Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Truly Truly i say to you January 19, 2014

    ክቡራት ኣሓትን የሕዋትን ከምቲ ሎሚ ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን ብወገን፣ ብሥልጣን ብዉድብ ወዘተ ኮታ ኣብ ኩሉ መዳይ ተከሲቱ ዘሎ ምፍልላይ፤ ኣብታ ጥንታዊት ቀዳማዊት ቤተ ክርስትያን ውሽጢ´ውን ምፍልላይ ተከሲቱ ኣብዝነበረሉ ዕዋን ፣ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ንህናን ወዲ ቫኻሮ ተማሪርናዮ ዘለና፣ ተማሪሩ ስለዝንነበረ፣ ከምዚ ዝበሎ
    ” ኣሕዋተየ፡ ኣነ ኸኣ ከም ንስጋውያን፡ ከም ንቘልዑ ብክርስቶስ እምበር፡ ከም ንመንፈሳውያን ክዛረበኩም ኣይኰነለይን እዩ። ገና ስጋውያን ስለ ዝዀንኩም፡ ጸባ መገብኩኹም፡ ዕጽም ብልዒ ኣይኰነን። ገና ኣይከኣልኩምዎን፡ ሕጂ እኳ ኣይትኽእልዎን ኢኹም። ቅንኣት ባእስን ካብ ዚህልወኩምሲ፡ ስጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኰነን፧ ከም ባህሊ ሰብዶ ትኸዱ ኣየለኹምን፧ እቲ ሓደ፡ ኣነስ ናይ ጳውሎስ እየ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ፡ ኣነስባ ናይ ኣጵሎስ እየ፡ ካብ ዚብል፡ ስጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኰነን፧ እምብኣርከ፡ ኣጵሎስ እንታይ እዩ፧ ጳውሎስሲ እንታይ እዩ፧ ብኣታቶም ጌርኩም ናብ እምነት ዝበጻሕኩም ኣገልገልቲ እዮም፡ እዚ ድማ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፎም ከም ዝሀቦ እዩ። ኣነ ተኸልኩ ኣጵሎስ ኣስተየ፡ ኣምላኽ ግና ኣብቈለ። እምብኣርሲ እቲ ዜብቊል ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ እቲ ዚተክል ወይስ እቲ ዜስቲ ዚዕብሱ የብሎምን። እቲ ዚተክልን እቲ ዜስትን ሓደ እዮም፡ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ጻዕሩ ዓስቡ ኪቕበል እዩ። ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና እሞ፡ ንስኻትኩም ግራት ኣምላኽ፡ ህንጻ ኣምላኽ ኢኹም።
    ብዘይ እቲ ስሩት መሰረት፡ ንሱ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ፡ ካልእ መሰረት ሓደ እኳ ኺስርት ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ኣነ ኸምቲ እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ ብልሓተኛ ሃናጺ ዀይነ ነቲ መሰረት ሰረትኩ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሀንጽ። ነፍሲ ወከፍውን ከመይ ገይሩ ኸም ዚሀንጽ ይጠንቀቕ። ሓደ እኳ ኣብ ልዕሊ እዛ መሰረት እዚኣ ወርቂ፡ ብሩር፡ ክቡር እምኒ፡ ዕጨይቲ፡ ሳዕሪ ወይስ ሓሰር እንተ ሰርሔ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ብሓዊ ኽትግለጽ እያ እሞ፡ ክትቀልዖ እያ። ግብሪ ነፍሲ ወከፍ ኪግሀድ እዩ፡ ንግብሪ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ከመይ ምዃኑ እቲ ሓዊ ኺፍትኖ እዩ። ሰብ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ እተሀንጸ ዕዮ እንተ ጸንዓሉ፡ ዓስቢ ኪቕበል እዩ። እቲ ዕዮኡ እንተ ነደደ ግና፡ ዓስቡ ኺስእን እዩ። …. ኣብ ቀዳማይ ቆሮንቶስ ምዕራፍ 3;10-15 ዝበሎ
    እነሆ ክቡር ኣቦና ወዲ ቫካሮም፣ ከምቲ ካብ ኣምላኽ እተዋሃቦ ጸጋ። ክም ሃደ ብልሓተኛ ሃናጺ ኮይኑ ነቲ ካብ ኣቦና ወልደ ኣብ ወልደማርያም ዝተቐበሎ ሕድሪ ንምትግባር፣ ነቕ ዘይብል ናይ ሃድነትን ናይሥራህን መሠረት ሰሪትልና ኣሎ። ክብርን ሞገስን ንኣምላኽ ይኹን!
    ጥርህ ነቲ ኣተሃሳስቡኡን ናይሥራህ ጽፈቱን ጽቦቕ ትምኒቱን እሞ ተኣዘቡለይ። ቤት ጽሕፈት ንምስራህ ክዕቅድ ከሎ ጽፈፍ፣ ኣብቲ ናይ ሓድነት ተልዕኩኡ ጽፈፍ፣ ኣካይድኡ ጽፈፍን ጥበብን ዝተመልኦ፣ ንሕዝቢ ዘለዎ ሓልዮት ዕሙን፣ ንዝሰርህ ብደይገንዘብ ከዋፍር ደይኣልም፣ ንምዃኑስ እታ ኣብ ኣሥመራ ዝተሃንጸት እንኮ ጽብቕቲ ኮንቲነንታል ሆቴል ንሱ ተዘይመኽረላ ብህሳድ ኢሳያስ ምቆመት´ዶ ይመስለኩም?

