Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Voice of Assenna: Entertainment – ላዛታት ስነጥበብ ምስ ኣሰና – Saturday, Dec 20, 2014

https://www.youtube.com/watch?v=3AEFMaZ58WI&feature=youtu.be

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Mesinas December 21, 2014

    ርእይቶ ንገጣሚ መድሃኔ ተኸስተ

    ዝኸበርካ ቀናዪ (ገጣሚ) መድሃኔ ተኸስተ፡ ብመጀምርያ ሕውነታዊ ሰላምታይ ብምቕዳም፡ በዚ ምስ ድምጺ ኣሰና ዝገበርካዮ ቃለ መሕተት ኣዝየ ከም ዝተመሰጥኩን ከም ዝተሓጐስኩን ክገልጸልካ እፈቱ። ምኽንያቱ፡ ብግቡእ ሞያኡ፡ ሞያ ስነ ጥበብ ዚፈልጥን ብብቕዓት ዚሰርሓሉን ተባዕ ስነ ጥብበኛ ብምዃንካ፡ ብልቢ ብኣኻ ኰሪዐን ተሓቢነን! ግጥምታትካ እዋናውያንን ህያውያንን ብሙዃኖም ድማ ዝያዳ ተፈተውቲ ይገብሮም። ብዝሓየለ ኪትቅጽሎ ድማ ትምኒተይ ልዑል’ዩ። ክቡር ሓው መድሃኔ፡ ሓንቲ ቂር ዝበለትንን ከምቲ ካልእ ዘይዓገብኩላን ነገር ግን ብዘይቀለዓለም ክሕብረካ ፍቐደለይ?

    ኣብ ኣጠቓቕማ ቋንቋኻ ሃጓፋት ኣስተብሂለ። ንኣብነት፥ ደይ፣ ኣንሕና፣ ትቻዓተ ወዘተ. ዝብላ ቃላት ትግርኛ፡ ናይ ጎደናን ናይ ዘይምዕቡልን ቃላት’የን። ዘይምዕቡል ማለተይ በቲ ቋንቋ’ዩ። ዘይ፣ ንሕና፣ ትሽዓተ ክብሃላ ድማ ይግብአን። ነፍሲ ወከፍና ኣብ ኣጠቓቕማ ቋንቋና ጸገም ኣሎና። እዚ ኸኣ ሓደ ሃገራዊ መወከሲ ቋንቋ መጽሓፍ ስለ ዘይብልና’ዩ። ዘይፍታሕ ጸገም ግን ኣይኮነን። እታ ቀዳመይቲ ነዚ ጸገም’ዚ ክትፈትሓልና እትኽእል ስጉምቲ ድማ ኣብ ቋንቋና ብዕቱብ ተገዳስነትን ሓልዮትን ምርኣይ እያ። እንተ ደኣ ንነፍሲ ወከፍ እንጥቀመላ ቃል፡ ቅድሚ ምጥቃምና ቅንዑነታ ከነረጋግጽ ንፍትን ኴንና፡ ድሕሪ ግዜ፡ ጸገም ኣይክህልወናን’ዩ። ምኽንያቱ፡ እሩም ቋንቋ ምጥቃም ከም ባልን ልምድን ክንወርሶ ስለ ንኽእል።

    ክቡር ሓው መድሃኔ፡ ኣብ ጥቓኻ ኣፈናዊ ኣፍልጦ ቋንቋ ዘሎዎም ክትውከሶም እትኽእል ሰባት እንተዘይሃሊዮም፡ ንግዜኡ ሓንቲ መገዲ ኣመራርጻ ቃላት ከካፍለካ ፍቐደለይ። ምኽንያቱ፡ ስነ ጥበበኛ ማለት፡ መምህር ሕብረተሰብ ማለት ስለ ዚኾነ፡ ናይ ኩሉ ጽቡቕ ተምሳል ወይ ኣብነት ኪኸውን ስለ ዘለዎ፡ ኣብቲ ሕብረተሰብና ንኽነቦን ንኽሰምዖን እነዳልዎ ፍርያት ስነ ጥበብ፡ ዕቱብ ጥንቃቐን ተገዳስነትን ከነርኢ ግድን’ዩ።

    ቃላት ብሰለስተ መገዲ ክንመርጾም ንኽእል ኢና። 1ይ ላዛ ናይቲ ቋንቋ’ዩ። ቃላትካ ጥዑማትን ሰሓብትን ክኾኑ ኣለዎም። ንእዝኒ ዝኹርክዕ ዘይምዑዝ ቃላት ኪኸውን የብሉን፤ ንኣብነት፥ ኣጓልት ኣብ ክንዲ ምባል ኣዋልድ፣ ኣረግቶት ኣብ ክንዲ ምባል ሽማግለታት ወዘተ. 2ይ ዓቐን’ዩ። እትጥቀመሎም ቃላት ቆጠብቲ ክኾኑ ኣለዎም። ንኣብነት፥ ጸሊም ጽዑቕ ደበና ኣብ ክንዲ ንብል ሮሶብ ንብል፣ ሓሳረ መከራ ኣብ ክንዲ ንብል እልበት ንብል። 3ይ ብዝሒ ተጠቃምነትን ገላጽነትን ናይቲ ቃል እየን። ንእብነት፥ እቲ ንጥቀመሉ ዘለና ቃላት ብውሕዱ፡ 80% ናይቲ ህዝቢ ዘዘውትሮ ኪኸውን ኣለዎ። ከምኡውን ብሩህ ማለት፡ ከምዚ ማለተይ እዩ ዘይትብለሉ ገላጺ ቃል ኪኸውን ይግባእ።

