Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዘንጊዖም ከምኦም ሰብ ምዃና

ዘንጊዖም ከምኦም ሰብ ምዃና   ብ91 ጽሓይና በሪቓትልና! ኢልና ብምሒር ታሕጓስ ተሳዒርና እናዘለልና ከለና ዘይሓሰብናዮ ጉድ ረኺብና ጸሓይና ዝበልያ ናይ ሓሶት ኮይናትና ብዓንና ንርእያ ግን ዘይተማሙቐና ዓጽሚ ዝሰብር ቁሪ ወሪሱዎ ገዛና ሓዊ ንኣጉድ ግን ምንኻስ ይኣብየና ትኪ ትዕብለኽ ማይቤትና ኡፍ ክንብል ላሕ

ዘንጊዖም ከምኦም ሰብ ምዃና

 

ብ91 ጽሓይና በሪቓትልና! ኢልና

ብምሒር ታሕጓስ ተሳዒርና

እናዘለልና ከለና

ዘይሓሰብናዮ ጉድ ረኺብና

ጸሓይና ዝበልያ ናይ ሓሶት ኮይናትና

ብዓንና ንርእያ ግን ዘይተማሙቐና

ዓጽሚ ዝሰብር ቁሪ ወሪሱዎ ገዛና

ሓዊ ንኣጉድ ግን ምንኻስ ይኣብየና

ትኪ ትዕብለኽ ማይቤትና

ኡፍ ክንብል ላሕ ኢልና

ንብዓትና ጸሪሩ ደም ንነብዕ ኣለና

ዕጭ ሓንፊፉ ዋላ’ቲ ጉብጥሽ ኣዴታትና

ጸልሚቱና’ሎ ጸልሚቱና

ቀትርን ለይትን ምፍላዩ ስኢና

ኩርምይ ኢልና ምንባር’ኳ ስኢና

መኣስ’ያ ጸሓይና ትበርቀልና! እናበልና

ዘይጽወር መዓት ምጻር ኮይኑ ዕድልና

ጸላኢና ይዘመት ተዘሚትና ኢና ተዘሚትና

ሎሚ ከኣ የፍርስዎ’ለዉ ገዛና ኣብ ልዕለና

ኣብ ጎልጎል ይሰጥሑና’ለዉ ይሰጥሑና

ዘንጊዖም ከምኦም ሰብ ምዃና

ዝሰምዖ ስኢኑ ኣውያትና

ልሳንና ዝዓብስ ጥይት ኮይኑ ቀለብና

ኣሕዋት ዝበልናዮም ጸላእቲ ኮይኖምና

ብኣእዛና ጠበይቲ

ብዓይኖም ወጋእቲ

ምሕረት ዘይፈልጡ ቀተልቲ

ንገለና ከም ኣቕሓ እንዳ ፕሊስ ኣጽንሑልና!

ኢሎም ይገድፉና

ዘንጊዖም ከምኦም ሰብ ምዃና

ኣብታ ዝገደፉና ንጽበ ከም ዝሃበና

ዘኪሮም ዶኾን ይምለሱና! እናበልና

ዝገደደ ከኣ ፈጣሪ ረሲዑና

ከይከውን’ዩ ፍርህና

ስለዚ ሃየ ዝሰማዕኩም ኣውያትና

ሎሚ ሰብ ኩኑና

ኣርክቡዋ ሎሚ ጽባሕ ትብል ዘላ ህይወትና

ኣብ ካሕሳኹም የውዕለና

ኣኻዕቢቱ ዝመልስ ህይወት ጥራይ ፈጣሪ ይሃበና!
ምስሉ ተኪኤ 3/14/15

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Teme March 17, 2015

    I feel you bro, I was there left to decay in prison but by the will of God I am free now. May the almighty help the rest of the poor souls trapped that hell of a nation. Great poem!

POST A COMMENT