስ ጎረባብታን ካልኦት አብ ርሑቅ ክፍሊ ዓለምና ዝርከባ ሃገራት መሰረታዊ ክልተአዊ ዝምድናታት መስሪታ ብቐሰታ ናብ መገዲ ምዕባለ ንኽትምርሽ ኢዩ፡፡

ሰደት ወዲ ሰብ ጥራይ ዘይኮነስ እንስሳ’ውን ከይተረፈ ብዘይ ወለንትኡ ዝገብሮ ጉዕዞ ሂወት ኢዩ። እዚ ማለት ነቲ መሰረትካን ምበቆልካን ዝዓበኻሉን ከባቢ ራሕሪሕካ፡ ብዝይ ፍቶትካ ተገዲድካ ትኣትዎ ድኣምበር ምርጫ ኣይኮነንን። መጽናዕታዊ ጽሑፋት ሰነ ሰብ ከምዝሕብርዎ ጠንቂ ሰደት ደቂ ኣዳም ኣብ ክልተ ዓበይቲ ምክንያታት ከፊሎም ይርእይዎ።

ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኦደድ በን-ሃይም “ኤርትራ ንመስርሕ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ ከተበርዕን ትፍትን፡ ዑቕባ ግብረሽበራውያን ጉጅለታት ኮይና ‘ውን ትርከብ ‘ላ” ብምባል ከምዝኸሰሰ፡ World War 4 Report ዝተባህለ መርበብ ሓቢሩ።

ደንደን

ካፕተን ናይታ ብ23 ሰነ ኣብ ህንዲ ገምገም ባሕሪ ወደብ ማንጋሎር ዝጠሓለት መርከብ “ደንደን “ ጠንቂ ምጥሓል ናይታ ህይወት ክልተ ባሕረኛታት ዝለከመት ብኮርፖሮሽን ቀይሕባሕሪ (ህግደፍ) እትውነን መርከብ፡ “ናይ ኢንጂነር ጉድለት ምዃኑ” ከምዝጠቐሰ፡ መርበብ ሓበሬታ ‘ማንጋሎርያን’ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።