Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Voice of Assenna: Special Message to the Eritrean People by Dr Tewolde Tesfamariam (Wedi Vacaro) – Part 1

https://www.youtube.com/watch?v=MRHszB5OJfs

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Mesinas March 7, 2014

    “ንኽንሰማማዕ ተሰማሚዕና ኣለና!”

    በሃር ተቓላሳይ ምስ ከቢድ ሕማምካ
    ደኺመ ኣለኹ’ሞ ከዕርፍ ከይበልካ
    ንጉዳይ’ዛ ሃገር ኣብ ቅድሚት ሰሪዕካ
    ክትመክር ክትምዕድ ንሰዓታት ደው ኢልካ
    ህዝብኻ ንምድሓን ስሑል ተዓጢቕካ
    ትቃለስ ኣለኻ ምስ *ባልዋ ገጢምካ! *ኣርሓ መፍለስ

    ናብ ቤቱ ክትመልስ ዝተሰደ ውጹዕ
    ብመዝሙር ሓድነት ንኹሉ ክትጽዉዕ
    ኣንታ ዉፉይ ዜጋ ዘሐብን ዘኹርዕ
    እቲ ልዑል ፈጣሪ ዓይነ ብርክኻ የጽንዕ!

    እዚ ለዋህ ህዝቢ ሃገሩ ዘፍቅር
    ብመጥቃዕቲ ተዅላ ፍጹም ካብ ዝብህርር
    ህይወቱ ንምድሓን ኣብ ስደት ክነብር
    ዝተበታተነ ፈንጢሱ መዋጥር
    ንዳግማይ መኸተ ኣብ ሓደ ክሰምር
    ‘ሓደራኻ!’ ኢልካዮ ቃል ስውእ ከኽብር!

    ምስሊ ናይ ኣባጊዕ ቆርበት ዝለበሱ
    ተዃሉ ምሳእተን ስለ ዝሕወሱ
    ዘዝነደቕካዮ መሰረት ከፍርሱ
    ተንኰል ኣይገድፉን’ዮም ኣሕዋት ከባእሱ
    እቲ ደላይ ፍትሒ ግን ከርግእ መንፈሱ
    ምኸሮ ዶክተረይ ክገትእ ንነብሱ!

    ‘ንሕና ኤርትራዉያን ሰብኣይ ሰበይትና
    ብዳግማይ መግዛእቲ ዝተበታተንና
    ደቃ እተማሙቕ መሰሎም ከዲና
    ብልጽግቲ ኤርትራ ክንፈጥር ሓቢርና
    ንኽንሰማማዕ ተሰማሚዕና ኣለና!’

    ዚብል ጭርሖኻ ኣብ ኩሉ ሰሪጹ
    ኤርትራዊ ዜጋ ንፍትሒ ምድማጹ
    ንጉጅለ ህግደፍ ኮይኑዎም ዘደንጹ
    ዘልኣለም ከይነብሩ መሰልና ክረግጹ
    ህዝቢ ተንሲኡ ኣሎ ከጥፍኦም ቆሪጹ!

    ኣንታ ምሩጽ ዘርኢ ፍረ ናይ ኤርትራ
    ዓስቢ ናይዚ ኹሉ ሓሰረ መከራ
    ይመጽእ ከም ዘሎ ጠጥዒ ናይ ኣዝመራ
    ወላዲት *ክትሽናህ ዓዉ ኢልካ ንገራ! *ደስ ክብላ

    ማህጸን ጓል ኣደኡ እናተቓጸለ
    *መሀንከፊ ኣሕዋቱ ካራ እናተሳሕለ *መሕረዲ
    ናጽላ ምስ ኣደኡ ኣብ ባሕሪ እናጠሓለ
    ሃገር ጽቡቕ ኣላ ማዕቢላ ዝበለ
    ብህዝቡን ሃገሩን ወትሩ እናሽካዕለለ
    ኣብ *ሶፋ ኣራጢጡ ዝግህጽ ሓኸለ *ምቹእ ሳሎን (ብእንግሊዝ)
    ኤርትራዊ ኣይኮነን ካባና ይፈለ!

    ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!

    ካብ ሓውኹም መሲናስ 07-03-2014

  • Truly Truly i say to you March 8, 2014

    ሰዶ! ሰዶ! ሰዶ! ሃውና መሲናስ፣ ካብ ሺህ ሃጠው ቀጠው መልሲ፣ ንሃደ ክቡር ሰብ ነቲ ዝግብኦ ክብሪ ብዘድንቕ ግጥሚ ተውህቦ መሲናስ በቲ ዘቕረብካዮ ናእዳ ኣዝዬ እዬ ኣጊበ።
    ነዚ ታሪካዊ ናይ ወዲ ቫካሮ መደረ፣ ንዘለኣለም ሕዝቢ ኤርትራ እናዘከሮ ከምዝነብር ፈጺመ ኣይጥራጠርን። ይዝከረኒ ነጻነት ኤርትራ ኣብ 91 ኣብ ቦሎኛ ኣብዝተኸበረሉ ፈላማይን ናይመውዳእታን ዕዋን ከም ክቡር ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም ገሩ ኣብ ታሪክ ኤርትራ ፈጺሙ ብሕዝቢ ኤርትራ ክብርን ሞገስን ዝረከበ ሰብ ከምዘየለ። ይኹን እንበር ሕዝቢ ኤርትራ ነቲ ዘረኸቦ ነጻነት ከይስተማቐረ ኣብ ዝከፈእ ባርነት ወዲቁ ስለዝርከብ፣ ኣይጠራጠርን ዳግማይ ሃርነቱ ብቅልጽሙ ኣብዝረጋገጸሉ ዕዋን፣ ይረኣየኒ ኣሎ ክቡር ዶክተር ተወልደ ተስፋማርያም ልክእ ከም ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም ብኣቢ ክብርን ሞጎስን ብሕዝቢ ኤርትራ ከቢሩ ክራኣይ እንከሎ።። ኣነ ከም እምነተይ አግዚኣብሔር ንወዲ ቫካሮ ጥእና ነዊህ ዕድመን ፀጋን ኣብዚህሉ መራሂ ሃገርና ኮይኑ እንተዝመረጽ፣ ብሃጺር ግዜ ሃገርና ከምትባረኽ፣ ከምትምእብልን ክብሪ ሕዝብና ከምዝምለስን ፈጺመ ኣይጠራጠርን። ምክንያቱ ቅኑእ ልቦነ ዘለው ሰብ ስልጣን ኣብዝህዘሉ ዕዋን የግድን እዩ ሃገር ክትባረኽ፣ ሰላም ክኣስላን ሕዝባ ብፍትሕን ሃርነትን ብሰላም ክወጽእን ክኣትውን።

  • Robi March 8, 2014

    Hi Kuburat deleyti fthi ezi b Abona doctor Tewelde (Wedi Vacaro )tebegisu zelo n halefti Hgdef b not merahiom Issayas Afewerki not mktal wetsiu zelo medeb azyu wesani eyu not lewuti hzbi Eritrea mknyatu nezi zmeshmeshe Kaseta Komidere zkone sriat be wushtawi srhit likie kem nay fedayn be mukurat comando zneberu dyom be sleya newih temekro zelewo sebat meritska ketilomo be selam tewetsiom asbi kikfelom alewo tetesewiom kea not sdrabetom asbi ykfelom tezeykoinu chfchefan mektelti sdet kerfah nabra Eritreans kikitsil eyu ezi seab ezi kea belae seab dem ntsuhat sebat zseteye sle zkone 40 years keman ab meret Eritrea kikber yeblun mekabru likie kem binladen nab bahri kguhaf alewo ezi seab ezi not Eritrea kolel abiluwa eyu ametat Enkilalo eyu zgbio shim. Nay bedel bedel bediluwo eyu not hzbi Eritrea resah seab.Thanks.

POST A COMMENT