  • Truly Truly i say to you January 19, 2014

    እምበኣርከስ ኣነ ሃደ ተራ ምስኪናይ ሃውኹም (layman Truly Truly)ዋላኳ ናይምዝራብን ናይ ምጽሓፍን ክእለት ብዙህ ኣይሃለወኒ፣ ብሃቂ ብሃቂ እብለኩም ኣለኹ፣ ከምቲ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 10 ጎይታናን መድሃኒናን እየሱስ ክርስቶስ ዝበሎ
    “እቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብኣፍ ደገ ዘይኣቱ፡ ብኻልእ ወገን ዚሐኲር፡ ንሱ ሰራቕን ጒሒላን ከም ዝዀነ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። እቲ ብኣፍ ደገ ዚኣቱ ግና፡ ንሱ ጓሳ ኣባጊዕ እዩ። ንእኡ እቲ ሓላው ደገ ይኸፍተሉ፡ እተን ኣባጊዕውን ቃሉ ይሰምዓ። ነተን ኣባጊዕ ኸኣ በብስመን ጸዊዑ የውፍረን። ነተን ኣባጊዕ ምስ ኣውፈረን ድማ፡ ቀቅድሚኤን ይኸይድ፡ እተን ኣባጊዕውን ድምጹ የለልያ እየን እሞ፡ ይስዕባኦ። ድምጺ ኻልእ ዘይፈልጣ ስለ ዝዀና፡ ንኻልእ፡ ካብኡ ይገልባ እምበር፡ ኣይስዕባኦን እየን። የሱስ እዚ ምስላዚ መሰለሎም፡ ንሳቶም ግና ነቲ እተዛረቦም ኣየስተውዐልዎን።

    ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽ በሎም፡ እቲ ደገ ኣባጊዕ ኣነ ኸም ዝዀንኩ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። እቶም ቅድመይ ዝመጹ ዂላቶም ሰረቕትን ጐሓሉትን እዮም፡ እተን ኣባጊዕ ግና ኣይሰምዓኦምን እየን። እቲ ደገ ኣነ እየ። ብኣይ ዚኣቱ ኺድሕን፡ ኪኣቱን ኪወጽእን መጓሰዪውን ኪረክብ እዩ። ሰራቒ፡ ብጀካ ኺሰርቕን ኪሐርድን ኬጥፍእን ኢሉ ኣይመጽእን እዩ። ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ኺረኽባ እየ ዝመጻእኩ።

    እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ። እቲ ብዓል ዓስቢ ግና፡ ጓሳ ዘይኰነ፡ እተን ኣባጊዕውን ዘይጥሪቱ፡ ተዂላ ኺመጽእ ከሎ እንተ ረኣየ፡ ነተን ኣባጊዕ ሓዲግወን ይሀድም። እቲ ተዂላ ድማ ነተን ኣባጊዕ ይዛረፈን ፋሕውን የብለን። ብዓል ዓስቢ እዩ እሞ፡ ይሀድም፡ ግዲ እተን ኣባጊዕውን የብሉን። ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። ነባጊዔይ እፈልጠን እተን ኣባጊዔይውን ይፈልጣኒ እየን። ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዚፈልጠኒ፡ ኣነውን ነቦ እፈልጦ እየ። ንነፍሰይ ከኣ በጃ እተን ኣባጊዕ ኤሕልፋ። ካብዚ መጓሰ እዚ ዘይኰና ኻልኦት ኣባጊዕውን ኣለዋኒ። ንኣታተን ድማ ከምጽኤን እየ፡ ቃለይውን ኪሰምዓ እየን። ሓደ መጓሰ ኪዀና እየን ጓሳኤንውን ሓደ። ኣነ ንነፍሰይ በጃ ኸሕልፋ፡ መሊሰውን ክወስዳ እየ እሞ፡ ስለዚ ኣቦ የፍቅረኒ እዩ። ባዕለይ እየ በጃ ዘሕልፋ እምበር፡ ካባይ ዚወስዳስ የልቦን። በጃ ኸሕልፋ ስልጣን ኣሎኒ፡ መሊሰ ኽወስዳውን ስልጣን ኣሎኒ። ነዛ ትእዛዝ እዚኣ ኻብ ኣቦይ እየ እተቐበልክዋ። ”
    ጎይታ ዝበሎ፣
    ብሃቂ ብሃቂ እብለኩምን እምስክረሉን ኣለኹ፣ ወዲ ቫካሮ ከምቲ ቅድሚኡ ዝመጹ ዂላቶም ሰረቕትን ጐሓሉትን ደይኮነ፣ እቲ ሃቐኛ ጓሳ ንህዝቢ ኤርታራ ንኽኾነና፣ ኣምላኽ ንሕዝብና ሓልዩ ዝሓረየልና ሓብሃቢ ኣቦ እዩሞ እነሆ ክትቅበልዎ እንተደሊኹም ዶክተር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ እዩሞ) አነሆ ኣይኒ ዘለዎ ይርኣይ እዝኒ ዘለዎ ይስማእ ተቀበልዎ።
    ኣይፋለን ኢልኩም፣ ነገር ግን ነቲ ኢትዮጵያውያን ኃይማኖቱ ኣስላማይ ዝኾነ መበቆሉ ካብ ስውድያ ኣረብ ንዝኾነ ሼክ መሐመድ ኣላ ሙዲን ብደይ ሃሳድነት፣ ነግን ፈነግን ፣ ሓይማኖቱ እዚባ መበቆሉ እዚባ ከይበሉ ተቐቢሎም ከሥርሕዎ ብምኽኣሎም፣ ብኣሠርተ- እሥራ ቢልዮን ዶላራት ኢንቬስት እንዳገበረ ንሃገሮም በረኸት ኮይኑ፣ መንግሥቲ ኤርትራ ሰሪሄ እዬ እናበለ ካብዝጃሃረሉ ሚኢቲ እጽፊ ብምስራህ ንሃገሮም ከምዘልምኦ፤
    ንስኹም ኤርትራውያን ኢና ባሃልቲ ግን ከም ኢሳያስን ጭፍሮትን ብሃሳድነት ንወዲ ቫካሮ ኣይንቅበሎን ኢልኩም፣ ካብሥራህ ትእንቅፍዎ እንተኮንኩም፣ ብሃቂ ብሃቂ እብለኩም ኣለኹ፣ ድህሪ ደጊም ካብኡ ዝሃሸ እሙንን ቅንኡን ሰብ ፈጺምኩም ከምዘይትረክቡ። እድልኩም ብጥምየት ምስሃን፣ ናብራኹም ብስደት፣ ብባርነት፣ ውርደትን ከርተትን ክትውድእዋ ኢኹም።

POST A COMMENT