Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Voice of Assenna: Eritreans Need the UN Commission of Inquiry & the Commission of Inquiry Needs Support from Eritreans, Monday, July 28, 2014

https://www.youtube.com/watch?v=wzBeMqV3P7k&feature=youtu.be

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Warsay July 29, 2014

    Anta Amanuel entay ku rub ayehfrekan diyu nia eba ezom tiblom zeloka wudub huburat hagerat bizaieba luelawnet hagerka zeytihatom mejemerya neta Gigi regitsa weyayane zeytikunini eta melhaska ageb ageb ageb weyanay amanuel eritrawi eka hizibi Eritrea fouuuuuu elnka

  • rezen July 29, 2014

    To: demo.archive.assenna.com Management,

    The Title says it all. One of the biggest blunder and bizarre action taken by Eritrean Government — which means Issayas Afewerki Abraham — is to isolate itself from the International Community. It is mind boggling.

    NOW A QUESTION: Are Eritrean Intellectuals >>>authors of so many books, graduate from Ivy League Universities in the West and geared with years and years of experience in international relation, law, socio-political field …<<<< doing something to work along side the International Community??? One is hesitant to spell out the answer. ERITREA IS ONE UNLUCKY COUNTRY.

  • Messinas July 29, 2014

    ይበል ስራሕ ኣሰና! ትሕዝቶኡን ዜማታቱን ከም ማይን ጸባን ዚተወሃሃደ መደብ! ኣብዛ፦
    “ዘበን’ያ ግሪምቢጥ ማይ ንዓቐብ ተካል እዋኑ፣
    ጎደና ኣስመራ ኣብ ሓለዋ ኮይኑ፣
    ብቀይሕ ሽብር ተወኒኑ!

    ሽባኻ በሪሱ፣
    ህንጻታት ፈሪሱ፣
    ኣስመራ ውጅሃኣ ተደምሲሱ፣
    ተዓብሊሉ ብጽምዋ ጸጥታ፣
    ኩሉ ናይ ሰሓቕ ናይ ጸወታ ቦታ!” ኣብ እትብል ድርፊ ግን ዓለቕ (ርእይቶ) ኣሎኒ። ምኽንያቱ እዛ ደርፊ ነዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት’ምበር ነቲ ናይ ሽዑ ኩነታት እተንጸባርቕ ኮይና ኣይረኸብኩዋን! ከመይሲ ኣነ ግዜ ንእስነተይ ኣብቲ ዝኸፍአ ናይ መግዛእቲ እዋን ዝነበረሉ ኣብ ግዜ ደርጊ’የ ኣብ ኣስመራ ኣሕሊፈዮ። ማለት ካብታ ዝተወለድኩላ ዓመት 1970 ክሳዕ 1990 ዓመተ ምህረት ኣብ ኣስመራ ሓቂ ንምዝራብ ብዘይምግናን ከምዚ ሎሚ ዘሎ ሕሰምን መከራን፣ ጽምዋን ራዕድን መንእሰያት ሽዑ ኣየጋጠመናን። ኣጋጢሙና ዝብሉውን ሰሚዐ ኣይፈልጥን። ብኣንጻሩ መታን ከፊኡና ናብ ሜዳ ከይንኸይድ ተባሂሉ ወትሩ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ብዓል ካራቨል፣ ማካምቦ፣ መዋኛ፣ ፒካዲሊ ወይ ዳርሰላም፣ ኣብ ጨርሕን ካልኦት ናይ መዘናግዒ ቦታታትን ብዲስኮ እምባሕ ንብል ከም ዝነበርና እዝክር። ዘዝመረጽናየን ኣዋልድ ሒዝናውን ፈቖዶ ሲግሮቶታት ፍቕራዊ ህይወት ከም ዘሕለፍና እዝክር።

