Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

UPDATE 3: ኣብቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ግፍዓዊ ቅንጸላ ሓንቲ ጋል ኣንስተይቲ እትርከቦም ብድምር 6 ንጹሃት ኤርትራውያን መንእሰያት ከምዝተቐዝፉ ክረግገጽ ከሎ፡ ኣብ ጋሽ ባርካ 5 ንጹሃት ዜጋታት ከምዝተረሸኑ ተፈሊጡ።

በቲ ፋሽሽታዊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብ 3 ሚያዝያ ኣብ ኣስመራ ዘካየዶ ናይ ተመልከተለይ ግፍዓዊ ርሸና ሓንቲ ጋል ኣንስተይቲ እትርከቦም ብድምር 6 ንጹሃት ኤርትራውያን መንእሰያት ከምዝተተቐዝፉ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። እተን ኣብ ምዕራብ ኤርትራ ድሕሪ ዝተኻየደሎም

በቲ ፋሽሽታዊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብ 3 ሚያዝያ ኣብ ኣስመራ ዘካየዶ ናይ ተመልከተለይ ግፍዓዊ ርሸና ሓንቲ ጋል ኣንስተይቲ እትርከቦም ብድምር 6 ንጹሃት ኤርትራውያን መንእሰያት ከምዝተተቐዝፉ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

እተን ኣብ ምዕራብ ኤርትራ ድሕሪ ዝተኻየደሎም ታዕሊም 4200 ተዓለምቲ ጽዒነን ብኣስመራ ናብ ዓሰብ ዝሓልፋ ዝነበራ 18 ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን ኣስመራ ድሕሪ ምእታወን ዝተኸፍተ ቶኽሲ ናይ ፍርቂ ሰዓት ካ እንተነበረ ብድሕሪኡ ህዝቢ ተነዓዒቡ ግፋን ተፍትሽን ክሳብ ሰዓት ሓደ ወጋሕታ ከምዝቐጸለ ኣብቲ ትማሊ ብኢንተርነት ዝዘርጋሕናዮ ዜና ተጠቒሱ እዩ።

ህዝቢ ኣብ መንጎ ናብቶም ብቶኽሲ ዝህደኑ ዝነበሩ መሳኪን ተዓለምቲ ተሓዊሱ ተቓውሞኡ ብምግላጽ ነቲ ቅንጸላ ናይቲ ፋሽሽታዊ ስርዓት ደው እንተዘየብሎ እቲ ስርዓት ገበናዊ ተግባሩ ደው ናይ ምባል ኣንፈት ከምዘይነበሮ ‘ውን ይግለጽ።

ቁጽሪ ናይ ቁሱላት ክንደይ ምኻኑ ዛኢግት ኣይተፈልጠን፡ ፋሽሽታዊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ናብ ሆስፒታል ኦሮታ ህዝቢ ምእታው ከልኪሉ ከምዘሎ ውን ‘ቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

ድሕሪ ‘ቲ ግፍዓዊ ፍጻሜ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት መንፈስን ሃዋህውን ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ እቲ ደቂ ማህጸኑ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ክዝሕዝሑ ዝረኣየ ህዝቢ ኣስመራ በዚ ጉዳይ’ዚ ተባሒቱ ቁጥዐን ሕርቃንን ዝተሓወሶ ዕላሉ እዚ ጉዳይ ‘ዚ ኮይኑ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ፡ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ‘ውን ናብ ሱዳን ክትሰግሩ ሓሲብኩም ተባሂሎም ሓደ ኤርሚያስ ዝብሃል ዘዋሪ ታክሲ ወዲ ኣስመራ (ገዛ ባንዳ) ዝርከቦም 5 መንእሰያት ‘ውን ኣብ ጋሽ ከምዝተረሸኑ ምንጭታት ብኻልእ ወገን ሓቢሮም።

ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ጥፍኣትካ ዝወጠነ ኣረሜናዊ ምልካዊ ስርዓት ኣሊኻ ብሕጊ ዝሕተት ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክሳብ ዘይተኸልካ እዚ ካብ ግቡእ ንላዕሊ ኣመና ስለ ዝተጻወርካዮ ዝደጋገመካ ዘሎ ቅዝፈት መንእሰያትካ ገና ክቕጽል እዩ። ስለዚ ስለ ሰላምን ቅሳነትን ፍትሕን ረኺብካ ክትቀስን፡ ብሩህ መጻእን ቀጻልነትን ወለዶኻ ‘ውን ከተውሕስ ብህጹጽ ተለዓል።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
64 COMMENTS
  • ertra n ertrawyan April 6, 2016

    kibur hizbi Ertra beka yeakil nbel ezi nay mewedata tsegemna ykun. Bhabar nleal ho nbel issayas wela hanti akmi yeblun, serawit win ab godni hizbi eyu tray mijimar hizbawi naebi. beka niwfer nab godena eta hager hager kulatna eya af libna nefihna kibri hizbina nimles.

  • Gg April 6, 2016

    In Eritrea being young is a crime punishable with hard labor in harsh conditions until you are an old man. According to the twisted and sadistic madman eseyas if you are between 16 to 50, you are a criminal and deserve to be abducted, demoralized and used as a slave for years and years until you reach old age.

    Eh dea pfdj cartel mesta nay zesakekumom meneseyat ybsahkum. Hasadat.

  • Berhe Tensea April 6, 2016

    We must do everything in our power to get rid this monstrous regime in Asmara. I called Asmara and my family members and the people are very upset, about this.
    The action of this criminals at this time is the beginning of the downfall. The people had enough and they are starting to rise up, and no matter what there will be no force to stop it.
    Death to Iseyas and his coward and anti people commanders .
    I hope and wish that Iseyas and his security agents and the yes men officials will be put in a boiling pots to die slowly an agonizing death.

