Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

VOICE OF ASSENNA: Panel Discussion Re Ethiopian PM’s Recent Call for Peace with Eritrea – Part 2

https://www.youtube.com/watch?v=_ix0WVdTJfg&feature=youtu.be

aseye.asena@gmail.com

Review overview
23 COMMENTS
  • ናትና ንግበር April 10, 2018

    መጀመርያ ኩሉ ተቓዋሚ ሓይሊ ናይ ኤርትራ ብሓደ ተጠርኒፉ ሓዲሽ መንግስቲ ንምፍጣር ክሰርሓሉ ኣለዎ ብድሕሪ’ዚ ነዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ናይ ሰላም ጻውዒት ከም ኣወንታዊ ስጉምቲ ብምሳድ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክመያየት ኣድላይ ኮይኑ ይስምዓኒ። ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ምልካዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣወንታዊ መልሲ ክጽበያን ናይ ምልካዊ መንግስቲ ኤርትራ ጸማም ደርፊ ክደርፋን «መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ መሬትና እንተዘይወጽዩ ኣይንመያየጥን»ግዜኻ ብኮንቱ ምጥፋእ ጥራሕ ኢዩ። ስለዚ ተቓወምቲ ሓይልታት ነ’ዚ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ሰላም ጻውዒት ተቐቢለን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክመያየጣ ብትሕትና ክሓታ ይግባእ ህዝቢ ኤርትራ እናጠፍአን ሓይሊ ዘይብልካን ግን ፍንጭራዕ ምባል ንዓና ኤርትራዉኣን ጎዳኢ ምዃኑ ክንርዳእ ይግብኣናኣ። ዝተሳዕረን ሓይሊ ዘይብሉን ንጻውዒት ሰላም ሃንጎፋይ ኢሉ ክቕበሎ ኣለዎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብይን ዶብ ብመትከል ተቐቢልናዮ ኢና ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ድማ ንመያየጥ ኢዩ ዝበለ ስለዚ ተቓወምቲ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ዝደርፎ ደርፊ ገዲፍና ምስ ኢትዮጵያ ናይ ሓዋሩ መፍትሒ ንምምጽእ ምምይያጥ እንተገበርና ዝበላጸ ይመስለኒ። ተቓዋሚ ሓይሊ ነ’ዚ ናይ ሰላም ጻውዒት ኣብ ረብሓ ኤርትራ ክጥቀመሉ ብትሕትና ሓሳበይ ይገልጽ።

  • ናትና ንግበር April 10, 2018

    መጀመርያ ኩሉ ተቓዋሚ ሓይሊ ናይ ኤርትራ ብሓደ ተጠርኒፉ ሓዲሽ መንግስቲ ንምፍጣር ክሰርሓሉ ኣለዎ ብድሕሪ’ዚ ነዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ናይ ሰላም ጻውዒት ከም ኣወንታዊ ስጉምቲ ብምሳድ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክመያየት ኣድላይ ኮይኑ ይስምዓኒ። ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ምልካዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣወንታዊ መልሲ ክጽበያን ናይ ምልካዊ መንግስቲ ኤርትራ ጸማም ደርፊ ክደርፋን «መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ መሬትና እንተዘይወጽዩ ኣይንመያየጥን»ግዜኻ ብኮንቱ ምጥፋእ ጥራሕ ኢዩ። ስለዚ ተቓወምቲ ሓይልታት ነ’ዚ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ሰላም ጻውዒት ተቐቢለን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክመያየጣ ብትሕትና ክሓታ ይግባእ ህዝቢ ኤርትራ እናጠፍአን ሓይሊ ዘይብልካን ግን ፍንጭራዕ ምባል ንዓና ኤርትራዉኣን ጎዳኢ ምዃኑ ክንርዳእ ይግብኣናኣ። ዝተሳዕረን ሓይሊ ዘይብሉን ንጻውዒት ሰላም ሃንጎፋይ ኢሉ ክቕበሎ ኣለዎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብይን ዶብ ብመትከል ተቐቢልናዮ ኢና ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ድማ ንመያየጥ ኢዩ ዝበለ ስለዚ ተቓወምቲ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ዝደርፎ ደርፊ ገዲፍና ምስ ኢትዮጵያ ናይ ሓዋሩ መፍትሒ ንምምጽእ ምምይያጥ እንተገበርና ዝበላጸ ይመስለኒ። ተቓዋሚ ሓይሊ ነ’ዚ ናይ ሰላም ጻውዒት ኣብ ረብሓ ኤርትራ ክጥቀመሉ ብትሕትና ሓሳበይ ይገልጽ።

