Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Voice of Assenna: Intv with Mr Kibrom Dafla Re Investment and Infrastructure in Eritrea (Final)

http://www.youtube.com/watch?v=HY9q8aA5MtA&width=200&height=200

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Mesinas April 30, 2013

    ዝከበርኻ ሓው ክብሮም ዳፍላ ሰላም፡ ስለ’ቲ በብግዜኡ እናመጻእካ ነቲ ባህሊ ጃንዳ ህግደፍ ዘይኮነ ሓብሬታ ንህዝብኻ ብምክፋል ሃገራዊ ግቡእካ ብምፍጻም ሕልናኻ ዘርዊ ስራሕ ብምስራሕካ እናኣመስገንኩን እናኣመጐስኩን ኣብ ቀጻሊውን ካልእ ካብ ቁጠባ ወጻኢ፡ ካልእ ጉድ ጉጅለ ህግደፍ ናብ ህዝቢ ብምቅላዕ ኣብ ወፍሪ ሃገርን ህዝብን ካብ ጥፍኣት መላኽን ዕዉራት ሰዓብቱን ንምድሓን ኣበርክቶኻ ክተካፍል እላበወካ።

    መንግስቲ እንተ ኢልኩሞ!

    መንግስቲ እንተ ኢልኩሞ ንጉጅለ ማፍያ
    እዚኣ ንባዕላ ናይ ገበን ገበን እያ፡
    ላህመት መንግስትነት ንኣሰር ዘይብሉ
    ከመይ ጌርኩም ኢኹም መንግስቲ’ዩ እትብሉ!?

    ሓበሬታ ምርካብ ብምዃኑ መሰሉ
    ናብ ኣልቡማት ህግደፍ ህዝቢ ቁሊሕ ኢሉ፡
    መሰልዶ ግን ይፈልጥ’ዩ ጉጅለ ሸፋቱ
    ጸማምከ ይሰምዕድዩ እዝኑ እንተ ሎኲቱ
    እንተ ደለየ የጽቅጥ እንተ ደለየ የዘንቱ
    መን ይእውዶ ድዩ ኣብ ገዛእ መስኮቱ
    ኪዓጽዎ ኪከፍቶ ኣልቡም ናይ ብሕቱ!

    ህዝቢ’ኮ በሃም’ዩ ዚዛረቦ የብሉን
    መጽዓኛ ህግደፍ’ዩ ከም ኣድግን ከም በቕልን
    ከመይ ኢሉ ኪሓትት ንኽብርን መሰልን
    ኣብ ልዕሊኡ ከሎ ኩርማጅን ሽሞልን
    ግዜ’ዩ ዚጽበ ብተስፋን ብዓቕልን!

    ግዜ’ወ እዚ ግዜ መጻእን ከያድን
    ኩሉ ዘርኣየና ናጽነትን ቀይድን
    እዚ ህዝቢ ኤርትራ ዓቃልን ጸዋርን
    ሽግር እንተ መሪሩ መከራን ሕሰምን
    ግዜኡ ምቕራቡ እቲ ራህዋን ሰላምን
    ካብ ተመኩሮኡ ንሱ’ዩ ዝኣምን!

POST A COMMENT