    ብዘይካ’ቲ ክረምቲ ክኣቱ ከሎ ብ107 ቀበሌታት ኣስመራ ዝካየድ ዝነበረ ተዋዳዳሪ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ችቸሮ ንእሽቶይ፣ ኣብ ላሳለ፣ ኣብ ፎሮብያን ኣብ እንዳ ስላሴን ምዝንጋዕ፣ ብኤልፓን ቺፖሊኒን ዝብሃላ ናይ ሽዑ ኣዝየን ሓያላትን ግኑናትን ጋንታታት ኩዕሶ እግሪውን ኣብ ስታድዮም ኣስመራ ንዘናጋዕ ከም ዝነበርና እዝክር፣ ፈቐዶ እንዳ ስዋታትን እንዳሜሳትን ንእብነት፦ ከም ብዓል እንዳ ዝማም፣ እንዳ ጫሕማ፣ እንዳ ሰራው፣ እንዳ ጎቦ፣ እንዳ በጠበጥ፣ እንዳ ዋጋይ ዓድዋ፣ እንዳ ብዙ፣ እንዳ ቤንቲ ኡኖ፣ ወዘተ. እንዳ ሜስ ከኣ፦ እንዳ ምውታት፣ እንዳ ዱወ ቸንቶ ቤንቲ (220V)፣ እንዳ ዲስኮ፣ ወዘተ. እናዘርና ጠለል ንብል ከም ዝነበርና እዝክር፣ ኣብቲ እዋን ናብ ኣባሻውል ገጹ ዝተዛወረ እንተሎ’ሞ ምስ’ዚ ሕጂ ዘላቶ የዋዳድር! ብዝሓለፍካዮ ሕክያን ሰሓቕን እዩ ዝቕበለካ ኔሩ። ሎሚኸ ሽምዓ ዘጭለምልመሉ መቓብር መሲሉ ኣሎ!

    እስከ ንህንጻታትን ጎደናታትን ኣስመራኸ ናይ ሽዑን ናይ ሎምን ነዋዳድር ብምሉኡ መናድቕን ማርሻበድን ሕቆ ዝገጸበት ኣድጊ መሲሉ ኣሎ! ሽባኻን ስየንውን ምስ ናይ ሽዑ’ስከ ነወዳድሮ ሽዑ ብምምሕዳር ብቦጥ ማይ ይሰትን ብግቡእ ጻዕዳ ኖራ ተለኽዩ ይቕምቀም ከም ዝነበረን ሕጂ ከመይ ከም ዘሎን እስከ ኣዋዳዲርና ንርኣዮ! መንእሰይ ሽዑ ብዘይካ ናብ ገጠራት ኤርትራ ክወጽእ ከሎ እንተዘይኮይኑ ኣብ ማእከል ከተማ መንቀሳቐሲ ተሓቲቱ ይፈልጥ ኔሩድዩ!? ከይገፉኒ ኢሉ ኣብ ጎደና ምዩቕ ዝብልከ ኔሩናድዩ!? ደርፍታት የማነ ባርያን ናይ ሰውራን ብሕቡእ እናሰማዕና ዘዝሰማዕናዮ ከኣ ንሓድሕድና ክንተሓኻኸ ረሲዕናዮ ዲና? ፈቐዶ ቤት ትምህርታት እናኸድና ጽቡቓት ኣዋልድ እናደወርና ከነማላልስከ ረሲዕናዮ ዲና? ኣብ ሲነማታት ዝረኣናዮ ፊልምታት ምሸት ናብ ገዛውትና ምስ ተመለስና ደቂ ገዛውትና ኣኪብና ከነሕኪ ከለናኸ ረሲዕናዮ ዲና? እከለ ተሰዲዱ እንተ ሰሚዕና ከምዚ እከለ ሞይቱ ዝበሉና ጌርና ኢና ንጉህየሉ ኔርና! ሎሚኸ እከለ ተሰዲዱ እንተ ደኣ ሰሚዕካ ከም ጋማ ዚኣሰረ ንቤተ ሰቡ እንቋዕ ኣሓጐሰኩም ይብሃለሉ ኣሎ! ኣንታ ክንደይ ኢልና’ሞ ክንጠቅስ ኢና!