  • berhane April 10, 2018

    ኣቱም ሰባት፡ እቲ ኣቶክሮናን ዝርርብናን ረብሓ ሃገር ብዘቐድም ክኸውን ኣሎዎ። ቀዳማይ ነገር ነዚ ኣብ ኤርትራ ብሓይሉ ዝነብር ዝሎ ጉጅለ ኩሉሳዕ “ዘይሕጋዊ መንግስቲ ኤርትራ” ነቲ መራሒ እቲ ጊጅለ ከኣ “ዘይሕጋዊ ፕረዚደንት” ብማለት ኢና ክንጸውዖ ዝግብኣና። ከምኡ ምስ እንገብር እቲ ሕቶ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ “ዘይሕጋዊ መንግስቲ ኤርትራ” ኣብ ምንታይ ዓይነት ምድርዳር ክኣቱ ይግብኦ ኢዩ ክኸውን። እቲ መልሲ ከኣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ “ዘይሕጋዊ መንግስቲ” ዘይሕጋዊ ስለዝኾነ ንህዝቢ ኤርትራ ውኪሉ ክዛረብውን መሰል ክህልዎ ኣይክእልን ኢዩ፡፡ መረዳእታና ከምኡ ኢዩ ክኸውን ዘሎዉ።
    ኤርትራኮ በዚ ዘሎ “ዘይሕጋዊ መንግስቲ” ቅድሚ ሕጂ ዝኸሰረቶ መሬት ኣሎ። ን’ደሴታት ሓኒሽ ሓይሊ ተጠቒሙ ንየመናውያን ስለዘጥቅዐን ንብረት ስለዘዕነወን ኢዩ ንየመን ተበይኑላ። እተን ደሴታት ንኣሽቱ ይኹናምበር እቲ ምስኡ ዝትሕሓዝ ስፍሓት ቀይሕ ባሕሪ ኣዝዩ ገፊሕ ኢዩ። ከሲርናዮ። ብሸነኽ ጁቡቲ’ውን ከምኡ ኣብ መገዲ ጥፍኣት ኢና ኣቲና ዘሎና። ኲናት ባድማ ባዕሉ እዚ “ዘይሕጋዊ መንግስቲ” ከምዝጀመሮውን ክዝንጋዕ የብሉን። ንህዝቢ ኤርትራ ዘገድስ ባድመ ጥራሕ ጌርካ ምውሳድ ብቐንዱ ጌጋ ኢዩ። እቲ ተሓንጺጹ ዘሎ ዶብ ብዙሕ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዘእተወ ስለዝኾነ ህዝብና ናብ ሃገሩ ንኽምለስ ምስ ኢትዮጵያ ምድርዳር ከድሊ ኢዩ። እዚ ዝኸውን ግና “ሕጋዊ መንግስቲ” ምስ ቆመ ኢዩ’ምበር በዚ ሕጂ ዘሎ ‘ዘይሕጋዊ መንግስቲ” ክትግበር ዝከኣል ኣይኮነን። ከም ኣቶ ስዩም ተስፋይ ዝኣመቶ ነዚ ‘ዘይሕጋዊ ፕረዚደንት” ዘገድሶ፡- ወዲ ኣፎም ብዓል ስረ ፤ ኣምሊሽዋ ንባድመ – ተባሂሉ ክድረፈሉሞ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ክጥቀመሉ እንተዘይኮይኑ ካልእ ረብሓ ኣይክህልዎን ኢዩ። ስለዚ ሃገራዊ ረብሓና ባድመ ጥርሕ ዘይኮነስ እቲ ብዘይድልየቱ ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ተበይንሉ ዘሎ ህዝብና ኢዩ።
    ሓንቲ ንእሽቶ መልእኽቲ ነዘን ከይተሓለላ ዝሰርሓ ዘለዋ መርበታት ኤርትራ ከምብዓል ኣሰና ዝኣመሰላ ድሕሪ ሕጂ ጻዕረን ህዝቢ ኣብ ሓደ ናይ ተቓውሞ ደንበ ዝጥርነፈሉ ኩነታት ከተኩራ ኣሎወን። ኤርትራዊ ኣብ ዘረባን ዕላልን ወርቃዊ ጊዜ የጥፍእ ኣሎ – ሃገርን ትነድድ ንሕና ኸኣ ጉይላ ተራእዩና!! ነዚ ዘሎ ‘ዘይሕጋዊ መንግስቲ’ ምእላይ ህዝቢ ዝደልዮ ዘሎ እዋናዊ ‘ጠለብ’ ኢዩ። ብኸመይ ናብ ዝብል ሕቶ ቅድሚ ምኻድና ግና ኩልና ኤርትራውያን ውሽጣዊ ሕልናና ክንምርምርን ኣብ ናይ ሓባርዊ ጥርናፈ ዘእቱ መስመር ከነቕንዕን ኣሎና።

