Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Voice of Assenna: Naming & Shaming those Morally Bankrupt Eritreans who Danced on the Graves of the Lampedusa Victims

https://www.youtube.com/watch?v=8uOirkBO5rg&feature=youtu.be

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • woldino July 10, 2014

    atum sebat eti meftihi tenegiruna alo bi hizbawi minkiskas niharnet “mielay dictator” dos ” we are protecting Eritrea main bad character (Issaias)” I mean kem bad guy in movie ninihfo alona. it is clear removing Issaias and only issaias is the solution,

  • CIA July 11, 2014

    Thanks assenna for sharing the song (teem Nehru),,,, to be honest with my fellow Eritrean, lets minimize talking in paltalk and maximize working on change, because to me spending more time on paltalk and dissscusing on starbacks(caffe place);; is a day dream you can’t liberate your people with discussion, you have to start the revolution by then you will separate the weak from the strong.when I heard some people expect the change from inside, it is like leave your duty to somebody else. We have to repeat the EPLF way of working to liberate our people. The opposition party have been in the position for decade but I haven’t heard even one day attacking the regime.

  • Mesinas July 12, 2014

    ካብ ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ፡ 2200 ዝሩዓት ንምልክን ስቓይ ምሕዳራኡን ምድጋፎም ኣየድንቅን’ዩ። ታሪኽ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ብዚኾነ ፍሉይ ረብሓን ጥቕምን ኣብ ጎድኒ ገፋዒ ሓይሊ ደው ኢሎም ምርኣይ፡ ቅቡል ደኣ ኣይኮነን’ምበር ንቡር’ዩ። ጽባሕ ንግሆ ዋላውን ብሕጊ ይተሓተቱ ኣይተሓተቱ ብዘየገድስ ብተግባሮም ክሓፍሩ ስለ ዝኾኑ፡ ናብ ኣደባባይ ኣውጺእካ ምቅላዖም ኣገዳሲ’ዩ።

    ሓበሬታ ብዛዕባ እሩም ቋንቋ፥

    ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ሰላም። ሎሚ ንግሆ ኣብ ድምጺ መድረኽ ዝሰማዕኩዎ ዜና ስለ ዘሰከፈኒ ብዛዕባኡ ገለ ክብል ተገዲደ! ንኽቡር ኣቦ ፖፕ ፍራንስስ (Pope Francis) “ፖፕ ፍራንስስ ጋዜጠኛ ዳዊት ይስሓቕ ንምፍታሕ ዘሎዎ ደገፍ ኣፍሊጡ!” ብምባል፡ ኣታ ኢሎም ክጽውዕዎም ሰሚዐ። ኣታን ኣንቱምን ሓዋዊሶም ኣቕሪቦሞ። ኣብ ባህልና ይዕበ ይንኣስ ንመራሒ ሃይማኖት፡ ኣንቱም እምበር ኣታ ኣይብሃልን’ዩ! እዚ ባህሊ’ዚ እቶም ኣብ ቻይና ብስርዓት ማኦ እምነቶም ዘጥፍኡ መራሕቲ ህግደፍ ካብ በረኻታት ኤርትራ ናብ ዓዲታት ኤርትራ ሒዞሞ ዝኣተዉ ሕሱርን ፍንፉንን ባህሊ’ዩ።

    ደጋጊምና ከም እንገልጾ እቲ ሎሚ ዝያዳ ከሰክፈና ዘለዎ እቲ እዚ ርጉም ስርዓት ግብኣተ መሬቱ ምስ ኣተወ ምሳኡ ዝቕበር ግህሰት ሕግን ሰብኣዊ መሰልን ዘይኮነስ እቲ ብድሕሪኡዉን ናብ ንቡር ንምምላሱ ነዊሕ ግዜን ሓያል ጻዕርን ክሓተና ዚኽእል እቲ ንሱ ኣባላሽዩዎ ዘሎ ክቡር ባህልን ጽፉፍ ልምድን ህዝቢ ኤርትራ ሙዃኑ ተገንዚብና፡ ካብ ሕጂ ጀሚርና ብዕቱብ ክንሰርሓሉ ከም ዝግባእ ምግንዛብ ከድልየና’ዩ። በዚ ኣጋጣሚ ነፍሲ ወከፍ ጋዜጠኛ ይኹን ስነ ጥበበኛ ብዕቱብ ከስተውዕለሎም ዘሎዎ ኣጋባባት ኣጠቓቕማ ቋንቋ፡ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ወጺኡ ዝነበረ “እሩም ቋንቋ” ዘርእስቱ ጽሑፍ ደጊመ ንእግረ መገደይ ወስ ከብለልኩም ፍቐዱለይ?

    ፍቑራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን፡ ኣብ ናይ ሎሚ “ጣዕሞት እሩም ቋንቋ” ጽሑፈይ፡ ነዘን ቅድሚ ሕጂውን ገሊጸየን ዝነበርኩ’ሞ ገና ብተደጋጋሚ ዳርጋ ብኹሎም ጋዜጠኛታት ማለት፡ ናይ ህግደፍን ናይ ተቓወምቲ ሓይልታትን ዝፍጸማ ዘለዋ ንኣሽቱ ጌጋታት ግን ከኣ ዓቢ ሳዕብየን ዘሎወን ጉድለታት’የ ደጊመ ከነጽረን ክፍትን’ሞ ሓደራ ነፍሲ ወከፍ ተዛራቢ’ዚ ቋንቋ የስተውዕለለን ብምባል ድማ እምሕጸን።

    ንስኹም፡ ንስኽን፣ ንኣኹም፡ ንኣኽን፣ ምሳኹም፡ ምሳኽን፣ ብኣኽን፡ ብኣኹም፣ ናትኩም፡ ናትክን፣ በጃኽን፡ በጃኹም፣ ናባኽን፡ ናባኹም፣ ክንዳኽን፡ ክንዳኹም፣ ካባኽን፡ ካባኹም፣ ባዕልኹም፡ ባዕልኽን፣ ሳላኽን፡ ሳላኹም፣ ወዘተ. ንሓደ ወይ ንሓንቲ ሰብ ጥራይ ኢና ንጥቀመሎም፤ ንጽል’ዮም። ንናይ ክብሪ ማለት፡ ንናይ ሰብ ዕድመ ጸጋን ንኣርካናትን ኢና መጸውዒ ንጥቀመሎም።

    ንስኻትኩም፡ ንስኻትክን፣ ንኣኻትኩም፡ ንኣኻትክን፣ ምሳኻትኩም፡ ምሳኻትክን፣ ብኣኻትክን፡ ብኣኻትኩም፣ ናታትኩም፡ ናታትክን፣ በጃኻትክን፡ በጃኻትኩም፣ ናባኻትክን፡ ናባኻትኩም፣ ክንዳኻትክን፡ ክንዳኻትኩም፣ ካባኻትክን፡ ካባኻትኩም፣ ባዕልኻትኩም፡ ባዕልኻትክን፣ ሳላኻትክን፡ ሳላኻትኩም፣ ወዘተ. ምባል ንብዙሓት ማለት ንካብ ክልተ ንላዕሊ ዝኾኑ ሰባት ከም ንጥቀመሉ ክሕብር እፈቱ። ንቃላትና በቲ ግቡእ ትርጉሙ እናተጠቐምና፡ ሰማዒና ከነርውን ክንምህርን ንፈትን ሓደራ እብል። ካልእ፥ ምንጻር ዘድልየን ኣዝየን ኣገደስቲ፡ ምስዚ ልዕል ኢልና ዝጠቐስናዮ ዝሰማምዓ ክልተ ተውላጠ-ስም እውን ኣሎዋ።

    ኣብ መንጐ ኣንቱምን/ኣቱምን፣ ኣትንን/ኣንትንን ዘሎ ፍልልይ ብግቡእ ምግንዛብ ከድሊ’ዩ። ኣንቱም፡ ናይ ሓደ እቤር (ሽማግለ ኣቦ) ናይ ክብሪ መጸውዒ ተውላጠ-ስም እዩ። ኣንትን እውን ከምኡ ናይ ሓንቲ እቤርት (ሽማግለ ኣደ) ናይ ክብሪ መጸውዒ ተውላጠ-ስም እዩ፤ ኣቱም ማለት ግን ንብዙሓት ሰባት ማለት ንካብ ክልተ ንላዕሊ ዝኾኑ ሰባት እንጽውዓሉ ተውላጠ-ስም እዩ። ኣትን እውን ከምኡ፡ ንካብ ክልተ ንላዕሊ ዝኾና ደቂ ኣነስትዮ ንምጽዋዕ እንጥቀመሉ ተውላጠ-ስም እዩ። ስለዚ፡ ሓደራ ንክልቲኡ ኣብ በቦታኡ’ምበር እናሓዋወስና ኣይንጠቐመሉ። የቐንየለይ።

    ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!