    ሎሚኸ ድሕሪ ናጽነትና ከምዚ ዓይነት ህይወት ንእስነት ኣብዛ ምጭውቲ ከተማና ኣስመራ ይካየድ ኣሎዶ? መልሱ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕሱም መግዛእቲ ህግደፍ ዘለኹም ኣሕዋትናን ኣሓትናን እገድፎ። ነዚ ኩነታት’ዚ ድማ’ዩ “ዘበን’ያ ግሪምቢጥ ማይ ንዓቐብ!” ኪበሃለሉ ዚግባእ። ነዝን ወዲ ከምዝን ክዝክር ከለኹ’ኮ ካብ ምንታይ ናጻ ከም ዝወጻእና’ዩ ድንጽው ዝብለኒ! ኣብ እዋን መግዛእቲ ማእሰርትን ሞትን ኣይነበረን ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ! ብዝተፈላለየ ምኽንያት ቤት ማእሰርታት ወልጀል መርመራን ሰንበልን ጥዒምናየን ኢና! ባኮ ሽጋራ ጉቦ ሂብና ንወጽእ ስለ ዝነበርና ግን ተኣሲርና ክንብል ኣይንኽእልን። ባዕዳውያንን ገዛእትናን ስለ ዝኾኑውን ካብኣቶም እንጽበዮ ነገር’ዩ። ዘይንጽበዮስ ካብዚ ሕጂ ናጻ ኣውጺኤኩም እናበለ ናብ ዲቕ ዝበለ ደልሃመት መግዛእቲ ምልኪ ኣእቲዩና ዘሎ ጉጅለ’ዩ! ከም ግቡእ ሎሚ ክንቀስን፣ ሎሚ ክንጸግብ፣ ሎሚ ክሓልፈልናን ክርህወናን እዩ ዝግባእ ኔሩ! እዚ ግን ኩሉ ብኣንጻሩ ኮይኑ! ስለዚ ደርፊ ‘ዘበን’ያ ግሪምቢጥ ማይ ንዓቐብ…’ ብርግጽ ነዚ ዘለናዮ ኩነታት’ያ ትገልጽ። የቐንየለይ።

