Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Voice of Assenna: News and Commentary – Mon, May 09, 2016

https://www.youtube.com/watch?v=bIaDgEv8Zlg&feature=youtu.be

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • haddnet May 10, 2016

    Dear listeners, is you live in Leicester ind its environs, here below is the invitation alluded in the audio. We hope to see you there.
    Thank you Assenna for your help.

    ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡ ኣብ ከተማ ለስተርን ከባቢኣን እትነብሩ ኤርትራውያን ደቂ ሃገርና፡ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ኣብ ከተማ ለስተር ንዕለት 14 ግንቦት 2016 ካብ ሰዓት 2:00 ድ.ቀ ክሳብ ሰዓት 5:00 ድ.ቀ ሕዝባዊ ኣኼባ ክነካዪድ ስለዝኾና፡ ኣብዚ ኣኼባ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድመኩም።

    ኣብዚ ኣኼባዚ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሕዝብናን ሃገርናን ክንዝቲን፥ ጸገማትና ክንፈትሓሉ ዘኽእል እማመ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ክንማኻኸረሉን ኢና። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማት ኬድና ሕዝባዊ ኣኼባታት ከምዘካየድና ዝዝከር`ዩ። እዚ ናይ ሓድነት ኣኼባዚ ኣገዳስነቱ መዚንኩም ዕዙዝ ኣቓልቦ ሂብኩም ኣብቲ ኣኼባ ክትጽንበሩና ብኽብሪ ንጽውዕ።
    ዕላማ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ንኹላቶም ኤርትራውያን ክእክብ እምበር፡ ንኻልኦት ምንቅስቓሳት ክትእክእ ኣይኮነን። ግሉጽ ኣሠራርሓን፡ ሕዝባዊ ተሓታትነትን፡ ሕጋዊ ኣገባባትን ተኸቲልካ ናብ ድሕነት ሕዝቢ ውፈር ዝብል ኣተሓሳስባ ግን ኣጸቢቕና እነስምረሉ እዩ። ዕላማ ኮሚቴ ሓድነት ክትፈልጡ እንተደሊኹም ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሓጺር ጽሑፍ ተመልከቱ።

    ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ደቂ ሃገርና፥ ንኹላቶም እትፈልጡዎም ኤርትራውያን፥ ኣብዚ ኣኼባ`ዚ ክሳትፉ ተገዲስኩም ክትዕድሙልና፥ ብትሕትና ሓላፍነት ነሰክመኩም።

    ኣኼባ ዝካየደሉ ቦታ፦
    89 – 91 Crafton Street East, Leicester, LE12 DG
    ካብ ሰዓት 2:00 ድ.ቀ ክሳብ ሰዓት 5:00 ኣጋምሸት

    ብደሓን ምጽኡ!
    አሕዋትኩም፥ ኮሚቴ ሓድነት ኤትራውያን ንፍትሒ – ዓባይ ብሪጣንያ

POST A COMMENT