    ካብ ሓውኹም መሲናስ 12/07/2014

  • Selamawi' July 12, 2014

    ዝኸበርኩም ሓውና መሲናስ: “ንካብ ክልተ ንላዕሊ ዝኾኑ ሰባት እንጽውዓሉ ተውላጠ-ስም እዩ” ዝበልኩምዎ፥ ክለተ ወይ ካብ ክለተ ንላዕሊ ቢልኩም እንተ ኣርምኩምዎ ይሓይሽ እመስለኒ። ከመይ እንተ በልኩም፥ ድርብ ወይ ካብ ሓደ ንላዕሊ ዝኾኑ ኣካላት፥ ብብዙሓዊ ተውላጠ-ስም ስለ ዝስመዩ። ካብ ክልተ ንላዕሊ እንክትብሉ፥ ሰለስተ ክትብሉ ዝደለኹም ትጥዕሙ።

    ሰላምታ

  • Mesinas July 13, 2014

    ዝኸበርካ ሓው ሰላማዊ

    “ዝኸበርኩም ሓውና መሲናስ: “ንካብ ክልተ ንላዕሊ ዝኾኑ ሰባት እንጽውዓሉ ተውላጠ-ስም እዩ” ዝበልኩምዎ፥ ክለተ ወይ ካብ ክለተ ንላዕሊ ቢልኩም እንተ ኣርምኩምዎ ይሓይሽ እመስለኒ። ከመይ እንተ በልኩም፥ ድርብ ወይ ካብ ሓደ ንላዕሊ ዝኾኑ ኣካላት፥ ብብዙሓዊ ተውላጠ-ስም ስለ ዝስመዩ። ካብ ክልተ ንላዕሊ እንክትብሉ፥ ሰለስተ ክትብሉ ዝደለኹም ትጥዕሙ።

    ሰላምታ”

    ስለቲ ብቕጻሊ ብተገዳስነት ንምምዕባል ስነ ጽሑፍ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ንምዕባለ ቋንቋና ትገብሮ ዘለኻ ኣበርክቶ ብልቢ አመስግነካ። ነዛ ኣብ ላዕሊ ዝሃብካኒ እርማት ድማ ቅድሜኻ ሓደ ግዱስ ሓው ኣስተብሂሉላ ስለ ዝጸንሐ እርማት ሂቡኒ ኣሎ’ሞ ንኣኣ ክጽሕፈልካ መሪጸ። ደጊመ አመስግነካ። እታ እቲ ግዱስ ሓው ዝጸሓፋ እርማት እንሀት፥

    ዝኸበርካ Mahtem_Mariam

    “Dear Messinas,

    I commend your genuine concern in the usage of our language. A question for you: why is a plural form has to apply for more than two persons, instead of more thane one? (you wrote KAB KLETE NLAELI)

    Thanks”

    ክቡር ሓው ሕቶኻ ብግቡእ ተረዲአዮ እንተ ኮይነ “ንምንታይ እዩ እቲ መግለጺ ብዝሓት ኣብ ክንዲ ካብ ሓደ ንላዕሊ ካብ ክልተ ንላዕሊ ዚኸውን?” ኢኻ ትብለኒ ዘለኻ ይመስለኒ? ጽቡቕ ኣለኻ። ካብ ሓደ ንላዕሊ እዩ ዚብሃል። ክልተ ወይ ልዕሊኡ እንተ ኮይኖም ክብል’የ ካብ ክልተ ንላዕሊ ኢለዮ። ይቕሬታ? ንእርማትካ ድማ ኣዝየ አመስግነካ። እዚ ረቂቕ ምስትብሃልን ምግዳስን’ዩ። ንቐጻሊ ሓገዝካ ከይፍለየኒውን እምሕጸን። የቐንየለይ ክቡር ሓው።

    እስከ በል ኣብዛ ኣትስዕብ ምስዚ ኣልዒልናዮ ዘለና ኣርእስቲ ኣትኸይድ እርማት ዝተዋህበታ ጽሕፍቲ ኣላ’ሞ ገለ ጉድለታት እንተ ረኸብካላ ክትእርመኒ ብትሕትና ክሓተካ?

    “ኣቱም ኣሕዋት ማማ እምበር ሓሚማ
    መራሚርኩማዶ ካብ መን’ዩ ጸገማ?
    ኣቱም ኣሕዋት ማማ ትሓመና ኣላ ማማየ
    ኣቱም ኣሕዋት ማማ ትሞተና ኣላ ማማየ!

    ወገነይ ወገንካ *ጨንደል ምስ ወለደ *ከየሰመረ ተረፈ፣ ተበላሸወ
    ቁስላ’ዩ ዝጉዳእ ዳሕራይ ዚገደደ
    ዕዳጋ *ሃዚላት ጭርጭር ዓበደ *ዓያሹ
    ይዘንብዶ ኮይኑ ኩሉ ዚነጎደ
    ሓይልና ጥምረት’ዩ ተሳኒና ንዕየ!” ኢሉና ህቡብ ድምጻዊ ወዲ ህዝቢ ምሕረትኣብ ሚካኤል። ሓቂ ብሓቂ ጥምረትና’ዩ ሓይልና!

