Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝበ ክርስትያን መራሕቲ የድልይዎ ኣለዉ

  በስመ ኣብ በስመ ወልድ በስመ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን! ናብ ዝኸበርካ ህዝበ ክርስትያን ፡ ብመጀመርያ እንቋዕ ጾመ ሉጓም ፈቲሑ ናብ ብዓል ፋሲካ ኣብቅዓና። ንሕና ደቂ ‘ዛ ቤተክርስትያን ብምኽንያት እዚ ዓቢ ብዓል ፡ ብዛዕባ ህሉው

 

በስመ ኣብ በስመ ወልድ በስመ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን! ናብ ዝኸበርካ ህዝበ ክርስትያን ፡ ብመጀመርያ እንቋዕ ጾመ ሉጓም ፈቲሑ ናብ ብዓል ፋሲካ ኣብቅዓና። ንሕና ደቂ ‘ዛ ቤተክርስትያን ብምኽንያት እዚ ዓቢ ብዓል ፡ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ቤተክርስትያንናን ሃገርናን እሂን ምሂን ክንብሃሃልን፡ ነቲ ኣንጸላልዩ ዘሎ ሽግር፡ ብጉልጽን ብዘይ ፍርህን ተኣኪብና ክንዛተየሉ ምተገብአ። ይኹን ዳኣ እምበር፡ ልክዕ ከምቲ ብደረጃ ሃገር ሰፊኑ ዘሎ ፍርህን ራዕድን፡ ኣብ ውሽጢ እዛ ቤተክርስትያን ‘ውን ተራ ካህናትን ምእመናንን ብፍርህን ራዕድን ተታሒዞም ፡ ነቲ ብመራሕቲ ህግደፍን ሓደ ሓደ መራሕቲ ‘ዛ ቤተክርስትያን ዝግበር ዘሎ ሰይጣናዊ ተግባራት ብቓልዕ ፊት ንፊት ክንዛረበሉ ኣይካኣልናን። በዚ ምኽንያት ኢና ድማ ንህዝብና ብኸምዚ ዝበለ ኣገባብ ክንበጽሖ ዝመረጽና።

እቲ ሽግር ከምቲ ኹሉ ጊዜ ዝብሉና ናይ ምእመናን ዘይኮነስ ናይ መራሕቲ ቤተ ክርስትያንና እዩ። ሱር ናይ ‘ዚ ኹሉ ሽግር መራሕቲ እምነትና ነቲ ኣምላኽ ሓደራ ዝበሎም ረዚን መንፈሳዊ ስራሕ(ማቴ28፡18) ዕሽሽ ኢሎም፡ ምስ ፖለቲካውያን መራሕቲ ሃገርና ክጓናብሑ ስለዝመረጹ ‘ዩ። እዚ ሽግር እዚ ግን ሕጂ ዝጀመረ ኣይኮነን። ኣብ ፖለቲካዊ ኩነታት ናይ 40ታትን 50ታትን እንተተመልከትና፡ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ብ ኣቡነ ማርቆስን ቀሺ ዲሜጥሮስን እንዳተመርሐት ዘሕፍር ታሪኽ ‘ያ ሰሪሓ። ኣብቲ ጊዜ እቲ እዛ መንፈሳዊ ስራሕ ጥራይ ክትሰርሕ ዝግብኣ ዝነበረ ቤተክርስትያን፡ ኣብ ዘይምልከታ ፖለቲካዊ ጦብሎቕሎቕ ኣትያ፡ ንዘልኣለም ዘሕፍር ታሪኽ ድማ ሰኒዳ። ኣብ ካልእ ክፋላት ዓለም ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኣገባብ፡ ንኤርትራ ሃገርና ናብ ሃጸይ ሃይለስላሴን ኢትዮጵያን ሽይጦማ። ብሰንኪ እዞም ዘይረብሑ መራሕቲ፡ ነዛ ሃገር መሊስካ ነጻ ንምግባር ህዝቢ ኤርትራ ን 30 ዓመታት ፍቐዶ በረኻ ከርቲቱ፡ ናይ ኣስታት 60,000 መንእሰያት ደም ከፊሉ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገር ከቢድ በሰላ ወሪዱ ፡ ህዝቢ ‘ውን ናብ ፍቐዶ ስደት ፋሕ ኢሉ። ናይ ‘ዚ ኹሉ ህልቂትን ኣደራዕን እቶም ናይ ሽዑ መራሕቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ብእግዚኣብሄር ተሓተትቲ ‘ዮም። ካልእ ዘሕዝን ታሪኽ ናይቶም ናይ ሽዑ እዋን መራሕቲ ቤተክርስትያን ነታ ንሶም ዘጥፍእዋ ሃገር ክመልሱ ከርተት ዝብሉ ንዝነበሩ ተጋደልቲ ኣገልግሎት ቤተክርስትያን ምእባዮም ‘ዩ። ቤተሰብ ናይዞም ጀጋኑ ተጋደልቲ ተወጊዘን፡ ሕጻናት ናይዞም ተጋደልቲ ጥምቐት ከይጥመቑ ተኸልኪሎም ኔሮም። እዝስ ምስ ምንታይ ይቑጸር? ኣበይ ኣሎ ዳኣ እቲ መንፈሳውነት? እዚኣቶምስ መራሕቲ ሃይማኖት ዶ ወይስ መራሕቲ ፖለቲካ? እዞም መራሕቲ ‘ዚኣቶም ንእግዚኣብሄር ገዲፎም ንፍጡር ሰብ(ሃጸይ ሃይለስላሴ) ኣምልኾ ዝሃቡ እዮም።

