Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሃገራዊት ጋንታ ብሽግለታ ኤርትራ፡ ኣብ ሩዋንዳ ኣብ ዝተኻየደ መበል 13 ሻምፕዮና ኣፍሪቃ 20 ማዳልያታት ብምጭባጥ ጎብለል ቅድድም ብሽግለታ ኣፍሪቃ ምዃና ዳግም ኣረጋጊጻ።

ሃገራዊት ጋንታ ብሽግለታ ኤርትራ፡ ኣብቲ ካብ 14 ክሳብ 18 ለካቲት ኣብ ሩዋንዳ ዝተኻየደ መበል 13 ሻምፕዮና ኣፍሪቃ፡ ካብቲ ዝተዳለወ 47 ድምር ማዳልያታት 20 ብምጭባጥ ጎብለል ቅድድም ብሽግለታ ኣፍሪቃ ምዃና ዳግም ኣረጋጊጻ። ሃገራዊት ጋንታ ብሽግለታ ኤርትራ፡ ኣብ

ሃገራዊት ጋንታ ብሽግለታ ኤርትራ፡ ኣብቲ ካብ 14 ክሳብ 18 ለካቲት ኣብ ሩዋንዳ ዝተኻየደ መበል 13 ሻምፕዮና ኣፍሪቃ፡ ካብቲ ዝተዳለወ 47 ድምር ማዳልያታት 20 ብምጭባጥ ጎብለል ቅድድም ብሽግለታ ኣፍሪቃ ምዃና ዳግም ኣረጋጊጻ።

ሃገራዊት ጋንታ ብሽግለታ ኤርትራ፡ ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ዓበይቲ ተወዳደርቲ ከምኡ `ውን ናይ ትሕቲ ዕድመን ደቂ ኣንስትዮን ቅድድም ብድምር፡ 10 ወርቂ ማዳልያ፡ 5 ብሩርን 5 ነሓስ ብምዕታር እያ ኣብቲ ሰሌዳ ናይቲ ሽምፕዮና ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ኮይና ተሰሪዓ።

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽግለታ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፡ ኣብቶም ቀንድን ኣገደስትን ናይ ጋንታን ናይ ብሕትን ውድድራት ኮነ ናይ ጽርግያ ቅድድማት ብምዕዋት ነዚ ዳግም ጸብለልትነቶም ዘረጋገጹሉ ንኡድ ውጽኢት እዮም ነዚ ንኤርትራውያን ዘሐበነ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ኣድናቖት ዘትረፈ ክብ ዝበለ ዓወት ኣመዝጊቦም።

እታ ኣንጸባራቒ ዓወት ዘመዝገበት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ድሮ ኤርትራ ተመሊሳ ብህዝቢ ኣቀባብላ ተገይሩላ።

ኣብቲ ውድድር ኢትዮጵያን የአንጋዲት ሃገር ሩዋንዳን ብተኻታተሊ ካልአይት ሳልሰይትን ክወጽኣ ከለዋ፡ ድሕሪ ኤርትራ ጽቡቕ ልምዲ ቅድድም ብሽግለታ ዝነበረን ከም ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣልጀርያን ሞሮኮን ዝኣመሰላ ሃገራት ግን ትጽቢት ካብ ዝተገብረለን ንታሕቲ ኮይነን ከምዝተረኽባ ማዕከናት ዜና ሩዋንዳ ጠቒሰን።

እቲ ካብ 23 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጽኡ 200 ተቐዳመምቲ ብሽግለታ ዝተሳተፉዎ መበል 13 ሽምፕዮና ብሽግለታ ኣፍሪቃ ብኣወዳድባኡን ኣካይዳኡን ዕዉት ከምዝነበረ `ውን ማዕከናት ዜና ሩዋንዳ ገሊጸን።

ዛዛሚ ተርታ ማዳልያ ዕዉታት ናይተን ኣብ መበል 13 ሽምፕዮና ብሽግለታ ኣፍሪቃ ዝተሳተፋ ከምዚ ይመስል።

1ይ – ኤርትራ፡ 10 ወርቂ ማዳልያ – 5 ብሩር – 5  ነሓስ

2ይ – ኢትዮጵያ፡ 3 ወርቂ ማዳልያ – 7 ብሩር – 3 ነሓስ

3ይ – ሩዋንዳ፡ 3 ወርቂ – 4 ብሩር – 3 ነሓስ

4ይ –  ብሩንዲ፡ 1 ብሩር

5ይ –  ኣልጀርያ፡ 2 ነሓስ

6 –  ናሚብያ – 1 ነሓስ

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT