Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሎሚ 23 ታሕሳስ ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ፡ ነቶም ንግዝያዊ መንግስቲ ሶማል ንምውዳቕ ዝንቀሳቐሱ ፡ ብሃገራት ምዕራብ “ጥሩፍ እስላማዊ ስነሓሳብ ኣለዎ” ተባሂሉ ዝእመነሉ ኣሸባብ ዝርከቦም ዕጡቓት ሶማላውያን ተቓውምቲ ጉጅለታት ‘ተዕጥቕን ትድግፍን ኣላ’ ብዝብል ክሲ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፡ ናይ ኣጽዋር መሸጣ፡ እገዳ መገሻ ላዕለዎት መራሕቲ ስርዓት ህግደፍን ሰራዊትን፡ ከምኡ ‘ውን ምድስካል ንብረቶምን ገንዘቦምን ዘጠቓለለ ጽኑዕ እገዳ ወሲኑ።

Cafe

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ካብቲ ብጥምየትን ድኽነትን ዝልሎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ሸማጢጡ ካብ ዘዋህለሎ ቢልዮናት ዶላራት፡ ብኸፊል፡ ኣብ ቻይና ካብ ዝርከብ ብስሙን ስም ወዱን ዝንቀሳቐስ ናይ ባንክ ሕሳብ፡ 276 ሚልዮን ዶላር ከምዘመሓላለፈ ዘቃልዕ ሰነድ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ድሕሪ ምዝርግሑ ኣብ ምሉእ ኤርትራ ዝርከባ ኢንተርነት ካፈታት፡ በቲ መጋበርያ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ክኸውን ዝተመልመለ ፍሉይ ኣሃዱታት ጽኑዕ ምቍጽጻር ይገብረለን ከምዘሎ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።