    ኣብዚ ግን ክትርሳዕ ዘይብላ ሓንቲ ዓባይ ስራሕ ደራሲ ኣላ። ንሳ ከኣ ንዝተረስዑ ቃላት ምዝኽኻርን ንዘይፍለጡ ቃላት ምልላይን እያ። እዚኣ ንምዕባለን ዕብየትን ቋንቋ ደራኺት ስለ ዝኾነት ክትስገር የብላን። ንዚኾነ ሰብ ከኣ ኣዝያ ኣገዳሲት’ያ። ብፍላይ ድማ ንደራሲ። ደራሲ፡ ብቓላት ሃብታም እንተ ኮይኑ፡ ከይተጸገመ ቃላት ብምቅይያርን ብምሕራይን ንኺገጥም ኣዝዩ እዩ ዚሕግዞ። ‘እዚኣቶም ዝውቱራት ቃላት ስለ ዘይኮኑ፡ ህዝቢ ኣይርድኦምን’ዩ’ ብምባል፡ ንሃብትን ምዕባለን ቋንቋና ዚገትእ ስጉምቲ ብምውሳድ ወትሩ ኣብ ውሱናትን ተደጋገምትን ቃላት ኮለል ከይንብል ክንጥንቀቕ ይግባእ እብል።

    ብዝተረፈ ኣብ ቀጻሊ ፍርያትካ ንኽሰምዕ ብሃንቀውታ ዝጽበ ሓውካ ተ/ማርያም ገረሱስ (መሲናስ) እየ’ሞ ነቶም ነዚ ዕድል’ዚ ዝፈጠሩ ኣሰናውያን ብሓፈሻ፡ ንሃብሮም ጋዜጠኛ ዓይነታ ምሕረትኣብ ድማ ስለ’ቲ መሳጥን ውሕሉል ኣቀራርባኡን ብፍላይ፡ ብልቢ እናኣመስገንኩ፡ እዚ ወደሓንኩም እብለኩም። የቐንየለይ።

  • saimon December 21, 2014

    Haw mesinas bi etvebro zeleka sirah azye yedniqeka koynu gin maasn ni menin tineqif aleka ayestebhalkan ajokum eyu hini ewanu

  • ERITRAWIT December 21, 2014

    Nay behakey des zeble interview. Kubur haw ab segem zelekum knskewm nkulu kelkewm kndzey aberkto mgbarkewm nay behakey hgusat ena. Nay behakey wehlelat tesfa kemzelewa eza hager eu zereka.
    assenna,
    gele kekletna knhgzom nkele megedey tehababerew.

  • siraj December 21, 2014

    Simon
    haqika aloka ewanu ewan xinae minae eyu.
    Bi qalat zeykone bitegbar eyu harinet ziregagex

  • Mesinas December 21, 2014

    ዝኸበርካ ሓው ስምኦን፡ ብመጀመርያ ንዝሃብካኒ ምኽርን ሓበሬታን ብልቢ አመስግነካ። እንተ ኾነ ጉድለታት ንምእራም ንመንን መዓስን ኢልካ ምጽራይ ኣካል ናይቲ ጉድለት ስለ ዚኾነ፡ ኣብ ዚኾነ ይኹን እዋንን ቦታን ብፍጹም ከነዘውውትሮ ዘይግባእ ሓሳብን ስጉምትን’ዩ። ክቡር ሓው፡ እንታይ ትብለኒ ከም ዘለኻዶ ጥልቕ ኢልካ ሓሲብካሉ?

    ነዚ ዝሃድመካ ዘሎ ሰራቒ ንምሓዝሲ ሳእኒ ክትወዲ ከየምልጠካ ምእንትስ ጥራሕ ኣግርኻ ጉየዮ፡ እኮ ኢኻ ትብለኒ ዘለኻ ክቡር ሓው። ድሉው ሳእኒ ከለንስ ጥራሕ እግረይ ክጎዪ!? ኣብ ጉዕዞይ እሾኽ ምስ ወጋኣኒኸ እንተዘይሰንከልኩስ ንዕኡ ንምንቃስውን ዝበዝሐ ግዜ’ንዴ ከጥፍእ! ስለዚ፡ ዚኸበርካ ሓው ስምኦን፡ ቃልስና ቃልሲ ሓርነት፡ ንኽእሎ እናገበርና፡ ብኹሉ መዳዩ ብጽፈት እንተ ዓመምናዮ እዩ ጽባሕ ንግሆ ምሉእ እፎይታ ዝህበና’ሞ እሩም ቋንቋ ምጥቃም፡ ይጽናሓለይ ዘይብሃል ጉዳይ እዩ። እሩም ቋንቋ ምጥቃምና ከኣ ነቲ መስተውዓሊ ወዲ ሃገር፡ ካብቲ ዕነ ዚመልአ ደምበ ህግደፍ ተኣልዩ፡ ናብዚ ጽሩይ ደንበ ደለይቲ ፍትሒ ንኽጽንበር ድርኺት ኪፈጥረሉ’ዩ። ስለዚ፡ ቅሰን!

  • simon December 22, 2014

    Kubur haw mesinas sile zihabkani kbri bilibi eye zemesgin silezi mikrika teqebile kmahar mikialey edilegna eye kem wetru xuhufka kiketatel edme tiena yhabeni yahabka

POST A COMMENT