    ሓው መሲናስ

  • Truly Truly i say to you July 31, 2014

    ወይ ጉድ! ሥርዓት ኣልቦ ማፍያዊ ግዝኣት ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ኤርታራ ንዝፍጽሞ ዘሎ ገበን ናይ ብሃቂ ካብ ሕዝቢ ዓለም ዝተሰወረ ኾይኑ ስለዝተሰመኣኩም ድዮ መሰኻኽር ዝድለየሉ ምኽንያት? ንምዃኑ ነቲ ዝገበሮ ግፍኢ ብስርዓታዊ መልክእ ምቕራቡ ግቡእን ዝድገፍን እዩ። ግናስ ናይ ኢስያስ ሃጥያት ሙሉእ ዓለም ዝፈልጦ፣ ጸሃይ ዝሞቆ ጉዳይ ብምዃኑ ናይ ግድን ናይ ውልቀ ሰባት ተወሳኺ ምስክርነት ብዙህ ዝደልዮ ኾይኑ ኣይስምኣንን። እንታይ ንማለት እዩ፣ ሕዝቢ ዓለም ቛንቛ ትግርኛ ስለዘይሰምእ ነቲ ኢሳያስ ብቃልን ብግብርን ነቲ ኣብ ልዕሊ ሕዝብና ንዝገብሮ ግፍኢ ያኢ ኣይፈልጦን እዩ ኢልኩም ትስከፉ ተለኹም ትጋገዩ ኣለኹም። ኣይ ኣግሂዱ ብናይ ዓለም ዜናታት መራከቢታት፣ ንኣብነት ምስ ኣልጃዚራ ጋዜጠኛታት ሪዝ ካሀንን ምስ ጄን ዳተን (with Aljazira journalists Riz Kahn and Jane Daton)ኣብዝገበሮ ቃለ መጠይቕ እንድዩ ንሕዝቢ ኤርታራ ቅንጣብ ኣክብሮት ከምዘየብሉ ባእሉ ኣግሂዱ ዝተዛረ ካብዚ መልሲ ንላእሊ መሰካክር የድልየና እዩ ኢልካ ምስካፍ ቁሩብ ከይገረመኒ ኣይተረፈን። ሀደ መራሂ ሀገር እዬ ዝብል ውልቀ ሰብ፣ በቲ በብእዋኑ ሀገር እሾኽ ኮይናቶ ሃጽ ኢሉ ብዝስደድ ዘሎ ዜጋኻ ትግደስ ዲኻ ተባሂሉ ምስተሃተተ፣ ንምንታይ እዬ ዝግደስ ብዛእባ ንሽርሽር ኢሎም ዝወጽኡ ሰባት ኢሉ ከባጭው ከምዘይተሰምኤ፣ ናይ ምንታይ ዲሞክራሲ! ናይምንታይ ምርጫ! ናይ ምንታይ ነጻ ፕሬስ፧ ዲሞክራሲ ማላት እንታይ እዩ? ንኣኻ ንኣኺ መን እዪ ዝቆጸረካ(ኪ) እናበለ ነቶም ጋዜጠኛታት ድህሪ ምልጋጽ፣ ኣብ ኤርትራ ምርጫ ምናልባት ድህሪ ሠላሳ ወይ ኣርብ ዓመት ካልእ ይትረፍ ንሃዋሩም ንከይንግብር ንክእል ኢና ኢሉ ኣብ ልእሊ ሕዝብና ንዘለዎ ንእቀት ከምዘይገለጸ፧ በደይ ሰባዓዊ መሰላት፣ ግቡእ ሕግን ፍትሕን፤ ንሀገር በደይ ቅዋምን