Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Kinijitኣብ ዝሓለፈ ጽሑፍና ኣብ ቀዳማይ ክፋል፡ ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያን ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራን ዘሎ፡ ሓደገኛ ናይ ፖለቲካ ውዲት ዘይቅዱስ- ቃልኪዳን ብሓደ ወገን፡ ኣንጻር ሳንክሽን ውሳኔ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ 4-5 ነጥብታት ዝሓዘ ኣዋጅ ምውጻኩም ከይኣክል፡ ሕጂ`ውን ምስ ደገፍቲ መንግስቲ ብሓባር ሰላማዊ ሰልፊ ከተካይዱ ብቓላትኩም ብድምጽኹም ብመርበብኩም ከምዘረጋገጽኩም ዘጠቓለለ ብኻልእ ወገን ገሊጽና ነይርና። ደጊምና ብልቢ ነመስግን ቃል-እምነትኩም ስለዘገድሰና።