Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ገብረኣብ ትኳቦ፡ ካሕሳይ በኺት፡ ፍረወይኒ ከምኡ ‘ውን ሃብተገርግሽ ዝብሃል ኣብ ኡጋንዳ መሻርኽቲ ንብረት ህግደፍ ዝኾነ ግለሰብ ዘቖሙዋ መጋበርያ ስርዓት ህግደፍ ዝኾነት ጉጅለ፡ ትማሊ ሰንበት 24 ጥሪ፡ ኣብ ቅድስተማርያም ስቶክሆልም (ሽወደን) ፖለቲካ ህግደፍ ክትነዝሕ ‘ኳ እንተፈተንት፡ ብሳላ ተባዕ ተቓውሞ ኤርትራውያን ፕሮፖጋንዳዊ መደባ ከምዝፈሸለ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

ገብረኣብ ትኳቦ፡ ካሕሳይ በኺት፡ ፍረወይኒ ከምኡ ‘ውን ሃብተገርግሽ ዝብሃል ኣብ ኡጋንዳ መሻርኽቲ ንብረት ህግደፍ ዝኾነ ግለሰብ ዘቖሙዋ መጋበርያ ስርዓት ህግደፍ ዝኾነት ጉጅለ፡ ትማሊ ሰንበት 24 ጥሪ፡ ኣብ ቅድስተማርያም ስቶክሆልም (ሽወደን) ፖለቲካ ህግደፍ ክትነዝሕ ‘ኳ እንተፈተንት፡ ብሳላ ተባዕ ተቓውሞ ኤርትራውያን ፕሮፖጋንዳዊ መደባ ከምዝፈሸለ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብ13 ነሓሰ 2009 ኣብ ማይ-ኣጣል ብተጋዳላይ ዳኒኤል ሃብተ ይሕደጎ ናይ ቅትለት ፈተነ ካብ ዝካየደሉ ንደሓር ፍጹም ከምዘይተራእየ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

 

(ስእሊ፡ ሓላፊ ሓለዋ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኮለኔል ተስፋልደት – ካብ ርሑቕ ዝተሳእለ – ስእሊ ንዝለኣኸልና ምንጪ ነመስግን)

ስርዓት ህግደፍ ምስቲ ብሓሙስ ዕለት 13 ነሓሰ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ማይ-ኣጣል ዝተኻየደ ናይ ቅትለት ፈተነ ብዝተኣሳሰረ ምኽንያት ሰለስተ ኣባላት ፖሊስ ከምዝኣሰረ ኣብ ፓሪስ ዝመደበራ ድምጺ-ኢሬና ንምንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ።

ጀጋኑ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ትማሊ ሓሙስ 13 ነሓሰ 2009 ልክዕ ሰዓት 16፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከባቢ ማይ ኣጣል ጋሕተላይ ብቀጭ ሕርሙ ዝዓይነቱ ብረት ኣብ ልዕሊ ጸይቀ ዕሉል ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ከቢድ ፈተነ ቅትለት ኣካይዶም፡ እቲ ፕረሲደንት ንስክላ ክድሕን ከሎ ተሰቂሉዋ ዝነበረ መኪና ብጠያይቲ ከምዝተሃሞኸት ምንጭታት ኣሰና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

atlantaውራያትን ጽምብላትን ህግደፍ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ዘይሓቍፍ፡ ፈላላዪ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ብምጥርናፍ ሃገራውነት ኤርትራውያን ንምዕዛዝ ዝዓለመ ሰፊሕ ብዓል ንዝወደቡ ተባዓት ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣትላንታ ጆርጅያ፡ እቲ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ጽምብል ናጽነት ከይካየድ ኣብ ቀጻሊ ዘመተ ዝርከብ ስርዓት ህግደፍ ንዘቕረበሎም ካልኣይ ኣውያት ኵነኔን ትእዛዝን ነጺጎም ሃገራዊ ብዓሎም ብውዕዉዕ ሃገራዊ መንፈስ ንምጽንባል ምድላዋቶም ኣብ ምቕጻል ከምዝርከቡ ካብቲ ቦታ ምስናይ መረጋገጺኡ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

piaስነስርዓት ቀብሪ ናይቶም ንፕረዚደንት ኢሳይያስ እናዓጀቡ ኸለዉ ኣብ ጋሽ ባርካ ዝሞቱ ኣርባዕተ ሓለዋ፡ ‘ቦዲጋርድስ’ ትማሊ ቀዳም 7 መጋቢት ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ተፈጺሙ።

cabineባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝሓለፈ ራብዕቲ (14 ጥሪ 2009) ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ካብቲ ምስ ጅቡቲ ዘከራኽር ቦታታት ክትወጽእ ተሪር መጠንቀቕታ ብምሃቡ ዝተሻቐለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣስመራን ባጽዕን ዘይወግዓዊ መንበሪ ይቐያይር ከም ዘሎ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

Filiposብሓለዋ ተዓጂቡ ካብ ኣስመራ ናብ ባጽዕ ገጹ ዘምርሕ ዝነበረ ሜጀር ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ ካብ ከተማ ነፋሲት 7 ኪሎ ሜተር ሪሒቑ ኣብ ዝርከብ ጎቦታት ኣድቢዮም ብዝጸንሑ መንነቶም ዘይተፈልጡ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ኤርትራ ጸፍዮም ዘለዉ ሓይልታት ተቓውሞ ናይ ድብያ መጥቃዕቲ ከምዝተኻየደሉ፡ እንተኾነ ካብ’ቲ ዝተተኮሰሉ ኣድራጋ ጠያይቲ ንስክላ ከም ዘምለጠ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

Siመንግስቲ ኤርትራ ምስቲ ብ13 ጥቅምቲ ንኮለኔል ስምኦን ገብረድንል ንምቕታል ዝተኻየደ ፈተነ ቅትለት ብዝተኣሳሰረ ምኽንያት ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ሰባት ከምዝኣሰረ ምእማኑ ሮይተርስ ካብ ኣሰመራ ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ ሓቢሩ።