Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

VOICE OF ASSENNA: ኣእምሮ ተሓለቕቲ (The mind of apologists) – by Amanuel Sahle

https://www.youtube.com/watch?v=_oO3g98cclk&feature=youtu.be

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Yohannes Gubsa April 24, 2018

    ዝኸበርካን ዝተፈተኻን ሓወይ አማንኤል፡ ብመጀመርታ ከም ሓውካን፡ አብ አስመራ ዩኒቨርሲቲ መሳርሕቲ ብጻይካን ሰላም ክትህልው ልባዊ ምንዮተይ ይገልጸልካ። ቀጺለ፡ ነቲ ከም ውፉይ ሃገርዊ ዜጋ ተቅርቦ ዘሎኻ ትምህርቲ ሓዘል እዋናዊ አስተምህሮ፡ በዞም ብግቡእ ስርወ ሓሳብ ዝገለጽካዮም፡ ሓገዝቲ ህዝቢ መሲሎም ገዝገዝቲ፡ ዕዉር ተሓላቕነት ዘጥቅዖም፡ ብተሓላቕነትን ብተበላጽነትን ህግደፍ ዝተመልመሉ፡ ብስነ ሓሳብ ናዚስታዊት ጀመርመን ዝሰረቱ አንካሒራ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ንምትላልን ንምድንጋርን ብህግደፍ ተዓሲቦም፡ ናዚስታዊ ኣበርክቶኦም ዝውፍዩ ዕዉራት፡ ንምብዳህ ተካይዶ ዘሎኻ ጻዕሪ አገናዕ፡ ከይተሓለልካ አበርቲዕካ ክትቅጽሎ’ድማ ይላቦ።
    ደላይ ፍትሒ መሲልካ ዕዉር ተሓላቕነት፡ ንቃልሲ ደለይቲ ፍትሒ ንምብራዝን ምድኻምን ዝዓለመ ፍሹል ስልቲ ህግደፋውያን ደጊም አሪጉ’ዩ። ከምቲ ብዘየሻሙ ቃል ዝገለጽካዮ፡ ዕዉር ተሓላቕነት፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ናጻ ኪወጽእ ኢሉ እተቓለሰሞ ናጽነት ዘይረኸበ ህዝቢ ኪዝውተር ከሎ፡ ከም ሰብኣዊ ገበን ኪቝጸር ዝኽእል ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ገበን ገበን’ውንዩ። ጥበብ ህግደፋውያን፡ ከምቲ ዝገለጽካዮ፡ ንህውከት ከም ሰላም፡ ንጸሊም ከም ጻዕዳ፡ ንድንቍርና ከም ፍልጠት፡ ንሞት ከም ህይወት ገይሩ ዚወስድ ጥራይ’ዩ። ከምቲ ብንጹር ዝገለጽካዮን አስተውዒልካሉ ዘሎኻን፡ ድሕነት “ኤርትራውነትን ሃገራውነትን፡ ንዕዉራት ተሓለቕቲ ህግደፍ ስቕ ኢልካ ብምስማዕን፡ ሓሳባትካን ርእይቶኻን ብምሕባእን” ስለዘይፍታሕ ነዚ ሒዝካዮ ዘሎኻ ህዝባዊ ወገንነት አበርቲዕካ ከምትቕጽሎ አይጠራጠርን። ቕድሚ ዘአገረ፡ እዞም ዕዉራት ተሓለቅቲ ስርዓት ህግደፍ፡ መንነቶም አብ ድሕሪ መስኮት ኮምፑዩተር ሓቢኦም ንስርዓት ህግደፍ ዕድሚኡ ከናውሑ ህርድግ ዝብሉ ጥራሕ’ዮም። በዚ አጋጣሚ፡ ነዞም መንነቶም ሓቢኦም ወይጦታት ስርዓት ህግደፍ ክኾኑ ዝመረጹ “ወኻሩ” ትብዓት እንተሊኩም’ ካብ “ማሕሙድ ዶ ዘርኣይ ዶ” እንዳበልኩም ተሓቢእኩም ትጽሕፉ፡ ኣብ ቃልዕ ውጹ፡ ወይ ድማ ልሳን በላዕ ሰብ ስርዓት ህግደፍ ምዃንኩም ብዕሊ ክትገልጹ ትብዓት ይሃልኹም ንብሎም።
    አማንኤል፡ ከም ወትሩ፡ ንሰናይ ህዝባዊ ርእይቶኻ ሰሰናዩ ይምነየልካ።

  • Berhe Tensea April 26, 2018

    Excellent message Pfdj supporters are always in hiding and don’t want to reveal their identity in public/internet, and their numbers is dwindling day by day. Now days the PFDJ support is limited to the very ignorant, the old women and men. the drankards who are dying for gualan dankeran only..
    Thank you.

POST A COMMENT