Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝባዊ ምልክታታት፡ ፍራንክፈርት ጀርመን፡ ቶሮንቶ ካናዳ፡ ህይስተን፡ ሳንድያጎ ካሊፎርንያ

ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ሃገር ጀርመን ንቀዳም ዕለት 24 መጋቢት (March) 2012 ኣንጻር‘ቲ ሕሱም ዲክታቶርያዊ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖታዊ ትካላት ብፍላይ ድማ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን መድሓኔ ዓለም ፍራንክፎርትን ካልኦትን ዝፍጽሞ ዘሎ ምትእትታው ደው

ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ሃገር ጀርመን

ንቀዳም ዕለት 24 መጋቢት (March) 2012 ኣንጻር‘ቲ ሕሱም ዲክታቶርያዊ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖታዊ ትካላት ብፍላይ ድማ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን መድሓኔ ዓለም ፍራንክፎርትን ካልኦትን ዝፍጽሞ ዘሎ ምትእትታው ደው ንከብል ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ተመዲቡ ኣሎ። ተቓውሞና እነካይደሉ ካብ ባንሆፍ ኒደራድ (መዓርፎ ባቡር ምድሪ ኒደራድ) ስዓት 12፡00 (ፍርቂ መዓልቲ) ክጅምር እዩ።

ክታቶርያውያን ገዛእቲ ህግደፍ፡ ንሕብረተሰባዊ ጉጅለታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮ ንምእታው ዘይተጠቕምዎ ብልሓታት ከም ዘይህሉ ከም እትፈልጥዎ፡ ንዚኵሉ ተግባራት ብምፍሻልን ኣብ ጐኒ‘ቲ ዝጭቘንን ዝግፋዕን ዘሎ ኤርትራዊ ሎሚ‘ውን ከም ቀደም ቃልስና ዝነዓቕ ከም ዘይኰነ ንምርኣይን ናይ ቃልሲ ሸውሃትን ሞራልን ህዝብና ከም ዝዓዝዝ ንምግባርን፡ ከካብ ዘሎናዮ ብብዝሒ ከም ንመጽእ ንምግባር ተዓጢቕክንን ተዓጢቕኩምን ከም ዘሎኻትኩም ንኣምን።

ካብ‘ዚ ብምንቃል ድማ ነፍሲ ወከፍና፡ ተቓውሞና ንምስማዕ ካብ ዘዘሎናዮ ከተማታትን ዓድታትን ኣቓልቦናን መደብናን ናብ ኒደራድ ባንሆፍ ፍራንክፎርት ንምምጻእ ክኸውን ንላቦ።

ንዝዀነ ይኹን ሓበሬታ ክሳዕ ተወሳኺ ስልኪ ቍጽሪ ዝርከብ 015 772 599 572 ኣሎኩም።

 ሽማግለ  ሰላማዊ ሰልፊ

 ማሕበራት ደቀንስትዮን መንእሰያትን

በርጌሳውያንን ፖለቲካውያንን ውድባትን ኤርትራ

ኣብ ሃገር ጀርመን

ካርልስሩሀ 18.03.2012

 

 

ኣብ ህይስተን ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ነቲ ብህዝባዊ መኸተ ንዕለት 24 መጋቢት ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ ንምቅዋም ዓቢ ሰለማዊ ሰልፊ ከካይዱ እዮም።

እቲ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ካብ ሰዓት 4፡ ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ኣብ ኣፋደገ ናይ Swiss Royale Reception Hall, 9651 Bissonnet St,Suite #105 Houston, TX 77036 እዩ ክካየድ።

እቲ ዶ/ር ተስፋይ ኣርዓዶም፡ ንህግደፋውያን ዝወሃብ ኣስተምህሮ፡ “ቁጠባዊ መሰረታት ኤርትራን መጻኢ ዕድላታን፡ ህሉው ማሕበራውን ፖለቲካውን ተጻብኦ ኣንጻር ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ’ዩ ካካየድ።

እዚ፡ ኣካል ናይ’ቲ ዕምሪ ስልጣን ፋሽሽታዊ ስርዓት ህግደፍ ንምንዋሕ ብመሓውራት ህግደፍ ኣብ ከተማታት ኣሜሪካን ኣውሮጳን ዝካየዱ ንጥፈታት ሓደ እዩ።

ኣብ ህይስተን ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ብፍላይ መንእሰያት ግና፡ ከም ኣብ ኵሉ ኩርናዓት ዓለም ዘለዉ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ንኹሉ ተነኰላትን ሽርሕታትን ህግደፍ ንሓንሳብን ንሓውሩን ክብንቁሱ ተላዒሎም ኣለዉ።