ምርጫን፣ ብሥርዓት ኣልቦነት እናሰቃየኻ ካብምግዛእ ንላእሊ ዝኣበየ ገበን ኣሎ ድዩ? ዋላስ ነቲ ናይ ውሽጢ ሀገር ጋዜጠኛታት ንዘቅረቡሉ ህቶታት፣ ሕዝቢ ብስኣን ማይ ህጽረትን ኤሌክትሪክን ጥምየትን ይማረር ኣሎ ኢሎም ምስ ሀተትዎ፣ ማይ ተደልዮም ናብ ማይ ዘለዎ ቦታ ይውረዱ። ኤሌትሪክ ምናልባሽ ናይ 40 ሜጋ ዋት (ናይ ሃንቲ ኣባይ ፋብሪካ ናይ ጸዓት ጠለብ ዘይተማልእ) ክንሰርሃሎም ንፍትን ኢና ኢሉ ንዘባጨዎ ቛንቛ ትግርኛ ስለዝኾነ ሕዝቢ ዓለም ኣይርድኦን እዩ ኢልኩም ሰጊእኩም? ብዛእባ ግልጹነትን ተሃታትነትን ኣድላይነት ኣልኢሎም፣ ነቲ ወርሃዊ ደሞዙ ክንደይ ምኻኑ ክነግሮም ምስሃተትዎ ፥ መን ኮይንኩም ኢኹም ትሃቱኒ ብዘስምእ ቃና፧ መን ኣሎ ድዮ ብደሞዝ ዝቆጸረኒ ኢሉ ብትግርኛ ፣ ብእንግሊዘኛ ተርጚምካ ነቲ ኣብ ሕዝቢ ዘለዎ ንእቀትን ኣሽካእላል ከም ኣቢ ምስክርነት ምቕራቡ ዘይከኣል ስለዝመሰለኩም ድዩ ናይ ውልቀ ሰባት ተወሳኪ ምስክር ዘድለየኩም? ብኣቢኡስ ብ ኣሜሪካን ርዋንዳን ንዝቀረበ ናይ ሰላም ጻዊኢት ነጺጉ ንሣልሳይ ግዜ ውግእ ባድሜ ንክቅጽል ንበይኑ ወሲኑ ብሃጺር ዕዋን ልዕሊ 24ሹህ ዜጋታት ኣጽኒቱ፣ ብእጽፊ ኣሰንኪሉ ናይ ሚልዩን ዜጋታት ናብራ ኣየዘናበለን ድዩ፧ ነቲ ውግእ ብሰላማዊ መንገዲ ንክፍታህ ንዝማኣድዎ ሚኒስትራትን ንጹሕ ዜጋታን ብደይ ፍርድን ፍትሂን ሃይሩ ብሜላ ከምድሃቁ ኣይገበሮምን ድዩ? ዋላ ነዚውን ሕዝቢ ዓለም ስለዘይፈልጦን ወይ´ከኣ ቀሊል ገበን ስለዝተቆጸረ እዩ ተወሳኽ ሚልዮን ገበናት ክእከብ ዝተደለየ? እቶም የእሩክቲ ኢሳያስ ዝነበሩ ሳዳምን ቃዛፊን´ኮ እንትወሃደ ብምርጫ ነሮም ናብ ስልጣን ዝወጽኡ ዝነበሩ። ንህዝቦምን ንሃገርም´ውን ከምዚ ከም ኢሳያስ ብዘስካህክህ ግፍኢ ደይይኮነ እንተዋሃደ ሕዝቦም ብሃገሩ ንክሰርህ ንክማሃርን ንክነብርን የፍቅድሉ ነሮም። በጃኹም እባ ህሰቡን ኣስተውእሉን! ቅንእናን ለባምነትን ካብ ሕዝቢ ኤርትራ ስለዝረሃቀን ስለዝተሰኣነን እንበር፣ ኣብዚ ዓለም´እኮ ከም ኢሳያስ ድኹም፣ ጨካንን ኣረመኔን ሰብ ፈጺሙ ኣይተራኣየን።