  • Yoseph April 10, 2018

    Bravo dr. Gebre. You are 100% RIGHT.
    Seyum with all the respect I have for you ..u muat also think that the Weyane are not respecting our SOVERIGNITY . iT IS NOT ABOUT DIA ..It is about Eritrean teritory.

    Ali u must also think about the teritorial sovergninity of the country …no body in the opposition is advocating for Isaias …but our country .

    My opinion is Isaias is our problem …but Weyane has no bussiness in our country.

    yoseph

  • rezen April 10, 2018

    “ኩሉ ተቓዋሚ ሓይሊ ናይ ኤርትራ ብሓደ ተጠርኒፉ ሓዲሽ መንግስቲ ንምፍጣር ክሰርሓሉ ኣለዎ” ካብ ናትና ንግበር

    ጽቡቕ ወረጃ ሓሳብ ።
    ግዳስ እቶም ሙሁራን ሊቃውንቲ ዝተባህሉ ነዛ ወረጃ ሓሳብ ንኽቕበሉ ዝፈጠረትሎም ጸገም እንታይ ኮን ትኸውን ኢልና ክንሓትት ይግባእ ። ቐንዲ መልሲ ካብኣቶም፤ ጽን ኢልና ናይ ምስማዕ ካባና፤ ወሰኽ እንተኣድልይዎ ከዓ፡ ካብ ኩልና ተመያይጥና ዓዲ ምኣተና። ግን ኣይተዓደልናን — መሰረታዊ ናይ ሕብረተ-ሰብ ጸገም ስለዘለንና። ኣይፋሉን፡ ጸገም የብልናን፡ መን ከማና፡ እንተኢልና፡ ነቲ ዘለናዮ ናብራ ዝኸልኣና የለን። ኮይኑውን፡ ብዙሓት ዓድታት ኣለዋ ንኤርትራ ከምጉዚ ክመቓቕላኣ ዝደልያ። ንሓዋሩውን ንሱ እዩ ዝመስል።

  • Russom April 10, 2018

    You are right Dr. Ghebre, Ethiopia has to respect the wish of the Eritrean people; the country is not of Issayas; peaceful coexistence should not be a precondition.

  • Russom April 10, 2018

    Brother Seyum, You contradicted the opinion of Dr. Ghebbre , saying this regime is lucky……; instead of convincing with your own opion on the matter. otherwice it seems to me your are saying, you are the only with the right opinion and forcing him to accept it and that is undemocratic., and intollerant to hear another opinion. I hope that you don’t see it as degrading.

