Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ኣመሪካ፡ ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኣን ዝርከቡ ኤርትራውያን  ብመንገዲ ወኪል ኣኽሩኽ ኣሰና ኣብ ኣመሪካ ተስፊት ክፍሉ ንወርሒ 20 ዶላር ብምውጻእ ዘዋህለሉዎ 780 ዶላር፡ ከምኡ ‘ውን ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ገባር ሰናይ  ዳኒኤል ተወልደ 120 ዶላር፡ ኣብ ሚሽንጋን እትርከብ ሓንቲ ብመደባት ኣሰና ዝተመሰጠት ግድስቲ ስድራቤት 100 ዶላር ድምጺ ኣሰና ንምስሳን ብድምር ሓደ ሽሕ ዶላር ከበርክቱ ከለዉ። ኣብ በይ ኤርያ ዝነበር ሓደ ካልእ ግዱስ ኤርትራዊ 200 ዶላር ኣወፍዩ።

ኣቐድም ኣቢሎም፡ ንኤውሮጳ ኣብ ጉዕዞ እንከለለዉ ጃልብኦም ብምብልሻዋ ብምትሕግጋዝ መንግስቲ ጥልያንን ሊብያን ካብ መዓት ወጺኦም ናብ ሊብያ ዝተመልሱ ዝርከቡዎም 150 ዝኾኑ ኤርትራውያን ብሰበስልጣን ሊብያ ተገፊፎም ምስ ተወስዱ ደሃዮም ጠፊኡ ከምዘሎ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።


ኣስታት 150 ኣባላት ዝሓዘት ኣሃዱ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ምስ መራሕ ሓይላ ዝሓለፈ ሰኑይ 31 ነሓሰ ብምሉኣ ሱዳን ኣትያ ኢዳ ከምዝሃበት ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።