  • B. Michael August 2, 2014

    ርእይቶ ስምን ዛንታን ትውፊትን
    ንስም (መጸውዕ) ሰብ ከም ኣካል፡ ንስም ህዝቢ፡ ንስም እንዳ ከም ዓዲ ከም ሃገር ሓያል ዘይምጡን ዋጋ ንህቦ፡ ልማድ ሓያል ኢዩ፡ ኣውራ ህዝቢ ኣብ ክርስትና ምስ ኣመነ ግዲ ይኀውን፡ ብልማድ ንትምኒት፡ ንተስፋ፡ ንወፈያ፡ … ብጥንቆላ ካብ ገለ ሓደጋን ዕየናን ንምድሓን ዚብል ሕልና ይድርኀና፡ ካን ዘይክርስትያን ሕልና ደረብና ምበልና ግዲ
    ብኣምሆ፡ ስለ ሓበሣ፡ ምድሪ ባሕሪ፡ ባሕሪነጋሲ፡ ኣብዚ ሞሮገጻት ኣልዓልና፡ ካልእ መጸውዕ ነበረ ዚብሉና፡ ከም “ማእከለ-ባሕር” “ሓማስየን” ውሕስነት ወይ መስካሪ ዛንታ ዘይብሉ መጸውዕ ይኀውን፡ እቲ ዳሕራይ ስም ብሓውር ሓደ ንኡስ ክፍሊ መረብ ምላሥ ኢዩ፡ ብመዋ. 16-19 ድክ. ገለ ጉልታዊያን እንዳታት ሓማስየን ምስ ኣምሓራ እቶም ጎንደር ዝቐረበ ርክብ ነበሮም
    ደቂ ኣቶሥም፡ ጎዶቦታት እታ ከተማ ኣስመራ፡ ካብኦም ሓደ ክፍሊ፡ ጸዓዘጋን ሓዘጋን ምስ አንዳ ንጉስ ጎንደር ክሳዕ መውስቦ ዝበጽሐ ፖሊቲካዊ ጉልታዊ ስርዓት ኣታሊሉዎም ስም ዚድብልቑ ሓበርቲ ግዲ ነበሩ፡ ንብሓውር መረብ ምላሥ ብውንዙፉ ሓማስየን ግዲ በሉዎ፡ ካልእ ከምኡ ብእመታ፡ ብሃሰሰ-ለባም፡ ሓንካስ ዘውረዮ ጋላቢ ዘይመልሶ ኪኀውን ቀሊል ኢዩ፡ ብዝተባህለ ተደገመ፡ ዘይምርሙር፡ ግሙይ ብሂሉን ኣሰይማኡን ይህሉ፡ ዓዲን ነገድን መበቆልን፡ እቶም ተዋህዶ ደቡብ (ኣምሓራ) ምስ ወገናት ኪነጀው መረብ ኣጸቢቖም ከይተላለዩዎ ክሳዕ ኣብ ብራና ዘመልክቱዎ ዘይእሩም ነገራት ጆግራፍ ኪርከብ ኣየገርምን
    ገለ ዚድቁን ወይ ቅሥነት ዚሥምት ከምቲ ሥመት ዚእልሥ ትግራዊ ተዛራቢ ባዕሉ ከይነግስ ናብቲ ወገናት ኣምሓራ ግዲ ይወርድ ይዋረድ ነበረ፡ ንሱ ኣይንሳን፡ ናብቲ ጎንደራት ዚፈልስ ብዝሓበሮም ወይ ግጉይ ብዝተረድኡዎ ዶ ይኀውን፡ ንኣብነት፡ ንክፍላት ሎማዊት አሪትራ ሓማስየን ኪብሉዎ፡ ርግጽ ሰኣን ጆግራፋዊ ኣፍልጦምኦም ነበረ፡ እቲ ክፍላት ኣከለጉዛይ ላዕላይ ቡርን ታሕታይ ቡርን ነበረ፡ ኣልቫረዝ ኪብል አንኮ ምሕደራ ዝነበሮ ንጉስ ኣምሓራ እቲ ልብነድንግል ኪብለጽ ኣብ ክልተ ኪገምዖ ያ ወሰነ፡ ሰለጦዶ ብፍላይ እቲ ግራይ ከይተሰልበጦ፡ እቲ ብሓውር ጽልማ? ዝሓወሰ ዲዩ ድሩይ ኣብ ድባርዋ፡ ኣሮን ሓዉ ኣብቲ ሰራየ መንደፈራ ኣቢሉ ዚገዝኣሉ / ዘናበረሉ (1ይ ክፍላ መዋ. 16 ድክ.) ብምድሪ ባሕሪ ወይ ማእከለ-ባሕር ኣይተጸውዐን፡ ኣምሓራ ካልእ ጽኑዕ መገለጽ ምስ ሰኣኑ፡ ካብ ብራና ብደውሣ ብምንጠላ ነዚ ዓይነት መጸውዕ መቅዋረን ይገብሩዎ