እዚ ናይ’ቲ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ምእንቲ ፍትሒን ሰብኣዊ መሰልን፡ ናይ’ቲ ብሓለንጊ ስርዓት ህግደፍ ዝሳቐ ዘሎ ውጹዕ ህዝቦም፡ ደው ኢሎም ኣፍልቦም ነፊሖም፡ ጭዋዳታቶም ገቲሮም ንጸላኢ ዝገጥምሉ መድረኽን እዋንን ከምዝኣኸለ ዘርእይ ጭቡጥ ኣብነት እዩ። ኣብ ኩሉ ኵርናዕ ዓለም ዝርከቡ መንእሰያት ኤርትራ፡ ብሓደ ህርመት፡ ብዓውታ ስመርር.. ክብሉ ይነብሑ ኣለዉ። ኣብ ከማታት ህይስተንን ከባቢኣን ዝርከቡ ኤርትራውያን’ውን ከምኡ፡ ኣካል ናይ’ዚ ዕዉት ታሪኽ ምዃኖም የረጋግጹ ኣለዉ።

ኣብ ህይስተን ሰለማዊ ሰልፊ ንምክያድ ካብ ምምሕዳር ከተማ ህይስተን ፍቓድ ወጺኡ፡  ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ። ተግባራት ስርዓት ህግደፍን ለኡኻቱን ንምቅላዕ’ውን ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ።

ኣብ ህይስተንን ከባቢኣን ትነብሩ ኩሉኹም ኤርትራውያን፡ ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ተረኺብኩም፡  ምእንቲ ፍትሒ፡ መሰልን ሰላምን ናይ’ቲ ውጹዕ ህዝብኹም ኣውያትኩም ከተስምዑ ብኽብሪ ትዕደሙ።

ስምረት መንእሰያት ኤርትራውያን ንለውጢን ተቓወምቲ ውድባትን

ህይስተን

03/18/12

 

 ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ሳንድየጎ ካልፎርንያ

 

ኣብ ከተማ ሳንድየጎ ህዝባዊ ሽማግለ ሃገራዊ ባይቶ ንምቛምን ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ንምዝታይን፣ ኩሉ ኤርትራዊ ተቐማጢ ከተማ ሳንድየጎን ከባቢኣን ዝሳተፈሉ ህዝባዊ ኣኼባ ንሰንበት መጋቢት 25, 2012 ክካየድ’ዩ። ኣብ’ዚ ኣኼባዚ ሓደ ኣባል ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ብኣካል ተረኺቡ መግለጺ ክህብዩ።

ብደሓን ምጹ

أجتماع جماهيرى فى مدينة سنتياقو كاليفورنيا

     سوف يعقد أجتماع  جماهيرى عام فى بمدينة  سانتياقو كلفورنيا فى يوم الاحد الموافق 25 مارس  لتكوين لجنة من الجماهير للمجلس الوطنىى و لمناقشة الاوضاع الحالية فى إرتريا. و ندعو كل المواطنين الارترين القاطنين فى هذة المدنية المذكورة للمشاركة.. و فى هذا الاجتماع  سوف يحضر عضوء المجلس الوطنى من شمال أمريكا للشرح و الاجابة على التسأؤلات.

ونتشرف بحضوركم

Public Meeting in the City of San Diego California

A public meeting for the purpose of electing a People’s committee for the  National Council, and to discuss the current situration in Eritrea will be held in San Diego on Sunday March 25, 2012. All Eritreans-residents of San Diego and its vicinity are invited. The meeting will be conducted by a Councilman from the Regional NA Council of ENCDC.

ቦታ፡  Marriott Courtyard (Mission Valley) 595 Hotel Circle South, San Diego, CA 92108

ግዜ፡ ሰዓት 12፡00 ድሕሪ ቀትሪ

ቤት ጽሕፈት ኤሃባደለ/ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ 

3/19/2012

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Gado March 20, 2012

    you support HGDF not to be invaded but how can you say you are fighiting for freedom.
    now if HGDF’s have to do demonstration it could be seen as a resean for the world. but your effort made us hopeless after we seen your advertisement in support of HGDF and it does not make sense to call people for demonstration now.

  • Selamawi March 20, 2012

    Enough is enough = yeakel!

    PGFJ stay off church affairs. Until you go for good, please leave us alone so we can pray in our churches for your disappearance from power.

    May God shorten PFDJ’s days, so that Abune Antonios may be freed and reinstated, so we can warship God, so young and old can live in their homes

    Thanks

POST A COMMENT