Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እቲ ብስም መንእሰያት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝፍለጥ ማሕበር ናይ መበል ሻብዓይ ዓመት ጉባኤኡ ንሚያዝያ 2011 ኣብ ኖርወይ ንኽገብር እሻባሸብ ከም ዘሎ፡ ርጉጽ ሓበሬታ ዘለዎም ምንጭታትና ሓቢሮም ከም ዝነበሩ፡ ብዕለት 22.12.11 ኣብ መርበብ ሓበሬታታት፡ ዜና ዘርጊሕና ምንባርና ዝዝከር`ዩ፡፡

እቲ ብስም ማሕበር መንእሰያት ዝፍለጥ http://www.ypfdj.com/ ናይ መበል ሻብዓይ ዓመት ጉባኤኡ ንሚያዝያ 2011 ኣብ ኖርወይ ንኽገብር እሻባሸብ ከም ዘሎ፡ ርጉጽ ሓበሬታ ዘለዎም ምንጭታትና ሓቢሮም፡፡

ካልእይ መወዳእታ ክፋል

መንግስቲ ፈልስጢን ኣየድልን እዩ። መንግስቲ እንተደለዩ ከኣ ምስ ህዝቢ የርዳኖስ ሓደ ኮይኑ መንግስቲ መስሪቶም ክቅጽሉ ይግባእ ኢሉ ኢሰያስ ኣፈውርቂ። ጕዳም ዘረባ። ጽቡቕ ንባብ።

dawitኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ኣፍቶን ብላደት ዝተባህለ ጋዜጣ ልኡኽ ናብ ኣስመራ ኸይዱ፡ እቲ ጋዜጠኛ ካብ ሽወደን ክብገስ እንከሎ ንሰበ ስልጣን መላኺ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ክዘራረብ ብፍላይ ምስ ፕረሲደንት ቃል መሕተት ከካይድ ከም ዝዀነ ተፈሊጡ ቆጸራ ተታሒዙ ምስ መሳርሕቱ ተበጊሱ።

ብሰንኪ ጻሕታሪ ተግባራት መሪሕነት (ህ.ግ.ደ.ፍ.) ብ23 ታሕሳስ 2009 ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ፡ ዝወጸ ውሳኔ ብይን ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጸ ብምዝካር ንኣባላት ህ.ግ.ደ.ፍ. ካናዳ ዝተዋህበ መተሓሳሰቢ ዘሐጉስ ስጉምቲ ብምውሳድኩም ሓጎሰይ ወሰን የብሉን።


ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብ23 ታሕሳስ 2009 ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ፡ ስርዓት ህግደፍ ንግዝያዊ መንግስቲ ሶማል ንምውዳቕ ዝንቀሳቐስ፡ ጥሩፍ እስላማዊ ጉጅለ ኣሸባብ፡ ‘የዕጥቕን ይድግፍን ኣሎ’ ብዝብል ክሲ እገዳ መሸጣ ኣጽዋር፡ እገዳ መገሻ ላዕለዎት መራሕቲ ስርዓት ህግደፍን ሰራዊትን፡ ከምኡ ‘ውን ምድስካል ንብረቱን ገንዘቡን ዘጠቓለለ ጽኑዕ እገዳ ጌርሉ።

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብሰንኪ ዝኽተሎ ዘይሓላፍነታውን ዓንዳሪን ኣካይድኡ ሃገርና ኤርትራ ብማሕበረሰብ ዓለም ተነፊጋን ተነጺላን ምስላ ኣብ ዓለም ድማ ብሃናጺ ኣበርክቶኣ ዘይኮነስ ብኣዕናውን ተጻባኢን ካብ ዝምሰል ዓመታት ኣቑጺሩ’ሎ።

ፈቲቫል ህ.ገ.ደ.ፍ. አብ ፍራንክፎርት ከምቲ ህዝቢ ዝጽበዮን ዝደልዮን ኩነታት ልምዓት ሃገር፤ ፖለቲካዊ ምሕደራ ህዝብን፤ ሐዲሽ ኩነታት ክፈልጥ ዝህንጠዮ ዘይኮነስ ሐጺር መሰረተ አልቦ ነገራት አዳልዩ ንጊዜኡ ገንዘብ ዘምጽእ መደብ ጓይላ ወጋሕ ትበል ለይቲ  ዓዲሙ ብዘይ ናይ ዝሐለፈ ስራሐት ጸብጻብ፤ ብዘይ ህልዊ ኩነታት ገለጻ፤ ብዘይ ናይ መጻኢ ጽቡቕ ራእይ መደባት አብ ናይ ባዶ ዝትሕዝትኡ ሃለውለው ዝበዓል ፈስቲቫል ኮይኑ አሎ፡፡

ታሪኽ ቆራጽ ፈራዲ ኢዩ፡ ፍርዲ አብ ምፍጻም እዉን ነግ ፈረግ ምባል ባህሪኡ አይኮነን። አብ ግዕዞ ታሪኽ ዝኾነ ፖለቲካዊ ስርዓት ልክዕ ከም ሐደ ህያዉ ፍጡር ይዉለድ፡ይጉብዝ ይአርግ፡ ይመዉት፡ ኢዩ። ካብ ጉቡእ ናይዚ ባህርያዊ ዑደትዚ ዘምልጥ ስርዓት ወይ ፍጡር ከአ የልቦን። እዚ ሐደ ፍጹም ሕጊ ናይ ባህርይ ኢዩ።

ሓዲሽ ሓበረታ ንሰላማዊ ሰልፊ ፍራንክፈርት ኣንጻር ፈስቲቫል ጉጂለ  ህ.ግ.ደ.ፍ  ኣብ ዝሓለፈ ስሙን ንዕለት 18.07.2009 ዓ.ም ካብ ስዓት ሰለስተ ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ከምዝኾነ ተገሊጹ ነይሩ ኮይኑ ግን ኣብዚ ዕለትዝን ሰዓትን ጉጂለ ህ.ግ.ድ.ፍውን ሰላማዊ ሰልፊ ከካይድ

READ MORE

ኣብዚ ዝሐለፈ ሳምንታት ዝተፈላለየ ጸለመ ኣንጻር ማሕበር ምትሕግጋዝ ኤርትራውያን (ማ.ም.ኤ) – ቦስቶን፡ ብህግደፋውያን ክጽሓፍ ቀንዩ። ምኽንያቱ ኸኣ፡ ንዝተፈላለያ ብሄራት ኢትዮጵያ ዝውክላ ማሕበራት፡ ነቲ ኣዳራሽ ማ.ም.ኤ ተኻሬን ክጥቀማሉ ስለዝተፈቕደ።

ብታሕሳስ 2/2007 ኣምባሳዶር ኤርትራ ኣቶ ኣሕፈሮም ንኣብ ኦታዋን ከባቢኣን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ውግእ ክጅምር ኢዩ ዝብል ኣርእስቲ ሒዙ ህዝባዊ ኣኼባ ጸዊዑ።
ኣብዚ ኣኼባዚ ዝተሳተፉ ሰባት ምስኡ ደሚርካ ክሳብ 70 ኣቢሎም ይኾኑ።