Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Isኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እስራኤል ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኤርትራውያን ዝወረደ ናይ 325 ህልቂት ብሓደ ኮይኖም ክሓዝኑሉን ብቐጥታ ንዝተተንከፉ ቤተሰብ ንምጽንናዕን ብዝገበሩዎ መደብ መሰረት፡ ልዕሊ 5 ሽሕ ህዝቢ ሎሚ ንጉሆ 9 ሚያዝያ ኣብ ቴልኣቪቭ ተኣኪቡ ብጸሎተ ፍትሓት መራሕቲ ሃይማኖት ዝተመርሐ ናይ ሓዘን ስነስርዓት ከምዘካየደ ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ፡ እቲ ፍጻሜ እናተኻየደ ብቐጥታ ዝደወልናሎም ተሳተፍቲ ናይቲ ስነስርዓት ገሊጾም።