Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

isaias and qatarስርዓት ህግደፍ ሎሚ “እዚ ሰማይ ምድርን ዘላግብ ሓሶት እዩ፡ ኣይወዓልኩዎን ኣይገበርኩዎን” ብምባል፡ ግዳይ ዓለምለኻዊ ውዲትን ቅጹዕ ኣመሪካን መሲሉ፡ ናይ ሓምሳታት ታሪኽ ብምግንጻል ከይተረፈ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ህዝቢ ከሰልፈሉ ንዝጸንሐ ክሲ፡ ኣብ ትሕቲ ጣውላ ተሓቢኡ ክእመነሉ ንምርኣይ ሳልስቲ ምቕናይ ጥራይ እዩ ዘድልየካ።

ስርዓት ግህደፍ ኣብቲ ንኣህጉራዊ ኩባንያታት ዕደና ጽባሕ ጽባሕ ዝዕድሎ ዘሎ መሰል ዳህሳስን ዕደናን ወርቂ ዘጠቓለለ ጸጋታት፡ ናይ ኤርትራ ብጽሒት 10 ሚእታዊት ጥራይ ምዃኑ ካብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብዝረኸብናዮ ሓበሬታ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ብዘይካ ‘ቲ ካብ 23 ግንቦት 2007 ኣትሕዝና ንኽልተ ዓመት ዘካየድናዮ ኣገልግሎት መርበብ ኢንተርነት፡ እታ ኣብ ታሕሳስ 2008 ብ ፈነወ ኢንተርነት ኣገልግሎታ ዝጀመረት ድምጺ ኣሰና፡ ብ 16 ለካቲት 2009 ቀጥታዊ ፈነወ ሳትላይት ናብ ኤርትራ ካብ እትጅምር ንኽልተ ወርሕን ክልተ ሰሙንን ፕሮግራማት ፈንያ ‘ላ። ቅዳሕ ናይቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተኸታተሎ ነናይ ፍርቂ ሰዓት መደባት ከኣ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝብና ‘ውን ብኢንተርነት (online radio) ከምዝስዕቦ ተገይሩ።

ኣብ`ዚ ዝሓለፈ ቅንያት ሳላ ተባዓትን ህርኩቱታን ኤርትራውያን ዜጋታት ዘካይድዎ ዘሎው ዘይሕለል ጻዕርታት ህሉው ኩነታት ሃገርና ይሕቡሩና ኩነታት ዜጋታት ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዘጋጥሞም ዘሎ ኣደራዕ ይሕቡሩና

ዝቐደመን ዝደሓረን ጉዳይ ዶብ፣ ብሰላማዊ መንገዲ ጥራይ ክፍታሕ ንጽዉዕ፣ –  ብማሕበር ኤርትራውያን ንሰላምን ደሞክራስን ኣብ ስዊስ