  • የማነ April 7, 2016

    ኣታ ኣማኑኤል እያሱ ክንደይ ክትሕሱ ኢኻ? ምስ ወያነ ሕግብግብ ካብ ትብል እቲ ሕማም ሓሶት ለጊብካ። እዚ ብዛዕባ ኣብ ኣስመራ ኣጋጢሙ ኢልካ መዓልታዊ ትፍብርኾ ዘለኻ ሓሶታት’ዚ ንዋላ ሓደ ኤርትራዊ ኣይጠቅምን እዩ – እንትርፎ ነቶም መሳርሒ ወያነ ክትኮኑ ዝወሰንኩም ሽዩጣት ሕልና። ኣነ ኣብ ፖለቲካ ዝኾነ ይኹን ተገዳስነት የብለይን፡ እንተኾነ ህዝቢ ብንቕሓት ኣብ ፖለቲካ ክሳተፍ እንተኾይኑ ቅኑዕ ሓበሬታ ክረክብ ከምዘለዎ እኣምን። ኣብ ኣስመራ ስለዝነብር ከኣ ብዛዕባ’ዚ ኣጋጢሙ ዝበሃል ዘሎ ጉዳይ እኹል ሓበሬታን ኣፍልጦን ኣሎኒ። ብልክዕ ብሰንበት ገለ መካይን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝኾኑ መንእሰያት ጽዒነን ብኣስመራ ክሓልፋ መጺአን። እዞም መንእሰያት ዳርጋ ኩሎም ኣብ ዝተፈላለየ ገበናት ተዋፊሮም ዝነበሩ (human trafficking፡ ስግረ ዶብ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ፡ ካብ ኣሃዱታቶም ዝኾብለሉ…)እዮም። መንግስቲ ብዝገበሮ ምሕረት ከኣ፡ እቶም ዘይተዓለሙ ተዓሊሞም ኣብ ልምዓታዊ መደባት ክሳተፉ ናብ ዝተመደብዎ ቦታታት ዝኸዱ ዝነበሩ እዮም። ገሊኦም ከኣ ብቐጥታ ናብ’ተን ዝነበርወን ኣሃዱታት ዝምለሱ ዝነበሩ’ዮም። እተን ጽዒነንኦም ዝነበራ መካይን ኣብ ከባቢ ስታድዩም ኣብ ዘላ ሴማፎሮ ምስ በጽሓ ክዘሉ ፈቲኖም። ኣብ’ዚ ከኣ ገለ ገለ መንእሰያት ተጐዲኦም። ኣብ ከባቢ ሹቕ’ውን ብተመሳሳሊ ምስ ዘሎ ጻዕቂ ምንቅስቓስ ሰብን መካይንን ገለ መንእሰያት ክዘሉ ፈቲኖም። እንተዀነ ካብ’ተን ኣን ምንቅስቓስ ዝነበራ ነዋሕቲ መካይን ብዘይኣገባብ ዘሊልካ ክትድሕን ዘለካ ተኽእሎ ጸቢብ’ዩ። ስለዚ ቀዳምይ ገበኖም ተማሒሮም ንሃገሮምን ህዝቦምን ክኽሕሱ መንግስቲ ምሕረት ገይርሎም ከብቅዕ፡ ካልኣይ ገበን ፈጺሞም። ምልማዕን ምክልኻን እዛ ሃገር ናይ ኩልና ሓላፍነት (ናይ’ቶም ኤርትራውያን ኢና ንብል)’ዩ። ስለዚ፡ እዞም መንእሰያት ብልክዕ ካብ ሕጊ ወጽጻኢ ክገብሩ ፈቲኖም፡ ግን ኣይሰለጦምን። ብጥይት ናይ’ቶም ዝሕልውዎም ዝነበሩ ዝተቐትለ ከምዘየለ የረጋግጸልካ። ህይወቶም ብምስኣኖም ዘሕዝንኳ እንተኾነን ዝሕጐስ ኤርትራዊ’ውንኳ እንተዘየለን፡ ዘይሕጋዊ ተግባራቶም ከኣ ንመንግስቲ ብምጽላም ክነጽህ ኣይክእልን’ዩ። ኣብ ዝኾነ ዓለም፡ ኣኽበርቲ ጸጥታ ንሓደ ገበን ፈጺሙ ዝሃድም ሰብ ካብ እግሩ ንታሕቲ ተኵሶም ከውድቝኦ ከምዘለዎም ኩልና ንፈልጦ ሓቂ’ዩ። እዞም ነዞም ክሃድሙ ዝፈተኑ ዝሕልዉ ዝነበሩ ግን ከምኡ’ውን ኣይገበሩን። ንላዕሊ ጥራይ’ዮም ተኲሶም። ስለዚ፡ ንፖለቲካዊ ረብሓኻ ክትብል ነቲ ሓቂ ኣይትጠምዝዞ። ህዝቢ ቅኑዕ ሓበሬታ ሃቦ። እቲ ፍርዲ ከኣ ንዕኡ ግደፈሉ። እምበር ባዕልኻ ብሓሶት ህዝባዊ ርእይቶ (public opinion)ክትፈጥር ኣይትፈትን።

    • Gg April 7, 2016

      Disgusting 03 pfdj agent deflection and blame shifting. So your saying slave labor is mercy from your master! Its people like you with no conscience supporting the evil junta and prolonging the suffering of our people. Hasewti, newramat, hzbom ztelemu tebelesti.

    • Anti HEGDEF April 7, 2016

      What a shameful lair you are!
      First of all I don’t trust you when you say I live in Asmara. How did you get the information? No government newspaper, radio or TV had mentioned the incident that took place.

      Your second lie: You relate the youngsters to human trafficking. Shame on you again! So many truckloads with Eritrean human traffickers, hmmm. Stop your lies, we know such habits are of the SHIFTAS in power and you are simply saying/writing what your muster tells you to say/write.

      Mesilika ember izi’wn kwegeh iyou anta Hasawi, hlena alboo!

      • AHMED SALEH !!! April 7, 2016

        Yemane from Asmera nihasot zeyhafera nHATYAT ewn deferra ;
        We are unfortunate to call Eritrean brothers for dormant people like
        you who lack human moral value . Your arrogant attitude and other
        low life zombies share same thought out stupid politics conviction
        even when family member fell victim to loose his/her life . Slave
        mentality in defense your master drives to sell out your own kinds .
        I hope our people recognize your weak mind to forgive you . That is
        the only thing I can say .
        Poor Asmera witnessed again the other face of Ethiopians cruelty
        at the hands of unsuspected thugs whose people celebrated their
        arrival from Sahel mountains . What happened is the result of
        cowardice reaction when they fired to disabled tegadelti that
        send a warning to anybody who refuse to obey .
        Therefore only cowards like Yemane have chance to survive along
        HGDF authority oppressive government .

  • tmnit April 8, 2016

    የማነ
    ሓቂ ተዛሪብካ ኣብ መገዲ ባቡር ደቂስ ኪበሃል ሰሚዕካ ዶ ትፈልጥ። ነዞም ዝተቀዘፉ የህዋትና ገበናኛታ ከም ዝኮኑ መንግስቲ ምህረት ከም ዝገበረሎም እሞ ካብ መኪና ዘሊሎም ክሃድሙ ከም ዝሞቱ ሪእቶኻ ገሊጽካ ። መሰልካ እዩ ክትዛረብ ። ጊን ሰብ ሓሲኻ ከተወንጅሎ ገብን እዩ ።
    ወልዲና ነዚ ከም ምእተዊ ተጠቒመሉ ዘሎክሁ ምስላ እታባቡር ነጢረትካ ክትሓሊፍ ኣይኮኑን ሓቂ ተዛሪብካ ኣብ መገዲ ባቡር ደቂስ ዝብሉኻ ፡እንታይ ዲኣ ወዲ ሰብ እምነቱ ብዘይ ገዲስ ሓቂ መገዲ መንግስተሰማይ ምኻና ይስማምዓላ እዩ ።ስለዚ ከምዚ ንስኻ ብግዝያዊ ረብሓ ንሓቂ ዝሸጡ ስሱዓት ቃል ኣምላኽ ጥሒሶም መገዲ ድያብሎስ ን መዘና ድያብሎስ እሳያሲን ተከቲልኩም ትከዱ ዘሎኩም ፍርዲክሁም ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ ቀሪቡ እዩ ። ንሰብ ከተገልግሉ ቃል ኣምላክ ትጥሕሱ ዘሎኹም ወይልርኹም ኣይ ብሰማይ ኣይ ብምድሪ ክትጥፍኡ እኹም ። በልስከ ኣበየናይ ቤት ፍርዲ በየናይ ዓንቀጽ አዮም ከ ገበነኛታት ተባህሎም? ነቲ ደሙን ዓጽሙን ዝከስከሰ መንእሰይ ኤርትራ ስድራብየቱ ክርኢ ምኻድ ድዩ ገበን ተቖጺሩ ? ደቁ ሰሪሑ ድራር እለት ገዲፉ ክምለስ መዓልቲ ምሕላፍ ድዩ ገበን ? ስለዚ ምሕረት የውርደልካ ተባራበር ተንስእ ንስለ ሰብ ዘይኮንካ ንሓቂ ሲዕብካ ህዝብኻ ኣብ ምድሓን እጃምካ ኣበርኪት ፡ ገበናኛታት ንሳቶም ዘይኮኑ ንሲኻ እኻ።

  • sammy April 10, 2016

    የማነ
    ጨምላቅ ጥራሕ’የ ዝብለካ፡ ምክንያቱ ልክዕ ከምኡ ትገብር ስለዘለካ። ከመይ ኢልካ ከ ከምዚ ኢልካ ክትሕሱ ደፊርካ፡ ምሓፈርካ፡ ሕልና የብልካን፡ ኤርትራውያን እኮ እዮም ሞይቶም. . .ይርድኣካ ድዩ ኣታ ባሃም ኣብ ከብዱ ጥራሕ ዝኣቱ ዝፈልጥ። ሕልናካ ኣቤሎ? ? ? ኤርትራዊ ኩን at least shut your fuckin bloody mouth….ass hole

  • WINTA April 19, 2016

    u people why don’t u give them peace to the deceased family the truth we all know but enough GOD IS NOT GOING TO SEE THEM OFF HE IS GONNA PUNISH WHO EVER IS THE TRUTH PLEASE MY BROTHERS WE SHOULD NOT SAY SUCH ANYMORE.

1 3 4 5

POST A COMMENT