Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Dictatorsኣብ ጀኔቫ ስዊዘርላንድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣብያተ ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምኡ ‘ውን ኣብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝርከብ ፊት ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍን ብዓይነቱ፡ ተሳታፍነቱን ናይ ተቓውሞ መንፈሱን ፍሉይ ዝኾነ ንውድቀት ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዝጽውዕ ውዕዉዕ ዘላማዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ።

ብመሰረት ማርክሳዊ ፍልስፍና መንግስቲ ክብሃል ከሎ ሃደ ደርቢ ንኻልእ ደርቢዝምዝምዘሉ ወይ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ዘእትወሉ መሳርሒ’ዩ። እዚ ትርጕም’ዚ ብፍላይ ኣብ ስሳታት ብዅላቶም ገስገስቲ ኢና ዝብሉ ወይ ንዓታቶም ዝስዕቡ መንእሰያትን ከም ቃል ኣምላኽ ዝውሰድ ዝነበረ’ዩ።

Libyaግዱሳት ኤርትራውያን ካናዳውያን ምስ ኣባል ባይቶ ሰልፊ ሊበራል ሚስተር ጀራርድ ከነዲ ብ29 መጋቢት ብምርኻብ ንኩነታት ኤርትራን ኤርትራውያን ስደተኛታትን ዝምልከት ሰፊሕ ዘተ ኣካይዶም።

EDFብ 4 መጋቢት 2010 ኣብ ከባቢ ሳዋ ኣብ ዝርከብ መዓስከር፡ ኣዘዝቲ በራጊድ ናይቲ ብሓለዋ ፕረዚደንት ዝፍለጥ ፍሉይ ኣሃዱ፡ ብዛዕባ ‘ቲ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ተወሲኑ ዘሎ እገዳ ኣብ ዘካየዱዎ ኣኼባ ተሪር ተቛውሞ ንዘቕረቡሎም 11 ኣባላት ብ9 መጋቢት ከምዝኣሰሩዎም ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

ንዝወረደካ መከራን መዓትን ግና ወይ ኣሜን ኢልካ ተቐቢልካ ምርማስ፤ ወይ አምብለይ! ኣይፋል ንጨቆና ፤ኣይፋል ንውርደት፤ኣነ ሰብየ ከም ከብቲ ኣይሕረድን ኢልካ በብዘለኻዮን በብትኽእሎን ምምካት ኣማራጺ ዘይብሉኣገባብ ዩ።

ተኣምራትዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባን-ኪ ሙን (Ban Ki-moon ) ንኤርትራዊ ተኣምራት ሳሙኤል ከም ምኽትል ፍሉይ ልኡኹ ኣብ ኔፓል ( Deputy Special Representative for Nepal)  ከምኡ ‘ውን ምኽትል ሓላፊ ተልእኾ ውድብ ሕብራት ኣብ ኔፓል (Deputy Head of the United Nations Mission in Nepal )  ከምዝመዘዞ ሎሚ 20 ሰነ ካብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኒው-ዮርክ፡ ዝተዘርግሐ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።