Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

UN Securityብመሰረት ናይቲ መጽናዕታዊ ጸብጻብ፡ ኤርትራ ኣብ ሶማሊያ ንእትገብሮ ምትእትታውን ምግሃስ ን፡ እንዳተጋህደ ኣብዝመጸሉ እዋን፡ ኤርትራ፡ ኮነ ኢላ ንእትገብሮ ምጥሓስ ሕጊ ንኽትሽፍን ንማሕበረሰብ ዓለም ብተደጋጋሚ ከተደናግርን ጉጉይ ሓበሬታ ኣብምሃብን፡ ተደጋጋሚ ፈተነታት ከምዝገበረት ይጠቅስ።

UNSCኣብቲ ዝሓለፈ ዝተተርጎመ ጽሑፍ ናይቲ ብ ሞኒተሪን’ ግሩፕ ዝፍለጥ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ንምግሃስ ነቲ ብ 751 /1992 ዝፍለጥ ወታሃደራዊ እገዳ (Arms Embargo)  ኣብ ሶማሊያ፡ ዝከታተል ናይ መጽናዕቲ ጉጅለ ዝወጸ ጸብጻብ፡ ኮለኔል ዩሱፍ ነጋሽ ወርቀ፡ ብፍልይቲ ነፋሪ ኣብ መቓድሾ ከምዝወረደን፡ ምስ ዝተፈላለዩ ኣኽረርቲ ጥሩፋት እስላማዊ ጉጅለታት ኣኼባታት ድሕሪ ምግባሩ፡ ብተዮታ ፒክ ኣፕ በርባዕተ ቦዲጋርድታት (Technicals) ተዓጂቡ ናብ ማሪር ጉር ዝተባህለ ቦታ፡ ምስ ሸኽ ሓስሰን መሓመድ ዳህር ኣወይስ ኣኼባ ክገብር ከምዝተበገሰ ርኢና ኔርና።