Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሁዉኽ ጋሻ!

ትማሊ መሪቐ ሎሚ ከይራገም ጌጋ ኣብ ርእሲ  ጌጋ ኣይደገም ብዘተ ይፈታሕ  ሃገራዊ ጸገም ሓቂ ነውጽኣያ ኣፍና ኣይሎጎም ዓለም ዘዋሪት ‘ያ  መን ይኣምና ዓለም ኣንቱም ኔርካ ኣንታ፡ ኣንታ ኔርካ ኣንቱም ትማል ዘሳፍሑ፡  ሎሚ   ተጨቢጦም ናትና እንተበልናዮም ዓሚቑና ውሽጦም ተልመደን ወቃጦ ሸራፋት ወቒጦም ጎታናት ከለዉ፡ በራሓት

ትማሊ መሪቐ ሎሚ ከይራገም

ጌጋ ኣብ ርእሲ  ጌጋ ኣይደገም

ብዘተ ይፈታሕ  ሃገራዊ ጸገም

ሓቂ ነውጽኣያ ኣፍና ኣይሎጎም

ዓለም ዘዋሪት ‘ያ  መን ይኣምና ዓለም

ኣንቱም ኔርካ ኣንታ፡ ኣንታ ኔርካ ኣንቱም

ትማል ዘሳፍሑ፡  ሎሚ   ተጨቢጦም

ናትና እንተበልናዮም ዓሚቑና ውሽጦም

ተልመደን ወቃጦ ሸራፋት ወቒጦም

ጎታናት ከለዉ፡ በራሓት መሺጦም

ኣይምተጸለአን ቁሩብ ተዝሰልጦም

ዘፍረይዎ ዘይብሎም ብኹራ ሓቢጦም

ኣነ ዝገርመኒ ናይ ዓዲ ገሊኦም

ደርሆ ከማልሱ በጊዕ ሸይጦም

ህዉኽ ጋሻ ሒዞም ቡን ወቂጦም

ኣሕዋት ክነሶም ተፋጢጦም

ኣሉ እንካብ ዝብሉ ቃላት ገላቢጦም

እንተዝቀዳደሙ ግዜ    ከየምለጦም

ጉዳይ ዉጹዕ ህዝቢ እንተዝዓጦም

ንዝግን -ሰብን መስምዑዎ ድምጾም

እንታይ እዮም ከፍርዩ ኣራጢጦም

ጠስሚ ዝጽበዩ ማይ ሓቊኖም

እንተ ብገርሆም፡ እንተ ብፍላጦም

መልሲ ዘየዕግቡ ሕቶታት ውሒጦም

ዘየሕምም በትሪ ወጣዊጦም

ዓገብ ተተባህሉ ፈሊጦም ኣስቂጦም

ሓቂ ከይሪኡዋ ክሳዶም ኣቕኒኖም

ንዝኽሓድዎ ፡ ከመይ ኢሉ ክኣምኖም

BY SAEED A. WEDI HALAL

OTTAWA, CANADA

OCTOBER 24, 2011

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT