Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Voice of Assenn: Radio Report – Bologna – Justice Seekers Demo – Day 1, Friday, July 4, 2014

https://www.youtube.com/watch?v=KL-q-uGHp_8

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • K. TESFAI July 5, 2014

    Who is the first singer?

    What a beautiful song. It is one of the best I ever heard. It describes Eritrean situation with a strong truthful words. Its words hit our Eritrean deep filling of the past and present. The singer with his simple tigrigna words
    and admirable voice takes us back to our true culture of our fathers and mothers. Bravo.

    Make heard our voice with the strong word possible we can. we should united and hope for a change for all.
    We should not be divided as the dictator divided us. Please don’t give a place for a division.
    we are going to be free from this shame but hoping this shame will not be repeated.

  • Mesinas July 6, 2014

    “ተቖነኒ ኣልባሶ ተኸደኒ ሻሽ
    ወድኺ ሞይቱ ኣሎ ተሪፍኪ ብላሽ! ንብለን ኣለና ነዘን ሳዕሳዕቲ!፤

    ኣማኑኤል እያሱ መዓስ ትሰቲ? መዓስ ትበልዕ? መዓስ ትድቅስ? ኢለ ምሓተትኩኻ ላኪን ነብስኻ መሊሱለይ ኣሎ! ንስኻ ጠበቓ ውጹዓት፣ ጠበቓ ምውታት፣ ጠበቓ ህሉዋት፣ ጠበቓ ከለዉ ምዉታት! ናይ ኩሉ ኢኻ’ሞ ኣምላኽ ጻማካ ይፍደኻ!” ቃል ሓደ ኣቦ ተሳታፊ ሰላማዊ ሰልፊ ቦሎኛ።

    ብርግጽ ጠበቓ’ወ ናይ ኩሎም ውጹዓት
    ዋላ ናይዞም ጥሪት ናይ ሃገር መንድዓት!

    ኣሰና!

    ኣንቲ *ሌማት ኩሉ ህዝባዊት ኣሰና *መቐረብ መኣዲ
    ሳላኺዶ ኣይኮነን ተኣልዩ *ልባብና *ንፈረስ ኣዒንቱ ዝሽፍን መጣምር
    ብኣኺዶ ኣይኮነን ኣድሚጹ ልሳንና
    ብዓልመን ደኣሎም ሕጂ መጺኦሙና
    መጉሰይቲ መሲሎም ዝነቕሉ ዕፉንና
    *ብዒሎኹም በልዮም ዋናታትኪ ኣለና! *ወገንኩም ሓዙ

    ኣገልጋሊት መርዓት ተፈታዊት *ጥፍሒ *ንእሽቶ ኣገልግል ናይ መርዓት
    ስኽፍ ኣይበልኪ ናይ ምስሉያት ሽርሒ
    ካብ ሱሩ ንምምሓው ንስርዓት *ደማሒ *መላኺ
    ኣብ ጎድንኺ ኣለና ሰራዊት ናይ ፍትሒ
    መግዛእቲ መላኺ ጸላም ከተውግሒ
    ንሓርነት ጥራይ ከም ቀደምኪ ስርሒ!

    ረመጽ ወዲ ጓህሪ፡ ቁጡዕ ወዲ ነብሪ
    ጽሩይ ማይ ሓርነት ካብ ጎቦ እተዛሪ
    ህዝቢ እተገልግሊ ብሓልዮት ብፍቕሪ
    ንደለይቲ ፍትሒ ዓወት ተበስሪ
    ንስርዓት መላኺ ተንገብግቢ ቁሪ
    ኣላሽ ከተብሊ ናይ ዕሱባት ወፍሪ
    *ኣንገብኪ ይደርዕ እቲ ልዑል ፈጣሪ! *ዕርድኺ

    ንጹር ዕላማኺ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ
    ነዚ ለዋህ ህዝቢ ሕሰም ክቕንጠጦ
    ኳዂቶን እሾኽን ክትነቕሲ ብወረጦ
    ብየማነ ጸጋም ኣባይ ተወጠጦ
    ዘይክማህ መትከልኪ የለን ዝልውጦ!

    ህዝቢ እናተገርፈ ብሕሰም መከራ
    ጽቡቕ ኣሎ ዝብሉ ናይ ምልኪ ምሕደራ
    ፍትሒ ምስ ነገሰ ጽባሕ ኣብ ኣስመራ
    ፍርዶም ክህቦም’ዩ ህዝቢ ናይ ኤርትራ!

    ንውልቃዊ ረብሓ ሓፋሽ ንዘጥፍኡ
    መንግስቲ ኣሎና ኢሎም ሬሳ ዘተንስኡ
    ብባዶ መብጽዓ ራህዋ ከም ዘምጽኡ
    ህልዋት ረጊጾም ስውኣት ዘንብዑ
    ፍጹም ኣይተርፉን’ዮም ጽባሕ ከይተቐጽዑ!

    ኣብዚ *ሃኪክ እዋን ግዜ ኣጠላላም *ክፉእ ዘበን
    ረዳኢ ስኢና እዛ *እዝውቲ ላም *ብዙሕ ጸባ እትሕለብ
    ሓንከስ እናበለት ተታሒዛ *ዕጭ ላም *ብርቱዕ ሕማም ከብቲ
    ካብ ስቓይ ክትድሕን ኣብ ክንዲ ምሕካም
    ጸባኣ ሓሊብኩም ዘውጻእኩማ ናብ ግዳም
    ወይልኹም ዕሱባት ኣሳሰይቲ ጸላም!

    ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!

    ካብ ሓውኹም መሲናስ 21-02-2014

  • Semhar July 7, 2014

    Congratulations to all demonstrators in Bologna Italia, for exposing the tyrant dictator and his blind supporters.
    
ኩላትና ብሓበራ ኢደይ-ኢድካ ኢልና ነዚ መንነትና ዘዋረደን ንኤርትራ ዘብርስ ዘሎን ኣረሜን፣ ናብቲ ቀዳሞት ኣያታቱ በዓል ሳዳምን ቃዛፊን ዝኣተዉዋ ናይ ዘለኣለም መዓልብኡ ጋህሲ ንደርብዮ። ኣብ ታሪኽ ከም ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ውልቀ-ምልካውያን መራሕቲ ብዘይካ ብክፉእ ብጽቡቕ ኣማውታ እግዚኣብሄር ክሞቱ ኣይተራእዩን። ሞት ገበነኛ ኢሰያስ እውን ከም ኣማውታ ኣያታቱ ነዊሕ ዝጸንሕ ኣይኮነን። እዚ ዓመት’ዚ ጸላኢና ዓንዩ ህዝብና ነናብ ገዝኡ ዝኣትወሉ ዓመት ከም ዝኸውን ሙሉእ ዘይጉዱል እምነት ኣሎኒ።
    ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና
    ዕድመን ጥዕናን ንደቂ ኤርትራ
    ዓወትንህዝቢኤርትራ።

POST A COMMENT