Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

enoughይኣክል እወ በቃ! ደጊም ፍትሒ፡ ሰላምን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራ። ይገርም’ዩ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ኣብ ከምዚ ቦታ ወይ ከተማ ኣንጻር ህግደፍ ሰላማዊ ሰልፊ ተጌሩ ሰሚዕካ ክንደይ ሰብ ከምዝተሳተፎ ንኽትዕዘብ ስእልታት ሰልፊ ክትርእይ ትህንደድ። እቲ ስእሊ ግና ከምቲ ዝተጸበኻዮ ስለዘይጸንሓካ ኣዚኻ ትሓዝንን ትስከፍን።

መልእኽቲ ኣሰና ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2011

 ኣሰናክቡር ህዝቢ ኤርትራ ! ኣብ ውሽጥን ወጻእን እትርከብ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ጽባሕ ሓዳስ ዓመት 2011፡ ከም ንቡር ሓደ ክልተ ኢላ ዕለታ ምድማር እትጅምረሉ ወቕቲ፡ ንስኻ ‘ውን ሓደ ክልተ ኢልካ መዓታትካ ምጕዳል እትጅምረሉ ዓመተ ቃልስን ተስፋን ዓወትን ክኾነልካ ዘለና ድሌትን ተስፋን ንገልጸልካ።

Bostonየእምሮና እንተ ዘይደንዚዙ: ሕልናና እንተ ዘይተቐቢሩ፣ ሎሚ ኤርትራ ሕድሪ ስዉኣታ ተጠሊማ፣ ብዕርቃን ግዝኣተ ሕጊ ዝባና ሰምቢሩ፣ ህዝባ ከይዛረብ ኣፉ ተዓቢሱ፣ ከይሰርሕ ተኸልኪሉ፣ ረዲኤት ከይረክብ ተኣጊዱ ብዓጸቦ ዝማስነላ፣ ከም ሓምሊ ቍራዕ ብሽግርን ተስፋ ምቝራጽን ዝበስለላ፣ ደቃ ካብ መኣዲ ትምህርትን ምህናጽ ስድራ ቤትን ተዀሊፎም ኣብ ወፍሪ ወተሃደራዊ ባርነት ተጸሚዶም ዝነብሩላ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ኰይና ምህላዋን፣

ዓመተ 2008 ኣብ ምዝዛማ ኣብ ልቢ ኹልና ኤርትራውያን ዓቢ ተስፋ ዘሪኣ እያ ሓሊፋ።  ዓመተ 2009’ውን ኣነስ መዓስ ሓሚቐ ክትብል ነቲ ተስፋ መመሊሳ’ያ ተጓዕፍሮ ዘላ።  ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ከም መንዳዓት ኮይኑ ዘሳቕየና ዝጸንሐን ዘሎን ትፋእ ታሪኽ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ መሓውራቱ ብቕሉዕ ክለምስ ጀሚሩ’ሎ።

musህሉው ኩነታትበን ሰብኣዊ መሰላትን ኤርትራ ከመይ ከምዝመስል እተንጸባርቕ ብዋዛ መልክዕ ዝቐረቡ መልእኽታት ዝሓዘት ‘ይኣክል!’ ዘርእስታ ብሙሴ ያቆብ ዝተዳለወት መጽሓፍ ኣብ ቀረባ እዋን ተዘርጊሓ ኣብ ኢድ ኣንበብታ ኪትበጽሕ ምኻና ነበስረኩም።