Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን፣
Elsaሎሚ ብምኽንያት ሸሞንተ መጋቢት ኣህጉራዊ ምዓልቲ ደቀንስትዮ ኣብ መንጎኹም ተረኺበ ካብቲ ብዙሕ መዳርግቲ ዘይብሉ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሽኡን ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮና ብፍላይ  ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን ኣደራዕን ንኽዛረብ ዕድል ብምርካበይ ዝስምዓኒ ሓጎስ ወሰን የብሉን።

Swedenብምኽንያት 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ- ኣንስትዮ፣  ኤርትራውያን ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ንውሕደት ኣብ ሽወደን፡  ምስ ስዊድናዊ-ኤርትራዊ ሕብረት ንዲሞክራስያዊ ምዕባለ፣ ንቀዳም ዕለት 6 መጋቢት 2010፡ ኣገዳሲ ሰሚናርን፡ ባህላዊ ምሸትን ኣዳልዩልኩም  ሰለዘሎ፡ ኣብዚ ታሪኻዊ ምሸት ንኽትሳተፉ ብኽብሪ ይዕድመኩም ኣሎ።

ኣብ ከተማ ከለን ዝርከብ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ከለንን ከባቢኣን፡ መበል 17 ዓመት ናጽነት ሃገርና ንምጽንባል ድሙቕ ባህላዊ ሳዕስዒትን ጸወታን ኣዳልዩ ንኩሉ ግዱስ ኤርትራዊ ብኽብሪ ይዕድም።