    እዚ ምስ ርእይቶ እንኮ ምዕራፍ! “በረኀት ቀዳሞት” ሓተታ ክብረኣብ ተወልደብርሃን (ኢንጅ.) ምስ ሙስየ ተስፋጊዮርጊስ (ዶክ.) ክነልሕሞ የኅፍእ ይመስል፡ ግን ኣብዚ ረዚን ዚመስል መጽሓፍ ትውፊት፡ ዛንታ፡ ፍላይ ዚንኣድ ስሙር ወፈራ ክልተ ንጡፋትና ዘንቀሉዎስ ዝተባህለ ዚድገም ዘየተኣማምን፡ ዝተጸሓፈ ኪጥቀስ ከም ዘሎዎ ኪጥቀስ ኣይግባእን፡ ድሮ ካብ ሓያሎ ወለዶ ሳዕበናቱ ይኀፍኣና ኣሎ፡ አሪትራ ዚብሉዋ ሃገር ዶ ወገን ዶ ብሐር ኣይነበረትን ዚብሉ፡ በቲ ዕሩቕ ስም ምሁዝ ጣልያን ወረርቲ እቶም ኮሎኒያሊስት ዚብለጹ እምበር በቲ መሰል ህዝቢ ዝወነኖ ወገን ዓዲ ስርዓትን ሕጊን ዕሊን እመንትን ዘሰንዮ ስም ኣይማጎቱን
    ብሓውር አሪትራ ብሐር ከምቲ ምዕራባዊያን እቶም ምዕራብ አውሮጳ ኣብ ዝቐረበ እወ ኪነጅው ፊዳልዊ ዘበኖም ዘዓመሩዎ ክሳዕ ሎሚ ዚርአ nation / nation ዚብሉዎ ዓይነት ካን ከም ቅዱስ ዲዮም ዚግምግሙዎ ኩሉሳዕ ምስኣቶም ዝነበረ ዝግምግሙዎ ስርዓትን መንግስቲን ኪምዘን ኣየድልዮን፡ ህዝቢ መንጎ መረብን ባሕሪን ናቱ ብሐርነትን ስርዓትን ሕጊን በብናቱ ብዕሉ ተናባሪን ህዝቢ ወይ እንዳ ምስ እንዳ ከም ዝነበረ ምድጋም የድሊ፡ መኣስ ብሕጊ ኣምሓራ ተናበረ! ኣምሓራ እባ ነቲ ወገኑ ከመይን በየናይን ስርዓት ኣበየናይን ደረት፡ ከመይ ዝበለ ፖሊቲካ፡ እንኮነቱ መስከረ እቲ ሥዋ ዚብሉዎ ምስቲ ደምቢያ ዚብ,ሉዎ ምስቲ ጎጃም ዚብሉዎ … እንታይ ዓይነት ጉልታዊ ስርዓት ጠመሮ ኣስመሮ ከም እንኮ ሃገር ሃነጾ … ዚሕተት ብዙሕ ኣሎዎ
    እዞም ክልተ ህርኩታት ወፈርቲ ትውፊት ከመይ በዚ እዋን ክቱር ሁከትን ሥጋርን “በረኀት” ተረኣዮም፡ አንቅዋዕ ከኣ ቅብጸት ኣይበቆጾም፡ ከምቶም ድህለት ዝነውነዎም ኣብ ንእስነቶም ራዕ ዘበሎም እንቅዋዕ ራዕ ቢሎም ኣይተረፉ፡ ዘልዓሉዎ ዛዕባ ንዛንታ ሎሚና መሰረታዊ ኢዩ፡ ከመይ መንእሰይ ህዝቢና ዓዱን ዓውዱን ይገድፍ፡ ናብ ስደት ይጸድፍ ኣሎ፡ መንእሰይ ሎሚና ነታ እንኮ ዋልታ ሓቦ ቀዳሞትና ኣራገፋ ግዲ፡ ብዓመታት ደሃል ስርዓት ሣዕቢያ ሳዋ፡ ደሃጺ እሞ መንጣሊ ናጽነትን ክብረትን፡ ዘራጊ መንነት፡ መዝባሪ ሕድሪ ኢዩ፡ “ስርዓት” አክላ ወይ እዚ ጋንታ ወይ ውድበ ኪበሃል ኣይግባእን
    ገድሊ ኣቡነ ፊሊጶስ ዝበረነ፡ ዝበረነ መን ክንብሎ፡ መኣስ በረኖ፡ ድሕሪ ሞት እቲ ዕሉል ፈላሲ፡ ግን ዓመት ወይ ወለዶ ፈቒድና ኣይንእምትን፡ እንተ ቀልጠፈ ብመዋ. 15ይ ይኀውን፡ “በጊዝየ … ምንዳብየ … ሑሩ ሃበ ምድረ ሓምስየን ወቡር ..* ዚብል ዓይነት ለበዋ-ዕድመ ዘንበብኩሉ ሓያሎ ዓመታት ኮይኑ፡ እዚ እሩም ጥቕሲ ኣይኮነን፡ ነቲ ብራና ብሓዲስ ክምልከቶ ኣይጠዓመንን