እቲ ዘሕዝን ካብ ታሪኽ ዘይንምሃር ሙኳንና ‘ዩ። ካብ ናይዞም ክብ ኢልና ዝጠቀስናዮም ዘሕዝን ታሪኽ እኮ ክንምሃር ኣሎና። ካብቲ ዘሐብን ታሪኽ ናይ ብዓል ኣባ ኣስጢፋኖስን ደቂቀ እስጢፋኖስን ‘ውን ክንምሃር ኣሎና። ስለዚ ንሕና ከም ክርስትያናት ንመን ክንግዛእ ይግብእና? ንኣምላኽ ዶ ን ኢሳይያስ? ኢሳይያስ ከምዚ ንርእዮ ዘሎና ን እግዚኣብሄር ዝግባእ ኣምልኾ ክወስድ ድሕር ዝብል ሰብ ኣይኮነን። ቅድሚ ምቕጻልና እስኪ ትርጉም ናይ ኣምልኾ እንታይ ምዃኑ ንርአ። ኣምልኾ ማለት ምስጋና ፡ክብሪ፡ ሞሳ፡ ዕብየት፡ምእዛዝ፡ ምፍራህን ካልእ ነዚኣቶም ዝመስሉ ነገራት ንእግዚእብሄር ጥራይ ምሃብ ማለት ‘ዩ። ኣብዚ እዋን ‘ዚ ኣብ ቤተክርስትያንና ንርእዮ ዘሎና ግን ሕቆን ከብድን ‘ዩ። መራሕቲ ቤተክርስትያን ጳጳስና ብጹእ ወ ቅዱስ ኣቡነ ኣንጠንዮስ ብኢሳይያስ ተኣሲሮም እንከለዉ ዘጽቕጡን ዝተሓባበሩን እንተድኣ ኾይኖም፡ ውሉደ እግዚኣብሄር ካህናት ወትሃደራት ክኾኑ መራሕትና ምስ ኢሳይያስ ዝትሓባበሩ እንተድኣ ኾይኖም፡ ሞባእ ኣሕሊፎም ንኢሳይያስ ዝህቡ እንተድኣ ኾይኖም፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ(ሜዲተራንያን) ቀለብ ዓሳ ንዝኾኑ ደቂ ‘ዛ ቤተክርስትያን ንኢሳይያስ ምእንቲ ከሐጉሱ ጸሎተ ፍትሓት ዝኽልክሉ እንተአድኣ ኾይኖም፡ ኢሳይያስ ፍትሒ ረጊጹ መንእሰያት ፈቐዶ ስደት ፋሕ እንዳበለ ትም ኢሎም ዝርእዩ እንተድኣ ኾይኖም፡ ሃገር እንዳባደመት ትም ኢሎም ዝርእዩ እንተድኣ ኾይኖም፡ ሉኣላዊነት ሃገር ኣብ ሓደጋ እንዳወደቐ ትም ኢሎም ዝርእዩ እንተድኣ ኾይኖም. . . ወዘተረፈ፡ እዚ ኣምልኾ ንእግዚኣብሄር ዘይኮነስ ኣምልኾ ንፍጡር ሰብ ይብሃል። ቤተክርስትያንና ከምቲ በዓል ዳንኤል፡ ሃናንያን፡ ሚሻኤልን፡ ኣዛርያን ን ንጉስ ነቡካድነጻር ‘ንኣምላኽ ደኣ እምበር ንሰብ ኣምልኾ ኣይግባእን’ ኢሎም ኣምልኾ ዝኣበይዎ፡ ነዚ ናይ ሃገርና ነቡካድነጻር(ኢሳይያስ) ኣይፋል ኢልኩም ኣምልኾ ብምኽላእ ንእምላኽኩምን ህዝብኹምን ብጽድቂ ከተገልግሉ መንፈሳዊ ግዴታ ኣለኩም።