    ወዲ ሚኪኤል ኣንበሳ! “ኣብ ርእሲ ልብኻ እንተ ዝውስኹኻ” ከም ዚብሃል፡ ኣብዘን ልዕል ኢለ ጠቒሰየን ዘለኹ ናዕታታትካ፡ ካብቲ ንስኻ ኢልካዮ ዘለኻ እንታይ ምቅይያራት ጌረለን ከም ዘለኹ ከተስተብህለለን ብትሕትና እሓተካ ዝሓወይ። ምኽንያቱ፡ ኣንቱም ንብዙሓት ዘይኮነስ ንንጽል ኮይኑ ንዓበይቲ ወይ ድማ ንኣርካናት መጸውዒ እንጥቀመሉ ተውላጠ ስም እንድዩ ኣብ ክንዲ ኣንቱም ኣቱም እዩ ኪብሃል ዘለዎ። ከምኡውን የሕዋት ዘይኮነስ ኣሕዋት’ዩ ኪብሃል ዘለዎ። ኣብ ክንዲ እቲ ብዙሓት ዘይትርጉሙ ዝህቡዎ በሃማት (ዓባሳት) ምባል ሃዚላት (ዓያሹ) ምባልካውን ኣዝየ እየ ኣድኒቐካ። ከምኡውን ጨንደል (ከይሰመረ ተረፈ ወይውን ተበላሸወ) ንምባል ጨንደር ኢልካዮ ስለ ዘለኻ ኣብዚኣውን ናይ ሓንቲ ሆሄ (ፊደል) ጌጋ ብምግጣማ ነታ ቃል ትርጉም ዘይብላ ጌራታ ስለ ዘላ ንመጻኢ ዘይዝውቱራት ቃላት ኪትጥቀም ከለኻ ደጊምካ ክተረጋግጾ እላበወካ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ህዝቢ ብብዝሒ ዘይጥቀመሎም ቃላት ብምጥቃም ቋንቋና ኣብ ምህብታም ትጻወቶ ንዘለኻ ኣበርክቶ ድማ ብልቢ አመስግነካን አድንቀካን። ሓውካ መሲናስ።

  • TwoWayStreet July 14, 2014

    Mesinas,
    I would like to thank you for your concern and persistent reminder regarding our language usage.
    I would also like to remind you to further research on the word you used “TEWLATESIM”. I think this word is Amharic. The right Tignigna word would bi “Kindi sim”, I think the Amharic “TEWLATESIM” is “PRONOUN” in English, and “KINDI SIM” in Tigrigna.

  • Semhar July 15, 2014

    To save ERITREA we must know first who are our friends and our
    Enemies?
    #1 Enemy of Eritrea are the leaders of EPLF.

    Eritreans all over the world must read Tesfay Temnewo”s book.
    ንኣርብዓ ዓመታት
    ዝተቐብረ ጉድ!
    1972-2013
    ብተስፋይ ተምነዎ
    2013
    Eritreans must listen interview with Tesfay Temnewo to in the YouTube.
    1) Interview with Tesfay Temnewo Part 1 to Part 37.

    2) Interview With Veteran Fighter Yemane T/Gergish Part 1 to part 11.
    If you didn’t, please do!

    3) Listen to Voice of Assenna: Naming & Shaming those Morally Bankrupt Eritreans who Danced on the Graves of the Lampedusa Victims
    By assenna on July 10, 2014

    Any one who read the book will be able to tell who are our friends and who are our # 1 enemies.

    The mad dog Isayas because of his hideous crime he will be beaten to death and he will die just like his buddy Gaddafi?
    As long as Isayas, his son and HIGDEF rule Eritrea this misery will continue.
    The only solution is to get reed of Isayas, his son just like the Libyans did to Gadafi and his sons.
    Eritreans should unite and get reed the tyrant Isayas, his son and his blind followers HIGDEF.

  • Semhar July 15, 2014

    To save ERITREA we must know first who are our friends and our
    Enemies?
    #1 Enemy of Eritrea are the leaders of EPLF.

    Eritreans all over the world must read Tesfay Temnewo”s book.
    ንኣርብዓ ዓመታት
    ዝተቐብረ ጉድ!
    1972-2013
    ብተስፋይ ተምነዎ
    2013
    Eritreans must listen interview with Tesfay Temnewo to in the YouTube.
    1) Interview with Tesfay Temnewo Part 1 to Part 37.

    2) Interview With Veteran Fighter Yemane T/Gergish Part 1 to part 11.
    If you didn’t, please do!

    3) Listen to Voice of Assenna: Naming & Shaming those Morally Bankrupt Eritreans who Danced on the Graves of the Lampedusa Victims
    By assenna on July 10, 2014

    As long as Isayas, his son and HIGDEF rule Eritrea this misery will continue.
    Eritreans should unite and get reed the tyrant Isayas, his son and his blind followers HIGDEF.

  • Semhar July 15, 2014

    To Assenna foundation,
    Would you please interview the party member, the veteran Fighter of EPLF Yemane T/Gergish?

POST A COMMENT