    ናብ ምድሪ ባሕሪ ወይ ማአከለ-ባሕሪ ኪዱ ኣይብልን፡ እወ ከምዚ ሎሚ ውልዶ ሰብና ናብ ስደት ከይጸደፈ፡ ዝተሰዱ ይቕበል ነበረ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘማቶኦም፡ ከመይ ኢዩ፡ ነዳያቶም ከም ዓቀይቶቶም ናብ መረባዊ ሩባና ዚጎዩ፡ ብስነዛንታና ኣይተመርመረን፡ ዝተዘከረ መዋ. 15 ከኣ መዋዕል ወሮበላ ነጋውስ ይስሓቕ፡ ዘርአ ያዕቆብ ነበረ፡ እዚ ዳሕራይ ኣብ ኮተት? ዕምሩ ኣብ ደቡብ አሪትራ ዝተጣየሰ ገዳም ከም ደብረማርያም ግዲ ተዓቖበ፡ ተመሃረ
    ኣርእስቲ “በረኀት” ከም በረከት ምግቢ እንዶ ኢዩ፡ ዘይልሙድ አሞ ደማዒ ኣርእስቲ ዝመረጹልና ይመስገኑ፡ ነቲ ፈጠራ ሰረዳ ከም “ሓቂ ዛንታ” ኪውከፉ እንቅዋዕ ኣየታለሉ፡ “ሓቀኛ ዛንታ” ኪዕድሉና ዝጸንሑ መንፈሶም ተደጋልቲ ዲዮም ብክልተ ገጽ የታልሉ፡ ፈለማ ነቲ ጽዋኦም “ዛንታ” ይብሉዎ፡ ካልኣይ ሓሶት ዛንታ ከም ዚፈልጡልና “ሓቀኛ” ኢዩ ይብሉና፡ ምስ ሓቂ ገለ እንተ ተዛመደ ኣብ ተመክሮ መዳ ስለ ዝገጠሞም ከዕልሉ ይህቅኑ፡ ደጊም ግን ብርዒ ዝሓዙን ዝሓዛን መርኣይቲ ድርሰት ከስፍሑልና ንማሕጸን
    ዝገንጸልኩዋ መጽሓፍ እንጂ. ምስ ዶክ. ኣብ በትንባብ ረኀብኩዋ፡ ሓደ ዘንብብ ዲዩ ዘይመጽሓፉ ዚጽይቕ፡ ብርሳስ ካብ ‘ምስጋና’ ገጽ vii: ‘መቕድም’፡ ‘ምዕራፍ’ ገጽ 1-2 ሓያል ኣመልከተላ፡ ንሱ ገለ ሓሳብ ከቐብል ብሓደ ገጹ ደረኀኒ፡ ከመይ ዝሓሠ እሞ ዝረግአ መገለጽ የድሊያ ይምስለኒ፡ ጽሕፍቲ በረኀት፡ ጊዝየ ግን ይኀልእ፡ ስደት ዓቕሊ የጽብብ ኣሎ ንያት የዕርብ፡ ብሓቦ ገለ ርእይቶ ምሃብ አኁል እንተ ዘይኮነ፡ ካልእ ዝነጠፈ ወሰን ቢሉ ኪምርምራ ክንደይ ምደምዐ
    እዛ ጽሕፍቲ፡ 280 ገጻ፡ ብዙሕ ዘዛርብ ቅዲ ሰዋስው ኣሎዋ፡ ነዚታት ዝል ንብሎ፡ ኣብ ውንዙፍ ዛዕባ ልማድን ትውፊትን መነንትን ክንኣቱ፡ ክልተ ሓለይቲ ካብ ዘበን ሃሠፕሱት-ቱትሞሲስ 3ይ (1500-1400 ቅክ.)ኪጠቅሱ ርሑቕ ጥንቲና በጽሑ፡ ምስቲ ፑንት ኣማሱ ምስ ሓማስየን፡ ምስ ኣዱሊስ ኮነ ተጋሩ ዚቑረን ጥቕሲ ካ. ኮንቲ ሮሲኒ በቲ ዋሕስ ዘይብሉ ስልቱ ዘመልከቶ ነገር ኢዩ፡ ኣብ መወከስ ከም ዚሕበር ግን Edward Wagner ኣብ አንሲክሎፐዲ ኣይጠቕሶን፡ እዚ ረዚን መርማሪ ልሳናት ወገናትና ኢዩ፡ ስሙ ምስ “ሓማሱ” ስሩዕ ምስ ረኣኁ ብሓቂ ገረመኒ፡ እሙት ስም ብሓቂ ዘጠራጥር (ሓሶት ከይንብሎ) እንተ ተጠቐሰ ኪጥርጠር ደኣ ይጠቐስ
    ጠቓሲ መዘከር ፎርዖን ቱትሞሲስ 3ይ ካልእ ኢዩ፡ እቲ ንሓማስየን ኮነ ተጋሩ ኮነ ኣዱሊስ ዚትንክፍ ዚመስል ዝርዝር ኣብ አንሲክሎፐዲ ኪስተር ንባዕሉ ድፍረት ስነዛንታ ኢዩ ምበልኩ፡ ኣብዚ ምዕራፍ ዚልጠፍ መወከስ ዛንታና ኣገዳሲዶ፡ ካብኡ ዚሓይሥ የልቦን ምበልና፡ ግን ሰንኮፋይ ኢዩ፡ ካብቲ ዛንታ ጸዓ. ሃ.ዘጋ፡ ሩ. ፐሪኒ፡ ኣ. ፖለራ፡ ሚካአል ሓ. ዘይተርፈና፡ ተሪር ምሕታትን ሓያል ምጥርጣርን ድልዱል ምምማይን ይጠቅም፡ እዚ ዓይነት ውጉእ ጸሪ ኣምሓራን ትግራይን ከኣ የድሊየና ኢዩ!

POST A COMMENT