ዝኸበርኩም መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን፡ እዞም ሕጂ መሳርሕትኹም ኮይኖም ዘለዉ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት፡ ኣሰርቲ ፡ቀጥቀጥቲ ፡ቀተልቲ ንጹሃት ኤርትራውያን፥ ካብ ሜዳ ኣትሒዞም ድማ ደም ሰብ ሰትዮም ዘይጸግቡ ሙዃኖም ኣጸቢቕኩም ትፈልጡ ኢኹም። እሞ ንስኻትኩም ናይ ኣምላኽ ኣገልገልቲ ትብሉ በየናይ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ቃል ድኣ ኢኹም ምስ ‘ዞም ኣገልገልቲ ሰይጣን ሓቢርኩም ትሰርሑ ዘለኹም? እቲ ቃል እግዚኣብሄር እኮ ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር(ብርሃን) ምስ ኣገልገልቲ ሰይጣን(ጸልማት) ፍጹም ዘራኽብ ከምዘይብሎም እኮ እዩ ዝምህረና። ነዚ መርትዖ ዝኾነና ነዚ ዝስዕብ ካብ ቃል እግዚኣብሄር ነንብብ፥ 1ቆረ 15፡33 ፡  2ቆረ 6፡14 ፡ መዝ 1፡1 ፡ መዝ 115፡119 ፡ መዝ 26፡ 4-5 ።

ልክዕ ከምቲ ዳንኤልን ብጾቱን ንነቡካድነጻር ኣምልኾ ዝኣበዩ፡ ልክዕ ከምቲ መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን እውን ኣይፋል ንሰይጣናዊ ኣሰራርሓ ኢሳይያስ ዝብሉ ዘለዉ፡ ንስኻትኩም ‘ውን ንዓና መሪሕኩም ኣይፋል ንኣገልገልቲ ሰይጣን ክትብሉ ምእመናን ሃንቀው ኢልና ንጽበየኩም ኣሎና። እምብኣርከስ ነዘን ዝስዕባ ነጥብታት ሒዝና ፡ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ምስቲ ከማና ፍትሒ ዝሰኣነ ህዝቢ ኤርትራ ብሰላማዊን ዘይጎነጻውን ኣገባብ ኣንጻር ኢሳይያስ ተቓውሞና ከነስምዕ ኣብ መላእ ኤርትራ ናብ ጎደናታት ክንወጽ ኢና እሞ፡ ካብ ዝሓለፈ ስሕተትኩም ተማሂርኩም፡ መስቀልኩም ኣልዒልኩም፡ ምስቶም ካልኦት ሃይማኖታውያን መራሕቲ ሃይማኖት ኴንኩም ምስ ህዝብኹም ክትውግኑ ትሕተቱ ኣለኹም። እተን ኣብ ጎደናታት ሃገርና ወጺና ንሓተን ሕቶታት እዘን ዝስዕባ እየን።