  • meretse April 11, 2018

    ሰላም ንኩሉ
    መጀምርያ– ሪኢቶይ ኣብ’ዛ 2ይቲ ዝነበረ ናይ ቃል ሓተታ ዘተኮረ ኢዩ። እዚ ክኾነሉ ዝከኣለ ምክንያት ከኣ እታ ቀዳማይቲ ስለ ዝሓለፈትኒ’ዩ። ቀጺሉ’ውን ንኩሉ ብቅደም ተከተል ክትሰምዖ ግዜ ይሓትት። ሓው ጋዘጤኛ ኣማኒኤል ዘልዓልካዮም ሕቶታት ብሓቂ ኣብ ግዜኦም ክለዓሉ ዝግብኦም ኔሮም ጥራሕ ዘይኮነስ ዝተከተልካዮ ኣገባብ ውሕሉል ኔሩ። ከምኡ ኣብ ቀጻሊ ከኣ ምስ ካልኦት ኣሕዋት ተመሳሳሊ ዝሓዝካዮ መደብ ክህልወካ ተስፋ ይገብር። ይቅረታ ኣቀደመ ግን ከኣኣ ከም’ዚ ክብል ምደለኩ – ብድሕሪ ሕጂ ኣብ እትገብሮ ናይ ሪኢቶ ምልልስ፡- መንእሰያት(ተማሃሮ) ፣ ደቂ-እንስትዮ /ዝተፈላለየ ዕድመ ካብ ዘሎወን፣ ኪነታውያን፣ጋዜጠኛታት፣ ደረስቲ፣ መራሕቲ ሃይማኖት //ናይ ዕድመ ጸጋ ዘሎዎም ኣቦታት ኣዴታት …ኮታ ብሓጺሩ “ካብዝን ካብትን” እንተ ዘምልእ ጽቡቅ ኔሩ ይብል ኣነ።
    ብዝተረፈ ናብ ሪኢቶይ፡- ዝቀረበ ናይ ሰላም ጠለብ ብክልቲኡ ወገን ገምጋምኩም እንታይ ይመስል ንዝብል ሕቶ– ብሓው ኣቶ ስዩም ቃል ዓለም ዘይብሉ— ንጹር መልሲ ዝቀረበ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ናይ ሓው ዓሊ ህንዲ’ውን ፈለያ የብሉን። ብኣንጻሩ ዘይተጸበክዎ ገምጋም እንተ ኔሩ ናይ ሓውና ናይ ዶክተር ገረ ገ/ማርያም። ቀዳማይ ቀዳማይ፡ ነቲ ሕቶ ግዜ ወሲዱ ከይወሓጠ ናብ መልሲ ምሃብ ጥራሕ የድህብ ኔሩ። ካልኣይ መሊስዋ ከብቕዕ ተመሊሱ ናብ’ታ ዝነበራ ይምለስ ኔሩ። ሳልሳይ ጭንቀት። ራብዓይ ኪኖ ሓጹር ይወጽእ’ሞ በታ ዝነጥራ ቦታ’ውን ይምለስ ኣይነበረን። እዚ ኩሉ ዝብሎ ዘሎኩ ንድሕሪ ሕጂ ከም’ዚ ኣጋጣሚ ኣብ ዝካይዶም ምልልስ ክድህስሶም ኢለ’የ። ብምቅጻል ብዛዕባ “ባድመ ወይ ሞት” እንተ ኮይኑ ንበይንካ ኣይኮንካን። ግን ካብቶም ከምኡ ዝብሉ ካልኦት’ስ ንስካ እትሕሸሉ መገዲ ኣሎ ኢለ ይግምት ኔረ ኣነ። ኣብ ዓላምና ክንዲ ሃገራት ኢየን ድሕሪ ውግእ ንዝተበየነ ብይን ኣብ ርእሱ ኮፍ ኢለን ዘሎዋ? ንሳተን ከም’ዚ ናትና መሬት ተታሒዙና ስለ ዘሎ፡ ቁዋም ኣይድልየናን ኢዩ ኣይበላን። መሰል ወዲ-ሰብ ክንግህስን ኢና ኣይበላን። ገደብ ዘይብሉ ውትህድርና ክህልወና ኢዩ ኣይበላን………ኮታ ክንደይ ኢልካ ክጽብጸብ። ናይ’ዚ ኩሉ እንኮ መጸዊዒት ከኣ፡ ተታሒዛ ዘላ መሬት እንድሕሪ ዘይተመሊሳ ሃገርና ነጻ ከምዘኮነት ኢዩ ዘቅጽራ እልካ ምስትንታን ናበይ ገጹ ኢዩ? ብዝኮነ ምስማይ እተን ናይ ዶብ ሽግር ዘሎውን ሃገራት ኣድላይነት እንተ ሃልዎ ኣቕራቢ ኢየ። ካብኡ ሓሊፉ ተሪፉ ግን “ባድመ” ክንዲ መልእ ኣገር ተቆጺራስ ንሳ ሒዞም እንተዘይ ቀሪቦም ኣይቅረቡ፡ ዝብል ሓሳብ ካብ ናይ ኢሰያስ ሪኢቶ ብዙሕ ፍለያ ዘሎዎ ኮይኑ ኣይተሰማዓንን። ኣነ ኣኣብ ቦታ ኢሰያስ ኔረ እንተ ዝከውን ከኣ ጸባ-ዓጓ ስተ ምበልኩዃ፡ ግን ከኣ ሪኢቶካ ኢዩ። የቀንየልና

  • Berhe Tensea April 12, 2018

    Dr Ghebre seem like a pfdj cadre, his opinion are similar to that of the dictatorial regime’s position, although some of your ideas were acceptable..
    Death to the Sokotan dictator

Post a Reply to Russom Cancel Reply