  1. ፓትርያሪክ ኦርቶዶክስሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ብጹእ ወቅዱስ ኣበነ ኣንጠንዮስ ብህጹጽ ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑ
  2. ብስርዓት ኢሳያስ ዝተኣስሩ ኣቕሽሽትን ካልኦት ዝተፈላለዩ ኣገልገልቲ ቤተክትስትያን ብህጹጽ ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑ
  3. ኢሳይያስ ሓይሊ ተጠቒሙ ዝወስዶ ዘሎ ሞባእ ቤተክርስትያን ደው ከብሎ
  4. ሃገራዊ ድሕነት ንቤተክርስትያን ምምሕዳርን ኣብ ጉዳይ ቤተክርስትያን ኢዶም ምእታው ደው ከብሉን
  5. ን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ(ሜዲተራንያን) ዝሃለቑ ን ኣብ ዝተፈላለዩ ምድረበዳታት ብበደዊን ራሻይዳ ዝተቐትሉ ኩላቶም ኣሕዋትና ብህጹጽ ጸሎት ፍትሓት ክግበር
  6. ኩሎም ኣብ ማእሰርቲ ብዘይ ፍትሒ ዝሓቁ ዘለዉ መራሕትናን ተራ ኤርትራውያን ዜጋታትን ብህጹጽ ክፍትሑ
  7. ቅዋም ሃገረ ኤርትራ ክትግበር ፡ ባይቶ ሃገርና እውን ስርሑ ክጅምር
  8. ኢሳይያስ ምስ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ህዝቢ ዘይፈልጦ ስምምዓት ደው ከብል

ዝኸበርኩም ደቂ እዛ ቤተክርስትያን፡ ኣብ ቀረባ ኣዋን ነዘን ኣብ ላዕሊ ተዘርዚረን ዘለዋ ፍትሒ ዝጠልባ ነጥብታት ሒዝና ናብ ጎደናታት ወጺና፡ ብሰለማዊን ደም ምፍሳስ ዘይብሉን ኣገባብ ምስ ካልኦት ደቂ ሃገርና፡ ዄና ንኢሳይያስን ደቀመዛምርቱን ተቓውሞና ከነስምዕ ስለዝኾና፡ ኩሉ ምእመን ድልው ኮይኑ ክጸንሕ ንሕብር። ኣብዚ እንገብሮ ሰላማዊ ተቓውሞ፡ ከምቲ ልሙድ ባህልና ህዝቢ፡ ብዘይ ኣጋዳዳዕ ሰብኣይ ሰበይቲ መንእሰያት ናብ ጎደናታት ክወጽእን፡ ክሳብ ነባሪ ፍታሕ እንረክብ ድማ ተቓውሞና ደው ከይነብልን ምሕጽንታና ነቕርብ። ኩሉ ሕተቓውሞና ብሰላማዊ መገዲ ጥራይ እዩ ክኸውን። እምባጋሮን ካልእ ናዕቢ ምግባርን ፍቓድ እግዚኣብሄር ኣይኮነን።

ክብርን ምስጋናን ንእግዚኣብሄር ይኹን!!!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde May 8, 2019

    Generations of my family is rooted in the priesthood of this church before the Lucifer and his gang infiltrated and altered its sacred dominion installing their personal ATMs in its pews.Shame on thee HGDEF,history tells us those who vandalized God’s property have suffered great,affliction by leprosy being one of them.My mom used to give an offering to get a brunch of leafs from the Enda Mariam church grounds to treat my childhood tonsillitis,it worked.We need to get back to normalcy,to human decency,to the Eritrean core values that was thought in the kitchen table by our forefathers and mothers,fo to indoctrination,fo to thieves of the Dark State,fo to the tyrant and his servants.God will take the helm and resurrect the church.I can still smell the divine aroma of that church clutching to the skirt of my mom.

POST A COMMENT